ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ሰላም ኣብ ምድሪ’ ኣብ መገዲ ሰላም ዝመርሕ ኮኸብ
ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስታ ዕለት 11 ሚያዝያ ካብ እትሕተም መበል 60 ዓመት ዘቑጸረት ዓዋዲት መልእኽቲ ኣማኣኪሎም፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ጋብሬኤለ ካቻ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዝሓ-ጐናውነትን ምትእስሳር ኣብ መንጎ ህዝብታትን ዝድግፍ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቃል ኪዳውናዊ ጻዕርታት ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎ ዓዋዲ መልእኽቲ “ሰላም ኣብ ምድርን” ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘሎ ምትእስሳሩ ብሰፊሕ ይገልጹ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሰላም ኣብ ምድሪ” ዓዋዲት መልእኽቲ ካብ እትሕተም ዕለት 11 ሚያዝያ መበል 60 ዓመት ከም ዘቑጸረትን፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዓውዲ ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክብ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዘተ ንምድንፋን ሰላም ንምህናጽን ተወፋይነት ዘለዎም መገዲ ሰላም እተሕብር ሰሜናዊት ኮኾብ ኮይና ትቕጽል ኣላ እንክብሉ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሬአለ ካቻ ምስ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዋናውነታ ኣጉሊሖም፥ ኣብ እዋን ቅልውላው ሚሳይል ኩባ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኣህጉራዊ ውዳበታትን ብዝሓ ጎናውነት ኣብ ዝብል ጭቡጥ ኣምር ዝሃበቶ ደገፍ ደጊሞም የረጋግጹ።
. . . ዓዋዲት መልእኽቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ንራእይን ተወፋይነትን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ንሰላም ክሳብ ክንደይ ጽልዋ እሕዲሩ ብፍላይ ኣብ ምንታይ ህሞታት? እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ድሕሪ እቲ “ቅልውላው ሚሳይል ኩባ” ዘምጸኦ ስግኣቱን ንዓለም ሓደጋ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል ናይ መጀመሪያ ዓቢ ኣህጉራዊ ቅልውላው ኣብ ዝተቐላቐለሉ እዋን ዝተጻሕፈት እያ፥ ክንየው እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ድቡን ሃዋሁ፡ ብርሃን ክንርኢ ዘኽኣለት እያ። . . . ስለዚ መገዲ ሰላም እትሕብር ኾኸብ እያ። . . . ኣብ መንጎ ሰባት ምስ መሰላትን ግቡእነትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ቅልውላውን ህዝባውን ስልጣንን ኣብ መንጎ መንግስታትን ዘሎ ዝምድናታት እትዛረብ፡ ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዓለም ዘለዋ ርክብ ኣስተንትኖ ዝሃበትን እያ። ምስ ተበግሶ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተኣሳሰረ እውን።
መሰረታዊ ነጥቢ ዓዋዲ መልእኽቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ”? ኣብ ክንዲ ኣብ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ ፍራሒ ካልእ ካብዚ ድማ ኣብ ሚዛን ራዕዲ ዝተመርኮሰ ዝምድናታት ምህናጽ ዝብል ስነ መንጎት ምብዳህ ከም ዘድሊ ንጹር መጠንቀቕታ ተቕርብ። ብሓጺሩ ኣብ ቅንዕና ዝተመርኮዘ ዘተ ንዘላቒ ሰላም መሰረት ምዃኑ ተመላኽት። በዚ መሰረት ድማ ዮሓንስ መበል 23 ነቲ ዘሰክፍ ቅድድም ኣጽዋር ብፍላይ ከኣ ነቶም ብዘይ ኣፈላላይ ንመላእ ህዝቢ ዘዕንውን ብተመሳሳሊ ድማ ንሕይወት መሬት ዘጥፍእ ምዃኑን ኩሉ እቲ “መንፈሳውን ቁጠባውን ጸዓት” ዘባኽን መደባት ህይወትን ከባብን ንምድንፋዕ ክውዕል ዝኽእል ምዃኑ የመላኽቱ። እዚ ብዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት \ተረጋገጸ ሓሳብ እውን እዩ። . . . “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ክእገድ ኣለዎ” ዝብል ኮይኑ ኣካል ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥሙቕ ትምህርቲ ብምዃኑ ይቃላሕ ኣሎ።
ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ-ኣብቲ ቀዳማይ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣብ ሕቡራት ሃገራት - “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዓቢይ ቆላሕታን ከም ዝረኸበት ድማ ይገልጹ። ሎሚ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብኸመይ ትዝከር? ብታሪኽ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዓዋዲት መልእኽቲ፡ ኣብቲ ዕለት 26 ሰነ 1945 ዓ.ም. ብዝተመስረተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተጠቕሰ ናይ መጀመርታ ዓዋዲ መልእኽቲ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽሪ 142 ኣብ ትሕቲ “ዘመናዊ ምዕባለታት” ንዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተወፍየ፡ ብተወሳኺ ዕለት 10 ታሕሳስ 1948 ዓ.ም. ዝጸደቐን ሎሚ መበል 75 ዓመት ዘብዕል ዘሎ ኵላዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት እዩ። . . . ንዓለም ለኻዊ ጸገማት ምላሽ ንምሃብ ዝጽዋዕ ናይቲ ውድብ ዋዕላ ዘናድዮም መልስታት ኩሉ ግዜ ንመሰላት ናይ ሰብ ብምኽባር ኵላዊ ሓባራዊ ረብሓ ንምድላይ ዝኣመተ እዩ። እዚ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ነጥብታት ዝስዕብ እዩ ዝመስል። ብሓቂ ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት 1964 ዓ.ም. ቅድስቲ መንበር ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ውድብ ብጹዕ ኣቡነ ኣልበርቶ ጆቫነቲ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቢላ ሰምያ ከምዝላኣኸትን ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ከኣ ብትኽኽል ዕለት 4 ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሕንጻ ተረኺቦም ቀዳማይ መደረ ከምዘስምዑን . . . ብናልባት ሓደስቲ ወለዶ ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ነታ ዓውዲት መልእኽቲ ኣይፈልጡን ይኾኑ፡ እዋላ’ኳ ንዝኽሪ መበል 60 ዓመት ሕትመት ዓዋዲት መልእኽቲ ሰላም ኣብ ምድሪ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ይካየድ እንተሃለወ፡ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ወድብ ተልእኾን መዓልታዊ ንጥፈታት ኣስተንፍሶ ኮይና ትቕጽል ኣላ። . . . መገዲ ሰላም እትሕብር ኮኾብ እያ ክብል እኽእል።
ዮሓንስ መበል 23 ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕ ቦታ ብምውፋይ፥ ኣቋውማኡን ኣገባብ ዕዮታቱን ምስ ዕቤትን ልዑልን ዕማማቱ በብቁሩብ ከመዓራረዩ” ተስፋ ይገብሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ድሌት ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ቅልውላው ብዝሓ ጐናውነት ክህሉ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣገዳስነቱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ታሪኻዊ ምዕራፍ ክጭበጥ ቅድስቲ መንበር ከመይ ገይራ ክትሕግዝ ትክእል? እዚ ሕቶ እዚ ዝበለጸ መልሲ እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል ኣርእስታ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ክትከውን ትኽእል። . . . ኣብ መንጎ ሰባት ህዝብታትን ሓቀይና ምትሕብባር ቅድመ ኩነት ዝገብር ናይ ምክብባርን ግልጽነትን ኩነታት ክዓቢ ምእንቲ። በዚ መሰረት እዚ ጽገና ኣድማዒ መገድታት ብሓባር ክድለን ክርከብን ይከኣል። ገሊኡ ድሮ ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ትካል ከይተረፈ ኣብ ስራሕ ይውዕል ኣሎ። ከም ዳግመ ምሕሳብን ምስፋሕን ባይቶ ጸጥታ፡ ጉዳይ ቅውፊ - ዝሓለፈ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ናይ ምግባር መሰል ዝምልከትን፡ ዝያዳ ቆራጽ ተራ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ተሳትፎ በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ባህሊ ዓለምን ውልቃዊ ጽላትን ብዝግባእ መገዲ፥ እዚ ኵሉ ግን ብግቡእ መንፈስ ኣብቶም መሰረት ናይቲ ትካል ባዕሉ ዝኾኑ ኣዕዱን ዘሎ መንፈስ እዩ፡ ከምኡ እውን ኣብ መቕድም ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ቅዋም ማለት “ተኸታሊ ወለዶታት ካብ መዓት ኲናት ንምድሓን ምስ እንዓዪ ጥራይ እዩ ጭቡጥ ክውንነት ክረክብ ዝክእል፡ ኣብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክብርን ዋጋ ሰብኣዊ ህይወትን ኣብ ማዕረ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምኡ እውን ናይ ብዙሓንን ህዳጣንን ኣህዛብ መሰል ሃይማኖት ዳግምይ ምርግጋጽ ፍትሕን ግዴታታት ዘኽብርን ካብ ውዕላትን ካልኦት ምንጪታት ኣህጉራዊ ሕግን ዝፍጠሩን ማሕበራዊ ምዕባለን ዝሓሸ ደረጃ ህይወትን ኣብ ዝዓበየ ናጽነት ንምድንፋዕ።” . . . ውዕል እገዳ ምብዛሕ ኣጽዋር . . . ኩለ መዳያዊ ውዕል ዕገዳ ኑከሳዊ ፈተና ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ቅድስቲ መንበር እውን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዝኸተመቶ ውሳኔ ውዕል ምውጋድ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ከም ጭቡጥ ኣብነት ዝጥቀስ ምዃኑ የብርሁ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዘን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ግዜ “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም እዮም፡ ኣብ ዩክሬይን ኲናት ካብ ዝባራዕ እውን ብርእይቶኹም ከም ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዝኣመሰለ ሰነድ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ናይቲ ሰነድ ንናይ ዘመንና ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ መገዲ ሰላም ንኽጓዓዙ ብኸመይ ክሕግዞም ይኽእል? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ዕለት 9 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ከምቲ ልሙድ በቢዓመቱ ዝካየድ ርክብ ኣካይዶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ገለ ሸነኻት ናይታ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ዓዋዲ መልእኽቲ እናጠቐሱ ርእይቶ ሂቦምን ሰላም፥ ኣርባዕተ መሰረታዊ ሰናይ ነገራት፥ ሓቂ ፍትሒ ምትሕግጋዝን ናጽነት ብምኽባር እዩ ዝከኣል፡ እዚኣቶም ረቛሒታት ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባትን ናይ ፖለቲካ ማሕበረሰባትን ዘሎ ርክብ ዝቆጻጸሩ ኣዕኑድ እያቶም፡ ቅዱስ ኣቦና ነዚ መዐቀኒታት እዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኩነታት ዓለም ብኸመይ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ንጹር ምልክት ሒዞም ከማዕብልዎም ምርኣይ ኣዚዩ መሳጢ እዩ። . . . ብዛዕባ ኑለሳዊ ስግኣት ዝገልጽ ዘመላኽትዎ ሓሳብ እውን ነቲ ናይ ዮሓንስ መበል 23 ኣመለኻኽታ ዘቃልሕ ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ክሳብ ክንደይ ምዕባለ ከም ዘይተራእየ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ጥራይ ዘይኮነስ ‘ምውናን’ እውን ከይህሉ ዝብል እዩ። ምውናን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኢስነ-ምግባኣዊ ምዃኑ ደጊሞም የረጋግጹ . . . ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ዝገለጽዎ። . . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።