ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ንናይ ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. የኔታ ኤንቶንይ ኦንየሙቸ ኤክፖ ንናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኣገልግሎት ንውሁድ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝልሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ነዞም ዕለት 24 መስከረም 1981 ዓ.ም. ኣብ ናይጀርያ ዝተወልዱ 41 ዓመት ዝዕድመኦም ዕለት 30 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ኣብ ናይጀሪያ ሰበኻ ኡሙያያ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ሓፈሻዊ ጉዳያት ብዓል መዚ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ የኔታ ኣንቶኒ ኦንየሙቸ ናይቲ ውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎምን፥ የኔታ አንቶኒ ኦንየሙቸ፥ ድሕሪ ምስያሞም፥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ትምኒተይ ምስ ሓለፍትን ሰራሕተይናታትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ውሁድ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየተ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ራእይ ናይዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ቤተ ክርስቲያንን ንቕድሚት ምስጓም እዩ” ከም ዝበሉን፥ የኔታ አንቶንይ ኦነየሙቸ ኤክፖ ኣብ 2013 ዓ.ም. ኣብ ኣውስትራሊያ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ብስነ - ስርዓታዊ ቲዮሎጊያ ሊቕነት ኣብ 2021 ዓ.ም. ካብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ከም ዘመስከሩን ዕለት 17 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ጸሎት ሓላፊ ኮይኖም ብቕዱስነቶም ከም እተሰምዩን እንግሊዝይናን ጣልያንይናን ፈረንሳይናን ቋንቋታት ዝዛረቡ እውን ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።