ቅድስቲ መንበር፥ ስጉምትታት ጸረ ብላዕን ምግባረ ብልሸውናን ንሰብኣዊ ሓገዝ ክጸልው የብሉን
ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ገምጋሚ ሓፈሻዊ ጉዳያት የኔታ ሮበርት ካምፒዚ ኣብ ፖላንድ ከተማ ዋርሶ ኣብ ዝተኻየደ ላዕለዋይ ዋዕላ ትካል ሽማግለ ክኢላታት ገምጋም ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ስጉምትታት ምወላ ግብረ ሽበራን ተቖጻጻሪ ኣብ ዘካይዶ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሳልጣ ትካላት ግብረሰናይ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ከይኸውን የጠንቅቑ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሃብቲ ገንዘብን ንምምካት ምወላ ግብረ ሽበራን ዝውሰዱ ስጉምትታት፥ “ዘይመንግስታውያንን ግብረ ሰናይን ትካላት ንዝተጉድኡን ኣብ ጸገም ዝርከቡ ማሕበረሰባትን ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ምቕራብ ዓቕመን ዝድርት ወይ ዝዓግት ከይኸውን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ የኔታ ካምፒዚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፥ “እቲ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሃብቲ ገንዘብን ምወላ ሽባራን ጃምላዊ ዕንወትን ንዘስዕብ ተግባር ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ንምምካት ዝተገብረ ተወፋይነት ዝነኣድ ከም ዝኾነን፡ እቶም ዝተጠቕሱ ገበናት ንቕኑዕ ምሕደራ ኣህጉራዊ ቁጠባን ስርዓትን ንሓደጋ ዘቃልዑን ሓባራዊ ህይወት ደሞክራስያውያን ሕብረተሰባትን ልዕልና ሕግን ዘዳኽሙ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ ስለዚ እቲ ሽማግለ ክኢላታት ገምጋም ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ስጉምትታት ምወላ ግብረ ሽበራን ተቖጻጻሪ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ኣባላት ሃገራት ብዝዓበየ ፖለቲካዊ ተወፋይነት ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሃብቲ ገንዘብን መዋሊ ግብረ ሸበራን ዝውዕል ሃብቲ ገንዘብ ክከታተላን ክቃለሳን ዝብል ናይቲ ሽማግለ ዕላማ ኣገዳስን ቅቡልን ምዃኑን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቁጽጻር ጻዕሪ፡ ነተን ዘይመኽሰባውያን ኣብ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝነጥፋ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኣገልግሎት ዝጸልው ኮይኑ ከምዘሎ ቅድስቲ መንበር ብቐረባ ዘለለየቶ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጾም፥ ስለዚ እቲ ንሕጋዊ ስርዓት በርገሳውያን ማሕበራትን ሰብኣዊ ትካላትን ዕንቅፋት ዝኾኑሉ ኣጋጣምታት ምውጋድ የድሊ፡ ብፍላይ እተን ሕጋውያን ዝኾና ዘይመንግስታውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ከምኡ እውን ሃይማኖታዊ መሰረት ዘለወን ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ኣብ ምክልኻል ግብረ ሽበራ እወታዊ ኣበርክቶ ከም ዘለወን ክስትውዓል ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።