ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ናይ ልምዓት ሜላ ምሕደራ፡ ሰብኣነት ሰብ ከማእክል ኣለዎ! ቅድስቲ መንበር፥ ናይ ልምዓት ሜላ ምሕደራ፡ ሰብኣነት ሰብ ከማእክል ኣለዎ! 

ቅድስቲ መንበር፥ ናይ ልምዓት ሜላ ምሕደራ፡ ሰብኣነት ሰብ ከማእክል ኣለዎ!

ህጻናት ብዘይ ዝኾነ ግብኡ ኣንፈትን መምርሕን ካብ ወለድን ሕጋውያን ኣለይቶምን ከይረኸቡ ነቲ ተመክሮ ፍቕሪ ኣንጻራዊ ዝኾነ ተመኩሮ ፍቕሪ ዘይገልጽ ዘይረብሕ ኣልቦ ቅውም ነገር ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምስ ዝቃልዑ ዝያዳ ዘተሓሳስብ እዩ ዝኸውን

ሊቀ ጳጳሳት ጋብሬየለ ካቻ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መበል 56 ዓውደ ኣኼባ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ህዝብን ልምዓትን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብመትከል መኽሰብ ዝእዘዝ ኣካይዳ ምሕደራ ምንካይ ፍርያምነትን ኣብ ውሁድ ምዕባለ ደቂ ሰባት ዘይኮነ ኣብ “ተጠቒምካ ምጉሓፍ ዝብል ባህሊ” ኣበርክቶ ዘለዎ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር “ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል” ዝገብር ሰብኣውነት ዘኾልዕ ኣገባብ ምዕባለ ብኹሉ ሸነኻትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት ዘሰንይን ዘሰጉምን ክኸውን ከም ዘለዎ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋብሪየለ ካቻ ኣብ ኒው ዮርክ “ብዝሒ ህዝብን ትምህርትን ዘላቒ ልምዓትን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ መበል 56 ዓውደ ኣኼባ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ህዝብን ልምዓትን ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍርያምነት ዘጉድል ኣገባብ ኣብ ምዕባለ ኣበርክቶ የብሉን

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ “ዝበዝሐ ኣገባባት ወይ መምርሕታት ልምዓት፡ ንሰብኣዊ ፍጥረት ወይ ከም ዕንቅፋት ልምዓት ወይ ድማ ብመሰረት መኽሰብን ክምዝመዝ ዘለዎ” መጋበርያ ገርካ ክርአ ዝብል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ - ቢሎም - እዚ ድማ ንዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ከም ዓንቃፊ ሓይሊ ዝቖጽር ፍርያምነት ዝገትእ “ምስ ባህርያዊ ክብሪ ሰብ ዝገራጮ እዩ፡” እዚ እውን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ከም ውዳቕ ዝሓስብ “ጓሓፋይ ባህሊ” እንክብሉ  ንዝጽውዕዎ ኪደት ኣበርክቶ ዘለዎ እዩ ቢሎም፥

ካብ ህሞት ጽንሲ ክሳብ ተፈጥሮኣዊ ሞት፥ ንሕይወት ምኽባርን ምድንፋዕ ዘይንጽል ሰብኣዊ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ህጻንን ኵሉ ግዜ ኣብ ሕመረት መምርሕታት ልምዓት ክኸውን ኣለዎ!

ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕንጸት ሓቀይና ጸረ መርዚ ድኽነት

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ትምህርቲ ከም ቀንዲ ረቛሒ ምዕባለ ደቂ ሰባትን፡ ንድኽነትን ማሕበራዊ ምግላልን ውጽኢታዊ ጸረ መርዚ” ምዃኑ ኣጒሊሖም፥ ካብዚ ኣምር እዚ ተበገሲም፥ ህጹጽ ኣድላይነት፡ “ንነፍሲ ውከፍ ሰብ ምሉእ ዓቕሙ ከስተውዕል መሰረታዊ ክብርታትን ጽቡቕ ባህርያቱን ክወሃሃድ፡ ኣብቶም መሰረታት ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ መጻኢ ክቐርጽ ዘኽእል ባህርያዊ ዕላማ ትምህርቲ ዝድግፍ ናይ ህንጸት ቅዲን ዝተሓደሰ ተወፋይነትን” ከም ዘተሓሳሰቡ  ኣመላኺቱ፥

ኣብ ሕንጸት መተካእታ ዘይብሉ ተራ ወለዲ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ወለዲ ደቆም ኣብ ምምሃር “ዘይትካእን ዘይምንዛዕን” ግደ ከም ዘለዎም ኣስሚሮም፥ ስለዚ ምሉእ ብምሉእ ንኻልኦት ተዋሳእትን ትካላትን ሕብረትሰብ ዝውክል ማለት ኣይኮነን፡ ይኹን እምበር “ገለ ህልዮታት ንወለዲ ንውልቃዊ ዕግበትን ጽቡቕ ሂወትን ደቆም ከም ዕንቅፍት ገይሮም ከም ዝስእልዎን ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ዝወሃቦም ዓይነት ትምህርቲ ናይ ምምራጽ “ቅድመ መሰሎም” ምግሃስ ዝብል ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ “እዚ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ይኸውን -  ህጻናት ብዘይ ዝኾነ ግብኡ ኣንፈትን መምርሕን ካብ ወለድን ሕጋውያን ኣለይቶምን ከይረኸቡ ነቲ ተመክሮ ፍቕሪ ኣንጻራዊ ዝኾነ ተመኩሮ ፍቕሪ ዘይገልጽ ዘይረብሕ ኣልቦ ቅውም ነገር ዝኾነ ኣተሓሳስባ ምስ ዝቃልዑ ዝያዳ ዘተሓሳስብ እዩ ዝኸውን - ቢሎም - ቅዱሰቲ መንበር ኵላዊ “ምስ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ሓባራ ጸዋዕታ ሕውነትን ዝሰማማዕ ጽሩይ ትምህርቲ” ብህጹጽ ንምህላው ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ ዘስምዕዎ መድረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Apr 2023, 15:27