ድለ

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ዘይህብ ቃላትን ተግባራትን ትነጽጎ ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ዘይህብ ቃላትን ተግባራትን ትነጽጎ  (Yurko Hanchuk)

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ዘይህብ ቃላትን ተግባራትን ትነጽጎ

ቅዱስ ኣባኦና ኣብ ካናዳ ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ ቀንዲ ደራኺ እዩ፡ ገዝእ ርእስና ኣብዚ መሰረት እዚ ብዝያዳ ንረክብ

ውሁድ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቺዘርንይ፥ ብዛዕባ እቲ ዕለት 30 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ትምህርትን ባህል ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዘውጽእዎ ሓባራዊ ሰነድ ዛዕባ “ጠመቕ ርኽበት” ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ቤተ ክርስቲያን ንዅሉ ክብሪ ሰብ ኣፍልጦ ዘይህብ ቃላትን ተግባራትን ትነጽጎ” ዝብል ሓሳብ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ውጽኢት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓተትዎ ናይ ምዝታይን ምስምማዕን መስርሕ እዩ፡ እዚ ሰነድ እዚ ነቲ ዝሓለፈ “ዘሕዝን ስጒምትታት” ክንክሕዶ ዘይኮነስ ኣፍልጦ ክንህበሉን ኣብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኡ ከተንብሮን ከምኡ እውን ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዎ ጽልዋ ዘጒልሕን እዩ።

ቅድስቲ መንበር ነዚ “ጠመቕ ርኽበት” ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ክተሕትም ዝወሰነት ስለምንታይ ምዃኑ ክትሕብሩና ትኽእሉዶ? ዕርዲናል ማይክል ቸርንይ ይብሉ፥ ቅድስቲ መንበር ደቀባት ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝሓተትዎን ቅድሚኡ እውን ዝሓትዎ ዝነበረ ኮይኑ ብፍላይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ኣብ ካናዳ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን እውን ዝቐረበ ሕቶ እዩ፡ እቲ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ወግዓዊ እዩ . . . ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ካናዳ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዝተነብረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘንጸባርቕ እውን እዩ። ወይ ከኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቦሊቪያ ተረኺቦም ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ዝገበርዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተንበርኪኻ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ብደቃ ዝተፈጸመ ሕሉፍን ሕጂ ዘሎን በደል ዝሓተትዎ ይቕረታ መሰረት ዝገበረ እውን እዩ።

እምበኣር እቶም ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣርእተ ሊቃነ ጳጳሳት ባዕዳውያን ገዛእቲ መሬትን ንብረትን ደቀ ባት ብሓይልን ወይ ብምዕዳም ናይ ምውናን መሰል ዝሃቡሉ ውሳነ ነይሩ እዩ፡ ብዙሓት ምሁራት ነዚ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ትእዛዝ ስለምንታይ እዮም ናይ “ጠመቓዊ ትምህርቲ ርኽበት ቤተ ክርስቲያን”  ገይሮ ምዘቕርብዎ? እቲ ማሕተም ዘለዎ ትእዛዝ ግን ወግዓዊ መግለጺ ደኣ እምበር ወግዓዊ ኣስተምህሮ እዩ ቤተ ክርስቲያን ኣይኮነን። መግለጺ ጥራይ እዩ። ከምቲ ዝኾነ መራሒ ሃገር ዘቕርቦ . . . ስለዚ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮኑስ ናይ መብዛሕትኡ ክፋላት ኢጣሊያ ገዛእቲ እዮም ዝነበሩ፡ ስለዚ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ከም መራሕቲ ሃገርን መጠን ኣብተን ብውሑድ ይኹን ብብዙሕ ካቶሊካውያን ዝነበሩ ገዛእቲ ሰላም ክህልዉ ይጽዕሩ ነይሮም ክትብል ትኽእል። ስለዚ ድማ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መንጎ እተን ንምዕራብ ኣፍሪቃን ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ንምግዛእ ኣብ ዝገብርኦ ፈተነታት ኣብ ምትህልላኽ ዝኣትዋ ዝነበራ ስፐይንን ፖርቱጋል ውግእ ከይህሉ ክከላኸልን ስርዓት ክሕለውን ይጽዕሩ ነይሮም እዮም።

ስለዚ . . . እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ፍትሓውያን ነይሮም ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን መዝማዝን ገፋዕን ዴስነት ዘስፍሕን እዩ ዝነበረ . . . እቲ ዝወጸ መግለጺ እምበኣር ቤተ ክርስቲያን ኣባላታን ከምኡ እውን ንኹሎም ዜጋታት ካናዳን ኣመሪካን ካብቲ ዘሕዝን ታሪኽ እንታይ ንኸለልዩ ንምሕጋዝ ዝኣመተ ብሓቂ ሎሚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ እዩ።

እቲ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ዕብለላ ምግዛእን ምሓዝን ብዛዕባ ግሊያነት እውን ይዛረቡ ነይሮም እዮም። ካብ ከምዚ ዝበለ ውርሻ ወይ ሕድሪ ንበሎ ከመይ ጌርካ ንቕድሚት ትስጒም፡ እዚ ሕጂ ዝተወሃበ ምላሽ እኹል ድዩ? ጐዳኢ ውርሻ ወይ ሕድሪ ክህሉ እንከሎ ንቕውድሚት ምኻድ ይሓላልኾ እዩ። ብዛዕባኡ ረሲዕካ ምቕጻል ጥራይ ዝበለጸ ክመስል እውን ይኽእል እዚ ግን ብሓቂ ነቲ ቁስሊ ዘሕውይ ኣይኮነን። በንጻሩ መን እንታይ ንመን ከም ዝበሎን ብኡ ክሳብ ክንደይ በደለይናታት ምዃኖምን ንምፍላጥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኩሉ ግዜና ከነባኽን ነዚ ኣብ ምኹዓት ግዜኻ ምሕላፍ እውን ፈውሲ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ መስርሕ ኣብ ካናዳን ኣብ ማሕበራውን ኣብ ካናዳ ኣብ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኪደት፥ ብዛዕባ እዞም ወጥርታትን መሪርን ዛዕባታት ሓድሕዳዊ ምስማዕ ምእንቲ ክህሉ ኩሉ ናብ ዘተ ከብል እዩ ዝዕድም። . . . እቶም ደቀባት ክዛረቡ ኣለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቶም ደቀባት ዘይኮኑ ድሓር  ዝመጹ እውን ክዛረቡ ኣለዎም፡ እዚ እዩ ዘድሊ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ምስ ደቀባት ዝገብርዎ ርክባት ምስ ደቀባትን ደሓር ኣብ መሬት ደቀባት ዝሰፈሩን ብዛዕባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከመይ ገይርና ክንዛረብ ከም ዘሎና መገዲ ይሕብር። . . . ምስምማዕ ምዝታይን ይቕረታ ምሕታትን . . . እቲ ጌጋ ምእንቲ ንኸይድገም!

ብታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዓዝ እያ ነቲ ዘይግሃስ መሰላት ደቀባት ዘረጋገጸቶም? እቲ ሰፋሮ - ገዛእቲ መሬት ደቀባት እንተስ ብዕድጊ (ብምዕዳግ) ወይ ብሓይሊ ብምሓዝ ናቶም ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም ዝብል ኣምር ናይ ርሑቕ ዘመን ታሪኽ እዩ፡ ነዚ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ታሪኽ እዚ ኣብ ምዕባለ ኣርኣእያ መሰልን ክብርን ዘንበሮ እወታዊ ጽልዋ ኣሎ፡ ቤተ ክስቲያን ኣብ ሩሑቕ ታሪኽ ብዛዕባ ሕቶ ደቀባት ደሓር ኣብ ምስፋሕ ሓድሽ ዳግማዊ መግዛእትን ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ብዛዕባ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብን ብዛዕባ ኣይሁድን ዘይክካቶሊካውያንን ዝነበረ ኣተሓሳስባ እንተሪኢኻዮ ዘስካሕክሕ እዩ ዝነበረ ክበሃል ይከኣል፡ ስለዚ እቲ ዝነበረ ኣዚዩ ዝያዳ ውልትው ዝገብር ኣዝዩ ዘቖጥዕ ኣኽብሮት ዝጎድሎ ናይቲ እዋን ልሙስ ዝኾነ ቅዲ ኣዘራርባን ኣተሓሳስባን ምዝካር የድሊ።

ስለዚ ሎሚ ገዝእ ርእስና ኣበይ ኢና ንረኽባ? እቲ ታሪኽ ብኸመይ ከም ዝማዕበለ ካብቲ ሎሚ ቃል ኪዳን ቤተ ክርስቲያን እትገልጸሉ መገዲ ኣብ እዋጅ መሰላት ደቀባት ሕቡራት ሃገራት ዝርከብ መትከላት ምጥቃስ ኣድላዪ ይኸውን፡ እዚ ድማ ቅድስቲ መንበርን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ካናዳ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት እቲ መትክል ብምድጋፍ ብርቱዕ ጻዕር ከተካይድ ጸኒሓ እያ ተካይድ እውን ኣላ፡

ኣብ መንጎ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሚእትን ክልተ ሺሕን ዓመታት ዘሎ ፍልልይ ቋንቋን ሓሳብን ሰፊሕን ጥልቅን እዩ . . . ይኹን እምበር እዚ ናብ ይቕረታን ምሕረትን ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለዚ ገዛእ ርእስና ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞን ብጽንዓት ኣብ ምስፋሕ እቲ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም እዋጅ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ደቀባት ኢና ገዛእ ርእስና ንረክብ።

ቅዱስ ኣባኦና ኣብ ካናዳ ዘካየድዎ ምብጻሕ  ነቲ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ ቀንዲ ደራኺ እዩ፡ ገዝእ ርእስና ኣብዚ መሰረት እዚ ብዝያዳ ንረክብ። ኣብቲ ናይ ካናዳ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅዱስነቶም ካብቶም ደቀባት ካብቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ንብዙሕ በደልን ግህሰት መሰልን ዘጋጥሞም ዝነበረ ኣባይቲ ትምህርቲ ዝደሓኑ ዝረኸብዎ ቃል ምስክርነት ባዕዳዊ መግዛእቲ እንታይ ምዃኑ ዘነጽር እዩ፡ እዚ ሕሉፍ ታሪኽ ክትብሎ ትኽእል፡ ግን ሱር ናይቲ ገዚፍ ውልቃዊ ስቓይ ኣብ ልዕሊ ሳዕቤናት መግዛእቲ ክውሰድ ዝግብኦ ዓይነት ስጒምቲ ዝሕብር እዩ።

እቲ ናይ ቅዱስነቶም ምብጻሕ ማዕረ ማዕረ ድማ ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ኩሉ ሰብ ዝያዳ ክፈልጦ ገይሩ እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ንዓመታት እናተመሓላለፈ ዝመጽእ ዘየሐጉሱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ዝነበሩ ማሕተን ዝተነብሮ ናይ ትእዛዛት ኣዋጅ ድዩ ወይ መግለጽታት ብወግዒ ቅሉዕ ኮይኑ ንጹርን ክንጸግን ዝሃብዎ ምዕዳን ብሓቂ መሰረት ናይቲ ሓድሽ ዝወጸ ሰነድ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ሓደ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሓይሊ ዝብል ዕብለላ ድዩ ምጽዓን ኮኒኖምዎ እዮም ስለዚ መሰል ደቀባት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፍላለየ ሕብረትሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪኾም ዝስደዱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን በረኸትን ህያባትን ጸጋታት እያቶም እክብሉ እውን የተሓሳስቡ ቢሎም ብጹዕ ካርዲናል ቺዘርንይ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

01 April 2023, 16:45