ድለ

ኣብ ቻይና ናይ ሃይመን ጳጳስ ናብ ሰበኻ ሻንጋይ ተቐይሮም ኣብ ቻይና ናይ ሃይመን ጳጳስ ናብ ሰበኻ ሻንጋይ ተቐይሮም 

ኣብ ቻይና ናይ ሃይመን ጳጳስ ናብ ሰበኻ ሻንጋይ ተቐይሮም

ክሳብ ሕጂ ናይ ሰበኻ ሃይመን ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ሸን ቢን ናብ ሰበኻ ሻንጋይ ከም እተቐየሩ ዕለት 4 ለካቲት ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ከም እተረከቡን

ኣብ ቻይና ናይ ሰበኻ ሃይመን ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሸን ቢን ናይ ሰበኻ ሻንጋይ ጳጳስ ንኽኾኑ ከም እተቐየሩ ቅድስቲ መንበር ካብ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝሰመዐቶ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 4 ሚያዝያ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥ “ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ናይ ቻይና ሰበ ስልጣን ከም እተሓበራን ብዛዕባ እዚ ውሳኔ እዚ ቅድስቲ መንበር ንግዚኡ እትህቦ ናይ ገምጋም መግለጺ የለን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃግረ ቫቲካን

ክሳብ ሕጂ ናይ ሰበኻ ሃይመን ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ሸን ቢን ናብ ሰበኻ ሻንጋይ ከም እተቐየሩ ዕለት 4 ለካቲት ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ከም እተረከቡን ብዛዕባ እዚ ውሳነ ዝውውር እዚ “ቅድስቲ መንበር ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከም እተሓበረት ድሮ ሓላፍነቶም እውን ምርካቦም ካብ ዜና ማዕከትናት ከም ዝሰመዐት ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣስዒቦም፥  ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ንሕጂ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝሃበቶም “ገምጋም ዝምልከት ዝብሎ የብለይን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Apr 2023, 16:25