ድለ

2019.09.26 Eutanasia, Suicidio assistito 2019.09.26 Eutanasia, Suicidio assistito 

ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ፓጝልያ ኣብቲ ብሓገዝ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት መርገጺ ቤተክርስትያን ኣነጺሮም!

ናይ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት ፕረሲደንት ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ቪንቸንዞ ፓጝልያ ነቲ ብኤውታናዝያ ዝፍለጥ ናይ ምሕረት ምቅታል ቢሎም ዝሰምይዎስ ይኹን ነቲ ብሓገዝ ክኢላታት ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ዘለዎም ተቓውሞ ደጊሞም ብምግላጽ ብዛዕባ ሕጋዊ ኩነታት እቲ ተግባር ኣብ ኢጣልያ ዝሃብዎ መግለጺታት እውን ኣነጺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ብፁዕነቶም ነቲ ኣብ ሃገረ ኢጣልያ ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ዝምልከት ሕጋዊ ኩነታት ብዝምልከት ኣቐዲሞም ዘረባኦም ኣነጺሮም ነቲ ተግባር ዝቃወም ውዱእ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝኽተሉ ከምዚ ክብሉ ብሓይለ ቃል መግለጺ ጽሒፎም።

ሊቀ ጳጳስ ቪንቸንዞ ፓጝልያ ፕረዚደንት ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት፡ ምስ ሥልጣናዊ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ብዝሰማማዕ መንገዲ፡ ንኤውታናዝያስ ይኹን ብሓገዝ ክኢላታት ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ከምዝነጽጎ ዳግም ‘ኣይፋል’ እንክብሉ ኣቋሞም የረጋግጹ ኢሎም።

እዚ መብርሂ እዚ ንምንታይ ኣድለየ ንዝብል ሕቶ ንከብርህ፣ ብጳጳሳዊ ኣካዳሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብፁዕነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ኣብ ከተማ ፔሩጅያ ሃገረ ኢጣልያ ብዛዕባ ፍጻሜ ሕይወትን ዘድልዮ ክንክንን ሰፊሕ ኣስተምህሮ ኣብ ዘቅረቡሉ ነቲ መንግሥቲ ኢጣልያ ብዛዕባ ብሓገዝ ክኢላታት ዝግበር ነፍሰ ቅትለት ዝዛረቦ ገበን ምዃኑ ንምግላጽ ንዘስምዕዎ መደረ ስዒቡ “ግጉይ ትርጉማት” ናይ ሓሳባቶም ስለዝተጋውሐ ነዚ ምላሽ ንምሃብ  ምዃኑ ገሊጹ። ሊቀ ጳጳስ ኣብ ምሉእ ኣርእስቲ ክንክን መወዳእታ ዕድመ ዝተወፈየ መደረ፡ ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ፍሉይ ሕጋዊ ኩነታት ሓገዝቲ ነብሰ ቅትለት እንክጠቅሱ ነቲ ሓዚልዎ ዘሎ ገበን እውን ንምብራህ ነበረ።

ኣብ ኢጣልያ ብሓገዝ ክኢላታት ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ገበን እዩ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ብ2019 ዓም ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ገለ ጉዳያትን ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ኩነታትን ናይ ገዛእ ርእስኻ ህይወት ንምውዳእ ብተዘዋዋሪ ሓገዝ ሓካይም ምሕታት ከም ዝከኣል ወሲኑ ነበረ። ብመሠረቱ ብሓገዝ ኪኢላታት ዝግበር ነብሰ ቅትለት ገበን ኮይኑ እኳ እንተጸንሐ፡ በዚ ኣዋጅ እዚ ግን ፍሉያት ቅድመ ኩነታት ብምግባር ካብ መቅጻዕቲ እተምልጠሉ መንገዲ ተረኺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ሕጊ ኢጣልያ ብሓገዝ ክኢላ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ገበን ኮይኑ ክቕጽል ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ፍርዲ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኣፍልጦ ይህቦ። ይኹን እምበር ይብሉ ብፁዕነቶም፡ ይኹንምበር ቤት ፍርዲ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንባይቶ ሃገረ ጣልያን ሕጊ ከውጽእ ስለዝሓተቶ፡ በቲ ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ዝቐረበ መስመራት “ሕጋዊ ተበግሶ” ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ከም ገበን ምዕቃብ፡ ከማኡ እውን ኣብ ዝተወሰነ ኩነታት ካብ መቕጻዕቲ ምውጋድ ይከኣል እንክብሉ ነቲ ሕጋዊ ሕቶ ክኸውን ዝኽእል ፍታሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶኦም ሂቦም።

እቲ ካብ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት ዝወጸ መግለጺኸስ፡ ዝኾነ ሕጋዊ ክርክርን ስምምዕን ብዝኾነ ይኹን መገዲ ኣብቲ ብሓገዝ ክኢላ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ኣብ ሞራላዊ መርገጺ ቤተክርስትያን ምንም ለውጢ ከምዘየፍቅድ ንምብራህ ነበረ።

ማንም ሰብ በይኑ ክተርፍ የብሉን!

እቲ መግለጺ መብርሂኡ ብምቅጻል ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ መጨረሻ ሰዓታት ሕይወቶም ዝርከቡን ዘድልዮም ምስናይን ኣመልኪቱ “ብደረጃ ሳይንሳውን ባህላውን መምርሒ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ፓጝልያ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ህይወት ንዝርከቡ ሕሙማት ምስናይ ከምዘድሊ ወትሩ ዝምርህዎን ዝድግፍዎን ሓሳብ ኮይኑ፣ መሕወዪን መዔገሲ ቃንዛን ዘኸውን ክንክንን ፍቕርን ተጠቒሞም እኹል ኣቓልቦ ብምውፋይ፡ ነቲ መወዳእታ ህይወት ዘምጽኦ ሕማምን መከራን፡ ከምኡ’ውን ከቢድ ውሳኔታትን ንምግጣም ማንም ሰብ በይኑ ክተርፍ የብሉን’ እናበሉ ከምዝምህሩ እውን ኣስሚሩሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 Apr 2023, 09:23