ድለ

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ኣብ መሰል ምንባር ከተኩር እዩ ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ኣብ መሰል ምንባር ከተኩር እዩ  (Vatican Media)

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ኣብ መሰል ምንባር ከተኩር እዩ

ሓደ ገና ብኣህጉራዊ ሕጊ ዘይተነድፈ መሰል ማለት “ኣብ ዓድኻ ክትነብርን ክትጸንሕን ምኽኣል” ዝብል መሰል ንምስትንታን ዕድመ ዘቕርብ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ናይ ለምዘበን 2023 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ ኣብ መሰል ምንባር ኣብ ገዛእ ሃገር ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ ኸኣ፡ መሰል ስደት ከም ኣማራጺ መነባብሮን ውልቃዊ ምዕባለን ዝብል ሰፊሕ ሓሳብ ዘቃልሕ ምዃኑ እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዕለት 24 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል መበል 109 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፥ “ክስደድ ወይ ክተርፍ ናጻ”  ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝሃብዎን፡ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተይናታት ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ መወዳእታ ሰንበት ዝበዓል ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ቤቶምን ሃገሮም ክሃድሙ ዝግደዱ ሰባት ደገፍን ሓልዮትን ንምግላጽ ዝኣመተ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ብግጭት ምኽንያት ንስደትን ምዝብልናን ዝዳረጉ ክጽልዩን ብዛዕባ እዚ ክስተት እዚ እውን ንቕሓቶም ከዕብዩን ስደት ዝህቦ ዕድላት እውን ኣፍልጦ ክወሃቦ መታን ዝኽበር እዩ። ዓለም ለኻ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ 1914 ዓ.ም.  ዝተዘከረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ዘይምስዳድ መሰል ቅድሚ ናይ ስደት መሰል እዩ

ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት መሰረተ ሓሳብ፥ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ፥ ብዛዕባ ሓደ ገና ብኣህጉራዊ ሕጊ ዘይተነድፈ መሰል ማለት “ኣብ ዓድኻ ክትነብርን ክትጸንሕን ምኽኣል” ዝብል መሰል ንምስትንታን ዕድመ ዘቕርብ ምዃኑ ከም ዘብረሀ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ መሰል ምጽናሕ ኣብ ገዛእ ሃገር ካብ መሰል ስደት ዝቕድም እዩ። “ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ናይ ምክፋል ተኽእሎ ብኽብሪ ናይ ምንባርን ዘላቒ ልምዓት ናይ ምርካብ መሰል ዘጠቓልል እዩ፡ እዞም ኩሎም መሰላት ብወገን ማሕበረሰብ ዓለም ሓቀይና ናይ ሓባር ሓላፍነት መሰረት ብምትግባር ኣብ መበቆል ሃገራት ብኣድማዒ መገዲ ክረጋገጽ ይግብእ” እንክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘስመረሉ ኣፍሊጡ።

ጠንቂ ዘመናዊ ስደት ምፍታሕ

እዚ ነጥቢ እዚ ድሮ ብር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2013 ዓ.ም. ንመበል 99 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “መሰል ስደት ሰባት ካብ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቑጸር ክኸውን እንከሎ፡ ሰባት

ዓቕሞምን ባህግታቶምን መደባቶምን ንምኽዋን የኽእለኒ ኣብ ዝብልዎ ቦታ ክሰፍሩ ዘኽእል እዩ” . . . “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዅነታት “ቅድሚ መሰል ስደት ምህላዉ መሰል ዘይምስዳድ ማለት ኣብ ዓድኻ ናይ ምትራፍን ምንባርን መሰል ውሑስ ምግባር የድሊ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1998  ዓ.ም. “ኣብ ሃገርካ ምንባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል እዩ። ይኹን እምበር እዚ መሰል እዚ ውጽኢታዊ ዝኸውን እቶም ሰባት ንስደት ዝድርኹ ረቛሒታት ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምስ ዝኣትው ጥራይ” ምዃኑ ኣመላኺቶም ከም ዝነበሩን ብዙሓት ሰባት ክስደዱ ዘገድዶም ጠንቅታት እዋናዊ ስደት ብግብእን ብጥንቃቔን ክንሓሰበሉ ከም ዝግባእ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ የዘኻኽር ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ከምቲ ዓመት መጸ ድማ ዛዕባ ውሁድ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝግደስ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፥ ብዛዕባ ስደትን ምዝብልናን ብህብረ-መራኸቢ ብዙሓን ጭቡጥ ሓበሬታን ስነ መለኮታዊ ኣስተንትኖ ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል ዓሚቝ ርድኢት ንምድንፋዕ ዝዓለመ ናይ ሓበሬታ ወፍሪ ከካይድ ምዃኑ የመላኽት።

22 March 2023, 16:17