ድለ

ቅድስቲ መንበር ሃይማኖታዊ ስደት ንዘጋጥሞም ኣቃልቦ ትገብር ቅድስቲ መንበር ሃይማኖታዊ ስደት ንዘጋጥሞም ኣቃልቦ ትገብር 

ቅድስቲ መንበር ሃይማኖታዊ ስደት ንዘጋጥሞም ኣቃልቦ ትገብር

ናይ ሃይማኖት ናጽነት ‘ኣብ ኣምልኾ’ ጥራይ ክወርድ ዘይኽእል ሓደ ካብቲ ክቡር ኣነባብራ ዝሓቶ ረቛሒ እዩ . . .

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፡ ኣብቲ ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ዝስደዱ ዘለዉ ቀጻሊ ጸገማቶም ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ሰብኣዊ መሰል ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ መበል 52 ኣኼባ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ሓደስቲ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓላፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ ንዋቹክዉ፥ ቅድስቲ መንበር ሃይማኖታዊ ስደት ንዘጋጥሞም ኣቃልቦ ክግበር ጻውዒት ተቕርብ ቢሎም፥ ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፡ ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሕይወቶም እምነቶም ስለ ዝገለጹን ዝነብሩን ንሓደጋ ከም ዝቃልዑን ንስደት ከም ዝዳረጉን እዚ ጉዳይ እዚ ዘሰክፍ እዩ . . . ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ድሩት ምዃኑን ኣስታት ሲሶ ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ እዚ ኵነት እዚ እዩ ዝነብር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስርዓታዊ ግህሰት

ሊቀ ጳጳሳት ንዋችክዉ ብዛዕባ እዞም ዘፍርሕ ክውንነታት ክዛረቡ እንከለዉ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት “ብሃገራዊ ሰበ ስልጣን እውን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዳጣን ሃይማኖታት ሰዓብቲ፥ ዝተራእየ ዓፈናዊ ስጉምትታትን ግህሰትን ኣጉሊሖም ብሓቂ ክርአ እንከሎ፥ “ኣመንቲ መብዛሕቲኡ ግዜ እምነቶም ናይ ምግላጽን ምትግባርን መሰል ይኽልከሉ፡ እዚ ንውሕስነትን ድሕነትን ህዝቢ ሓደጋ ኣብ ዘይኮነሉ ወይ መሰል ካልኦት ጉጅለታት ድዩ ውልቀ ሰባት ኣብ ዘይግህሰሉ እዋን እውን ዝርአይ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዓመጽ ኣብ ናይ ኣምልኾን ሃይማኖታዊ ቦታታትን ብዝፍጸም ናይ ምርካስን ምዕናውን ተግባር ዝገሃድን መራሕቲ ሃይማኖት ንመጥቃዕትን ዓመጽን ከም ዝቃልዑን ፡ ኣብ ገለ ገለ ውሑዳት ሃገራት ድማ ብረቂቕን ሰላሕታዊ ተግባርን መሰረት ዝፍጸም ግህሰት ናይ ሃይማኖት መሰል ኣሎ . . . ከምኡ እውን ንጥዑይ ሓባራዊ ዘተን ህዝባዊ ርክባትን ዘተባብዕ ቦታ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉን ኣብዚ መዳይ እዚ ቅድስቲ መንበር ከምቲ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርቡ ትካላት ከም ዝሕብርኦ ካብ ሸውዓተ ክርስቲያን ሓደ ንስደት ከም ዝዳረግን እዚ ጉዳይ እዚ ኣቃልቦ ክወሃቦን ናይ ሰባት ሃይማኖት ናይ ምግላጽን ምንባርን መሰል ክኽበር ወትሩ ጻውዒት ተቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም፥ ብጹዕነቶም ይብሉ፥ “ሒደት ኣብ ዘይኮና ሃገራት እውን ዓመጽን ኣድልዎን ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ” ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዕሽሽ ክብሎ ኣይግባእን፡ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዝንዛሕ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንሓደጋ ከም ዝቃላዕን “ናይ ሃይማኖት ናጽነት ‘ኣብ ኣምልኾ’ ጥራይ ክወርድ ዘይኽእል ሓደ ካብቲ ክቡር ኣነባብራ ዝሓቶ ረቛሒ እዩ። መንግስታት ነዚ መሰል እዚ ናይ ምሕላውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ እዚ መሰል እዚ ክነብርን እዚ መሰሉ እዚ ክረጋገጸሉ ኣብ ምግባር ግዴታ ኣለዎም። ኣመንቲ “ምስ ናይ ሓባር ጥቕሚ ብዝሰማማዕ መገዲ ኣብ ህዝባዊ ጽላትን ኣብ ዕለታዊ መነባብርኦምን ሞያኦምን ስርሖምን እውን ምስ ሕልና ቅዱዋት ኮይኖም ክዋስኡ ዕድል ዝፈጥሩ ክኾኑ ይግባእ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 March 2023, 16:12