ድለ

ቅድመ ምድላዋት ዘሳልጥ ሽማግለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ቆይሙ ቅድመ ምድላዋት ዘሳልጥ ሽማግለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ቆይሙ  (Vatican Media)

ቅድመ ምድላዋት ዘሳልጥ ሽማግለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ቆይሙ

ብቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ እውን ዕለት 31 ግንቦት ብምኽንያት በዓለ ማርያም ንመበል 16 ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ንምድላው ዝዓለመ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማርያማዊ ጸሎት

ናይ ኵላዊት ቤት ክርስቲያን ጉዳያት ሲኖዶስ ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ንዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ቅድመ ምድላዋት ዘሳልጥ 7 ኣባላት ዝሓቁፍ ሽማግለ ከም ዝሾሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓፈሻ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ንመደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ቅድመ ምድላዋት ዘሳልጥ ሓንቲ ገዳማዊት ዝሓቁፍ ብጠቕላላ 7 ኣባላት ዘለዎ ሽማግለ ከም ዘቖሙን እተን ናይዚ ሽማግለ ኣባል ገዳማዊት ኣባል ማሕበር ደናግል መርቸዳርያን ጃፓናዊት እናቴ ሺዙ ሂሮታ ኣብ ናይ ጃፓን ብጹዓን ጳጳሳት ጉባኤ ዛዕባ ፍትሕን ሰላምን ጉዳያት ዝከታተል ሽማግለ ኣማኻሪት ከም ዝኾናን፡ እቲ ቅድመ ምድላዋት ዘሳልጥ ሽማግለ ብመሰረት ሓዋርያዊ ቅዋም ኤጲስቆጶሳዊ ሓድነት ዓንቀጽ 10 ቁጽሪ ካብ 1 – 2 ብዛዕባ ኣቃውማ ሲኖዶስ ዝምልከት ሕጊ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ 

እቶም ኣባላት

እቶም ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ከም ኣተሓባባሪ ናይቲ ሽማግለ ኮይኖም ከገልግሉ ዝተመዙ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ጃኮሞ ኮስታ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ፐርት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቲሞትይ ጆን ኮስተሎኤ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሰበኻ ብራውንስቪል ቴክሳስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዳኒኤል ፍሎረስ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ዛይ - ዛይ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሉሲዮ ሙዋንዱላ፡ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ መምህር ኣባ ዳሪዮ ቪታሊ፡ ኣባል ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ከምኡ እውን ናይቲ ሽማግለ ጸሓፊ ፖላንዳዊ ብጹዕ ኣቡነ ቶማሽ ትራፍንይ፡ ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ብጽዕ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ ምዃኖም ኣመላኺቱ፥

ዓለም ለኻዊ ማርያማዊ ጸሎት

ብቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ እውን ዕለት 31 ግንቦት ብምኽንያት በዓለ ማርያም ንመበል 16 ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ንምድላው ዝዓለመ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማርያማዊ ጸሎት ክካየድ ከም እተዳለወን፡ ናይዚ መደብ እዚ ዕላማ ድማ “ህዝበ እግዚኣብሔር ኣገዳስነት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ንኸስተውዕልን ምእመናን ብጸሎት ከሰንይዎን” ከምኡ እውን “ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ሓለዋ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያን ንኹሉ መስርሕ ሲኖዶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ዕዮ ሓፈሻዊ ሽማግለ ሓደራ ንምባል” ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጽዑቕ ጸሎት ዝግበረሉ ህሞት

እቲ መደብ ጸሎትን ዕድመን ብጹዕ ካርዲናል ግረች ዘቕረብዎ ኮይኑ ንምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕትን ንናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት “ኣብ ኣባይቲ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘሎ ጽባቔ ህዝባዊ ሃይማኖታውነት ዝገልጽ ጽዑቕ ጸሎት ዝግበረሉ ህሞት” ከካየዱን፥ እቲ ናይ ጸሎት መደብ ኣብ ኵለን ማርያማውያን ኣባይቲ መቕደስ ዝካየድ እኳ እንተኾነ፡ ሓባራዊ ጸሎት ዝካየደለን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብውልቀ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝምረጽ ኮይኑ፡ እቲ መደብ ጸሎት ዓለማውያን ምእመናንን ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወት ዘዋስእ ምዃኑ ብጹዕነቶም ከም ዝገለጹን ናይ ውልቀ ሰበኻታት ማሕበረሰባት ምስ ናይ ሃገረ ስብከታታቶም ጳጳሳት ብምስምማዕ ኣብታ ዕለት እቲኣ ንዕዮ ሲኖዶስ ጸሎት ከዕርጉ ከም እተዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 March 2023, 16:09