ድለ

2022.07.27 ካርዲናል ቶለንቲኖ፥ መግለጺ ዛዕባ “ጠመቓዊ ትምህርቲ” ምልክት ዕርቂ እዩ 2022.07.27 ካርዲናል ቶለንቲኖ፥ መግለጺ ዛዕባ “ጠመቓዊ ትምህርቲ” ምልክት ዕርቂ እዩ 

ካርዲናል ቶለንቲኖ፥ መግለጺ ዛዕባ “ጠመቓዊ ትምህርቲ” ምልክት ዕርቂ እዩ

“ንደቀባት ማሕበረሰባት ባህላዊ ልምድታቶምን ፍልዩ ሓልዮት ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ . . .

ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ቶለንቲኖ ብዛዕባ እቲ ብኣኦም ዝምራሕን እቲ ብካርዲናል ቺዘርንይ ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ዛዕባ ውሁድ ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝግደስ ላዕይዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ዘውጸኦ እቲ ንጥንታዊ መግዛእታዊ ባህርያት ግጉይ ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ዝሕብር ከምኡ እውን ኣካል ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እውን ኮይኑ ከም ዘይፈልጥ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ካላካ ደ መንዶሳ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ታሪኻዊ በደላትን ገበናት ኵናትን ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቶም እዚ ኩሉ ነገራት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝተፈጸመ እዩ ስለዚህ ናብ መጻኢ ክንጥምት ይግባእ፡ ምእንቲ ኣምላኽ ክንብል ንረስዓዮ፥ ሕሉፍ ከይዘከርና ንድቕድሚት ንስጉም ምባል ብፍጹም ዝክኣል ኣይኮነን። ብዘይ ቅንዕናንን ተዘክሮ ብዘይምድባንን ንቕድሚ ምባል . . . (ኵላትና ኣሕዋት ፍቕዲ 249 ረኣ)።

ቅድስቲ መንበር ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝተፈላለዩ መግዛእታዊ ሓይልታት ኣንጻር ደቀባት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ታሪኾም ንምንዛዕን ንባህልታቶም ትሑት ዋጋ ንምሃብ ወይ ንምውጋድ ንዝፍጽምዎ ዝነበሩ ተግባራቶም ምኽንያታዊ ንምግባር ዝኽተልዎ ዝነበረ “ሰረት (ዓቂደት) ትምህርቲ ርኽበት” ዘለዋ ዘሕዝን ምትእስሳር ብጥንቃቐ ትጥምት፡”

እቲ መግለጺ ይብሉ ጹዕነቶም፥ እቲ ናቶም መግዛእታዊ ሓይልታት ይግብኣኒ ዝብል ሕቶታቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተዉ ናይ ገለ ገለ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኣዋጅ ሰነዳት ማዕረ ክብርን መሰልን ደቀባት ብምሉእ መልክዑ ዘንጸባርቑ ከም ዘይነበሩን እቶም ሰነዳት በቶም ሓይልታት ብዘይ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝፍጸም ዘይስነ ምግባርዊ ተግባራት ንምምኽናይ ከም እተጠቐሙሉን ዝግንዘብ እዩ። . . . ይኹን እምበር “ስረት ትምህርቲ (ዐቂደት) ርኽበት’ ኣካል ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣይነበረን ኮይኑ እውን ኣይፈልጥን። ኣብዚ መግለጺ እዚ ድማ “ንጹግ” ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ። እዚ ዘሕዝን ታሪኽ ግን ንኽብሪ ኩሉ ህዝብን . . . ኣብ ፍልጠትን ኣድናቖትን ባህሎም ክዓብዩ የድልዮም። ብፍላይ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ‘ስቡህ ኣንተ’ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ “ንደቀባት ማሕበረሰባት ባህላዊ ልምድታቶምን ፍልዩ ሓልዮት ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ . . . ንዓኣቶም መሬት ሸቐጥ ዘይኮነስ ካብ እግዚኣብሔርን ካብ ኣቦታቶም ዝረኸብዎ ህያብ እዩ። ኣብኡ ይዓርፉ። መንነቶምን ክብርታቶም ክዕቅቡ እንተኾይኖም ክራኸቡሉ ዘለዎም ቅዱስ ቦታ እዩ” (ስቡህ ኣንተ ቁ. 1, 146)።

እቲ ሓሳብ ኣካል ናይቲ ስነ ህንጸት ዕርቂ ክንብሎ እንኽእልን ከምኡ እውን ውጽኢት ስነ ጥበብ ዕርቂ ኮይኑ ሰባት ንሓድሕዶም ክሰምዑ ንሓድሕዶም ክዘራረቡ ኣብ ሕድሕዳዊ ምርድዳእ ንኽዓብዩን ቃል ዝኣትውሉ መስርሕ እዩ። በዚ መንጽር እዚ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝሕብሩ ርድኢታት ንባዕሎም ፍረ ናይቲ ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን ደቀባትን ዝተሓደሰ ዘተ እዩ። ንደቀባት ኣብ ምስማዕ እያ ቤተ ክርስቲያን መከራኦምን ሕሉፍንህልዉን ከምኡ እውን ናይ ገዛእ ርእስና ውድቀት ክንርዳእ ትመሃር ዘላ። ኣብ ባህላዊ ዘተ ኢና ኣብ ምድላይ ዕርቅን ፈውስን ክነሰንዮም ዘሎና። ስነ ጥበብ ርክብ ክንነብር ኣሎና።

31 March 2023, 15:47