ድለ

ቅድስቲ መንበር ኒካራጓ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ምኽባር መሰላትን ከተስፍህ ትላቦ ቅድስቲ መንበር ኒካራጓ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ምኽባር መሰላትን ከተስፍህ ትላቦ  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር ኒካራጓ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ምኽባር መሰላትን ከተስፍህ ትላቦ

ሊቀ ጳጳሳት ፎርቱናቱስ ንዋቹክዉ ዕለት 8 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ መበል 52 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ዘሎ ብዛዕባ ምንቁልቋል ማሕበረ - ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላትን ኩነታት ኑካራጓ”

ርእሰ መንበሩ ኣብ ጀነቭ ዝኾነ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝከታተል ውድብ ኣብ ዘካየዶ መበል 52 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፉን መደረ ዘስምዑን ኣብቲ ጀነቭ ዝርከብ ወድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋም ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ ንዋችክዉ፥ “ኣብ ኒካራጓ ዘሎ ማሕበረ - ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላትን ኩነታት እናንቆልቆለ ይኸይድ ብምህላዉ ዘለዋ ስክፍታ” ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ንጸብጻብ ጉጅለ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ኒካራጓ ኣስተብሂላ፥ “ብዛዕባ ኣብ መላእ ዓለም ዓመጽ ምልዕዓል ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣንን በርገሳውያን ማሕበራትን ዘተን ሽምግልናዊ ኣገባባት እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ ዓሚቝ ስክፍታ ኣሎ” ዝብል ጽሑፍ ከም ዝሰፈረን፡ ሊቀ ጳጳሳት ፎርቱናቱስ ንዋቹክዉ ዕለት 8 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ መበል 52 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ዘሎ ብዛዕባ ምንቁልቋል ማሕበረ - ፖለቲካውን ሰብኣዊ መሰላትን ኩነታት ኑካራጓ” ብፍላይ፥ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ሰላማዊ ናይ ምጥርናፍ ናጽነት ግህሰት፡ ዓፈና ኣብ ልዕሊ መግንስቲ ነቐፈታ ዘቕርቡ ጋዜጠይናታትን ተሓልቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከምኡ እውን ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ኣዚዩ ዘሰክፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምጥሓስ ግቡእ መስርሕ

ኣብ ጀነቭ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ፥ “ኣብ እምነት ዝተመርኮዘ ትካላት ሓዊሱ ሓያሎ ናጻ ማዕከናት ሓበሬታን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ከም ዝተዓጽዋ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሃዋህው ብኣኽበርቲ ሕጊ ዓመጽ ቅርጻዊ መጋበርያ ኮይኑ ምህላዉ ዝገልጹ ክስታት” ኣስሚሮም፥ “ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዋልደማር ስታኒስላው ሶመርታግ ዝርከብዎም ከምኡ እውን ልኡካን ፍቕሪ ደናግል ደቂ እናቴ ቅድስቶ ተረዛ ምስጓግን ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ምጥሓስ ግብኡ መስርሕ ዘይተረጋገጾ ኩነታት ሕቡሳት” ብዝርዝር ብምቕራብ፥ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ናይ ሰበኻ ማታጋልፓ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ብመንግስቲ 26 ዓመት ማሕቡስ ከም እተፈርዱ ዝተወሃበ ሓበሬታን ልዕሊ 300 ኒካራጓያውያን ናይ ዜግነት መሰሎም ዝተመንዝዑ ካብኣቶም ናይ ሰበኻ ማናጉዋ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ሲልቮ ኾሰ ባዝ ዝርከብዎም 222 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተሰጉን” ነዚ ኵሉን ካልእን ኣብ ግምት ብምእታው “ህልው ኩነታት ኑካራጓ ብጣዕሚ ዘሰክፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 

 

ናብ ዘተን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ምባል

እዞም ኣብቲ ኣህጉራዊ ውድብ ቀዋሚ ተዓዛቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ፥ “ተጻብኦታት ሰጊርካ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንምርግጋጽ ኣብ መንጎ መንግስትን በርገሳውን ፖለቲካውያን ውድባት ሃናጺ ዘተ ዝካየደሉ ባይታ ንምድላይ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኩሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኩነት ዝርከቡ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ህልው ኩነታት ብዘይመጠን ዝጽለዉን ፍልዩ ቆላሕታ ምግባር የድሊ” ቢሎም፥ “ጐይታ ናይ ፖለቲካ መርሕትን ኩሎም ዜጋታትን ነቲ ካብ ሓቂ ፍትሒ ናጽነትን ፍቕርን ዝውለድ ቅንዕና ዘለዎ ሰላም ክደልዩን ከምኡ እውን ብትዕግስቲ ዘተ ክመርጹን ልባቶም ንኽከፍቶ ንጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 March 2023, 16:08