ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣልባኒያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና የጉልሑ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣልባኒያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና የጉልሑ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣልባኒያን ዘሎ ሰናይ ዝምድና የጉልሑ

ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ኣልባኒያ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ርክብን ጥዕናን ትምህርትን ዝነኣድ . . .

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ካብ ዕለት 18 – 20 መጋቢት ኣብ ኣልባኒያ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዛዚሞም ዕለት 20 መጋቢት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣልባኒያን ዘሎ ሰናን ክሌኣዊ ዝምድና ኣጉሊሖም ብሓባር ንቕድሚት ንምስጓም ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዘዕግብ ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባትን ምስ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ማሕበራትን ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ኣልባንያ ምስ ፖለቲካዊ ሃይማኖታዊ ባህላውን ሰበ ስልጣናት ከም እተራኸቢን ሰንበት ኣብ ቲራና ምስተን ነዚ ምብጻሕ እዚ ዝዓደመኦም ናይ ኣልባኒያ ሚኒስትር ርክባት ጉዳያት ምስ ኤውሮጳን ጉዳያት ወጻእን ኦልታ ዛችካ ድሕሪ ምርኻቦም ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ክሌኣዊ ጋዜጣዊ መገልጺ፡ ኣልባኒያ ምስ መላእ ዞባ ምዕራባዊ ባልካን ሓቢራ ካብ ቀዳምነታት ቅድስቲ መንበር ምዃና ኣመላኺቶም፡ ስለ ዝተገብረሎም ዕድመን ዘካይድዎ ዑደትን ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕነቶም ኣብ ኣልባኒያ ዘካየድዎ ዑደት ነቲ ድሮ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ ንምቕጻል ዕድል ዝህብ እዩ ቢሎም፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ክሳብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ዝምድናታት ምሉእ ብምልኡ ኣብ ዕለት 7 መስከረም 1991 ዓ.ም. ዳግም ምምላስ፥ “እግዚኣብሔር ካብ ውልቃዊ ህይወት ብግዴታ ንምግላል ዝተፈጥረ ናይ ዓመጽን መዓትን እዋን” ዝተጻወሩ ሰባት ኣድኒቖምን ክብሪ ሂቦምን ካብታ ዕለት ጀሚሩ ኣልባንያ “ኣዚዮም ኣገደስቲ እትፍጽሞም ስጉምትታት”  ቅድስቲ መንበር “ብብዙሕ ኣቃልቦን ዕግበትን” ትርእዮን ከም ዘላ ኣስተብሂሎም፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣልባንያ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምጽንባር ብዝብልከት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘበገሰቶ ዘተ ጠቒሶም፥ “ንሃገርን ብሓቂ ድማ ንመላእ ዞባ ምዕራባዊ ባልካን ኣዚዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣልባንያን ካብ ኣልባኒያ ካብ ናጽነታ ጀሚራ ዝነበረ ምትሕብባር ብጽቡቕ ዝምድና ዝልለይ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ብፍላይ ኣብ 1993 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከምኡ እውን ኣብ 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም እዚ እውን ኣብ መንጎ ኣልባንያን ሃገረ ቫቲካንን ናይ ቀጻሊ ጽቡቕ ክሌኣዊ ዝምድናን ዘተን ምልክት እዩ እንክብሉ ከም ዘራጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ መደምደምታ ብጽዕ ኣቡነ ጋላገር ብዛዕባ ኣበርክቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ኣልባኒያ ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ርክብን ጥዕናን ትምህርትን ዝነኣድ ምዃኑን ከምኡ እውን ኣብ ዘካየድዎ ክለኣዊ ርክብ ኣብ ኤውሮጳዊ መጻኢ ሃገርን መላእ ዞባ ምዕራባዊ ባልካንን ኣቃልቦ ዝሃቦ ምንባሩን ቅድስቲ መንበር ኣብ ማሕበረሰብ ኤውሮጳ ናብ ምሉእ ሓድነት ዝወስድ መገዲ ንምድጋፍ እተካይዶ ጻዕሪ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዞባ ባልካን ዘለዎ ጽልዋን ከምኡ እውን ኣብ ዘባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ከም ዝዘተዩ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

21 March 2023, 16:09