ድለ

2023.03.29 ካርዲናል ኮኽ፥ ኣብ ስሎቫኪያ ንዝኽሪ ጸረ ዴስነት ተቓውሞ 2023.03.29 ካርዲናል ኮኽ፥ ኣብ ስሎቫኪያ ንዝኽሪ ጸረ ዴስነት ተቓውሞ 

ካርዲናል ኮኽ፥ ኣብ ስሎቫኪያ ንዝኽሪ ጸረ ዴስነት ተቓውሞ

ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ከምኡ እውን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃገረ ስሎቫኪያ ኤድዋርድ ሀገርን ምስ ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካን መንግስትን ላዕለዎት ኣካላት ከም እተራኸቡ

ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ንዝኽሪ ነቲ ብካቶሊካውያን ተቓወምቲ ዝተዳለወ ጸረ ዴስነታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነ ስርዓት ኣብ ዝካየድ መደብ ንኽሳተፉን ዕባባ ከንብሩን ምስ ናይ ሃይማኖትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት ንኽራኸቡን ካብ ዕለት 25 – 30 መጋቢት ኣብ ስሎቫኪያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብ ስሎቫኪያ ዕለት 25 መጋቢት ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕለት 30 መጋቢት ከም ዝዛዘሙን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 25 መጋቢት 1988 ዓ.ም. ብካቶሊካዊ ተቓዋሚ ፍራንቲሸክ ሚክሎሽኮ ዝተወደበ ተቓውሞ እዚ እውን ድሕሪ 1960 ዓ.ም. ኣብ ነበር ቸኮስላቫኪያ ናይ መጀመርታ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ጸረ ዴስነት ከምዝኾነን ብሰፊሑ ቅድመ ኩነት ናይቲ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ዝተራእየ ሰውራ ኮይኑ ንኣርብዓ ዓመት ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ናብ ፍጻሜ ከም ዝበጽሐ የዘኻኽር።

ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣብዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ከምኡ እውን ምስ መራሔ መንግስቲ ሃገረ ስሎቫኪያ ኤድዋርድ ሀገርን ምስ ናይታ ሃገር ናይ ፖለቲካን መንግስትን ላዕለዎት ኣካላት ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይቲ ዘካየድዎ ዑደት መደብ

ብጹዕነቶም ኣብ ከተማ ኮሺቸ ኣብ ዝርከብ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራልን ናይ ላቲን ከምኡ እውን ናይ ግሪኽ ስርዓት ኣብ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ኣብዚ ምብጻሕ እዚ እውን ምስ ናይተን ኣቢይተ ክርስቲያን ላዕለዎት መራሕቲ፡ ምስ ናይታ ከተማ ከንቲባ ከም እተራኸቡን፡  ናብ ቤተ መዘክር ግዳያት ስርዓት ዴስነት እውን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ዕለት 29 መጋቢት ብጹዕ ካርዲናል ኮኽ ናብ ከተማ ፕረሾቭ ተጓዒዞም ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ዑደት ኣካይዶም ኣብኡ ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሜጥሮጶሊታ ራቲስላቭን ምስ መራሔ መንግስቲ ኤዱዋርድ ሀገር ተራኺቦም ናብ ብራቲስላቫ ከም ዝኸዱን ዕለት 30 መጋቢት ብጹዕነቶም ንመበል 35 ዓመት ዝኽሪ ነቲ ብካቶሊካዊ ተቓዋሚ ፍራንቲሸክ ሚክሎሽኮ ዝተወደበ ጸረ ስርዓት ዴስነት ተቓውሞ ኣብ ዝተኻየደ ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነ ስርዓት ከም እተሳተፉን ምስ ናይ ስሎቫኪያ ናይ ውህደት ቤት ምኽርን ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱን ምስ ናይ ኣይሁድን ክርስቲያን ናይ ሓባር ሽማግለ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ርክባት ተሳቲፎም ናይ ስሎቫኪያ ሓዋርያዊ መገሻኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዕለት 25 መጋቢት 1988 ዓ.ም. ኣስታት ሓሙሽተ ሺሕ ዜጋታት ዘሳተፈ ኣብ ብራቲስላቫ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ህቪዝዶስላቭ ሽምዓ ኣብ ኢዶም ሒዞም መንግስቲ ነበር ቸኮስሎቫኪያ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጽሞ ዝነበረ ግብረ ዓፈና ደው ከብል ተቓውሞኦም ከም ዘስምዑን ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ዝተረኽቡ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ንምብታን ሓይሊ ጸጥታ ዝተፈላለየ ስጒምትታት ከም ዝወሰደን እዚ ታሪኽዊ ኪደት እዚ እውን ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ሰፊሕ ሽፋን ከም ዝረከበ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

31 March 2023, 15:38