ድለ

2023.03.17 ካርዲናል ካንታላመሳ፥ እግዚኣብሔር የፍቅረካ እዩ! 2023.03.17 ካርዲናል ካንታላመሳ፥ እግዚኣብሔር የፍቅረካ እዩ!  (Vatican Media)

ካርዲናል ካንታላመሳ፥ እግዚኣብሔር የፍቅረካ እዩ!

ኣብ ጸሎትና ንኣምላኽ “ኣቦ በታ ወድኻ ኢየሱስ ዘፍቀረካ ፍቕሪ አፍቅረካ ኣለኹ!” ንኢየሱስ ድማ “ኢየሱስ በታ ሰማያዊ ኣባኻ ዘፍቅረካ ፍቕሪ እየ ዘፍቅረካ!” ንበል፡ እዚ ኵሉ ድማ ግምትናን ናይ ምሕሳብናን ክእለታዊ ውጽኢት ከም ዘይኮነ ብርግጽ ምፍላጥ የድሊ!

ዕለት 17 መጋቢት ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራኒዮሮ ካንታላመሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኩርያ ሮማና ዓበይቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ  ዓውደ መንፈሳዊ ሱባኤ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም፥ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ዘማእከለ ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እዚ ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም ምሉእ ብምሉእን ብፍሉይን ኣብ እግዚኣብሔር ዘማእከለ ከም ዝነበረን፡ እቲ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝግበር ጎስዓ ልቢ ማለት ቲዮሎጊያ ካብቲ ክውንነት ሲኖዶስ ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ማለት ካብ ዝኾነ ይኹን ናይ ቤተ ክርስቲያን ህይወት ክውንነት ወጻኢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ” . . . ብዘይ ቲዮሎጊያ፥ “እምነት፡ ህይወት ዘይብሉ ምድግጋን ከምኡ እውን ንምብህልታው ዝጠቕም ቀንዲ መጋበርያ ምጎደሎ ነይሩ።”

ቅርበት ኣምላኽ

ይኹን እምበር ነዚ ንምፍጻም ቲዮሎጊያ ንባዕሉ “ዓሚቑ ሕዳሴ የድልዮ፥ . . . ንህዝቢ ኣምላኽ ዘድልዮም ብህይወት ዝተዓብለለ ቲዮሎጊያ እዩ። ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ኣምላኽ ብሳልሳይ ኣካል ዘይዛረብ፡ ማለት መብዛሕቲኡ ግዜ ካብቲ ናይቲ ህሞት ፍልስፍናዊ ስርዓት ዝተለቅሖ ምድባት ዘለዎ ካብቲ ንእሽቶ ዓንኬል ‘ውሽጣውያን” ወጻኢ ዝኾነ ብምግባር ርዱእ ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ።

የግዳስ ንኣምላኽ ብቐረባ ብዝተኣሳሰረን መገዲ ክንርዮ እዩ ዘሎና፥ . . . ኣብዚ ከቕርቦ ዝደሊ ይብሉ ብጹዕነቶም - ብዛዕባ ምሕዳስ ቲዮሎጊያ ዝምልከት ጎስዓ ልቢ ኣይኮነን። . . . እንታይ ደኣ ቲዮሎጊያ ከመይ ገይሩ መልእኽቲ ወንጌል ብዓቢ መገዲ ንናይ ሎሚ ሰብ ንምቕራብን ንእምነትናን ጸሎትናን ሓድሽ ህይወት ንምሃብ ኣበርክቶ ኪገብር ከም ዝኽእል ንምሕባር እዩ።”

እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ

ቤተ ክርስቲያን ንዓለም ወንጌል ከተበስር ዕማም ዘለዋ፡ ኩሉ ልቢ ወዲ ሰብ ክሰምዕ ዝጽበዮ፥ “ኣምላኽ የፍቅረካ!” ዝብል ቃል እዩ። እዚ ርግጸይናነት እዚ ነቲ ወትሩ ኣብ ውሽጥና ተሰኪምናዮ ዝጸናሕና “ኣምላኽ ክፈርደካ እዩ” ዝብል ሱር ሰደደ ርድኢት ዝትክእ እዩ ክኸውን ዘለዎ። . . . ነዚ መሰረት ገይሮም ድማ ካርዲናል ካንታላመሳ፡ ኣብቲ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ ዝብል ዝጸንዔ ምስጢረ እምነት ከምኡ እውን ብዛዕባ ብድሕሪት ስላሴን ስጋዌን ስቅያትን ዘሎ ዕምቆትን ትርጉምን እምነት ኣስፊሖም ምስ ኣብርሁ. . . እዚ ኣብ ህይወትና እንታይ ምቕያር ከም ዘምጸአ ንምርኣይ እውን ይሕግዘና እዩ።

እዚ ምቕያር ህይወትና ብምስጢራት ኣቢሉ ኣብቲ “ሃብቲ እምነት ክርስትና ከነዕምቖ ኣብ እንፍትነሉ እዋን ፈጺሙ ክጐድል ኣብ ዘይብሉ ብስራት ሓድሽ ቃል ዝቖመ እዩ፡ እቲ ብስራት ሳላ ምስ ክርስቶስ ምውህሃድና ንሕና እውን ንኣምላኽ ብዝግባእ ፍቕሪ ከነፍቅሮ ንክእል ኢና፥

ዝተትረፍረፍ መለኮታዊ ፍቕሪ

“እቲ ኣባና ዝፈሰሰ ፍቕሪ እቲ ኣቦ ንወልድ ወትሩ ዘፍቀረሉ ፍቕሪ እምበር ዝተፈለየ ፍቕሪ ኣይኮነን!? . . . ምእንትናን ናባናን ካብ ስላሴ ዝመጸ ፍቕሪ እዩ።” እግዚኣብሔር ንነፍሳት ዘራኽቦ ወይ ዝህቦ ፍቕሪ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ዘመስቀል ዝብሎ፥ “እቲ ንወልድ ዘመሓላለፎ ፍቕሪ ዋላ እውን ብባህሪ እንተዘይኮነ ከምቲ ኣብ ወልድ ዝፍጽም ብሕብረት እዩ፡” ሳዕቤኑ ድማ በቲ ወልድ ዘፍቅሮ ፍቅሪ ንኣቦ ከነፍቅሮ ከም እንኽእልን ንኢየሱስ ድማ በቲ ኣቦ ዘፍቅሮ ፍቕሪ ከነፍቅሮ ከም እንኽእል ዘረጋገጽ እዩ። እዚ ኵሉ ሳላ እቲ ፍቕሪ ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ እዩ!

“እምበኣር ንኣምላኽ አፍቅረካ እየ ክንብሎ እንከሎና ናይ ገዛእ ርእስና ፍቕሪ ዲና ንህቦ? ብጀይካ እቲ ካብኡ እንረኽቦ ፍቕሪ ካልእ ፍቕሪ የሎን፡ . . . ንእግዚእብሔር ዘሎና ፍቕሪ ካብቲ ንሱ ፍቕሪ ምዃኑን በዚ ፍቕሪ እዚ ንኣና ካብ ምፍቃሩን እዩ . . . እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጸም ፍቕሪ እዩ። ኣብኡ ድማ ነቲ ኣቦ መጀመርታ ዝሃበና ፍቕሪ መሊስና ንኣኡ እነቕርቦ መስዋዕቲ እዩ እንክብሉ፥

ኣብ ጸሎትና ንኣምላኽ “ኣቦ በታ ወድኻ ኢየሱስ ዘፍቀረካ ፍቕሪ አፍቅረካ ኣለኹ!” ንኢየሱስ ድማ “ኢየሱስ በታ ሰማያዊ ኣባኻ ዘፍቅረካ ፍቕሪ እየ ዘፍቅረካ!” ንበል፡ እዚ ኵሉ ድማ ግምትናን ናይ ምሕሳብናን ክእለታዊ ውጽኢት ከም ዘይኮነ ብርግጽ ምፍላጥ የድሊ!

እንክብሉ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 March 2023, 16:04