ድለ

ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ክህልወና ይጽውዓና! ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ክህልወና ይጽውዓና!  (Vatican Media)

ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ክህልወና ይጽውዓና!

“ንኣምላኽ እኳ እንተፈልጥዎ ከም ኣምላኽ ኣይኽበርዎንን ኣየምስገንዎን፥ … ንኣምላኽ ኣኽብሮትን ምስጋናን ዘይምሃብ ወይ ዘይምቕራብ “ናይ መወዳእታ ዓቢይ ሓጢኣት ኮይኑ ኣይስምዓናን”

ዕለት 10 መጋቢት ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራኒዮሮ ካንታላመሳ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ናይ ኩርያ ሮማና ዓበይቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ዓውደ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ዘቕረብዎ ካልኣይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም፥ “ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ክህልወና ይጽውዓና” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላሜሳ ኣብ ካልኣይ ስብከት ዓቢይ ጾም 2023 ዓ.ም. ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ክህልወና ዘቕርቦ ጻውዒት፡ ከምኡ እውን ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ግደ ዓለማውያን ምእመናን እንታይ ትርጒም ከም ዘለዎን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ብሰፊሕ ተመርኲይሶም ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንኣምላኽ ሸለል ምባል

“ንኣምላኽ እኳ እንተፈልጥዎ ከም ኣምላኽ ኣይኽበርዎንን ኣየምስገንዎን፥ … ንኣምላኽ ኣኽብሮትን ምስጋናን ዘይምሃብ ወይ ዘይምቕራብ “ናይ መወዳእታ ዓቢይ ሓጢኣት ኮይኑ ኣይስምዓናን” ዝብል ጳውሎስ ዘቕርቦ ሓሳብ እንታይ ማለት ምዃኑ ከረድኡ እንከለዉ፥ ድሕሪ እቲ “ንኣምላኽ ከም ኣምላኽ ዘይምፍላጥን ግቡእ ሓልዮት ዘይምሃብን” እንታይ እዩ ዘሎ? ኣብዚ ንኣምላኽ ሸለል ምባል “ከም ዘሎ ዘይምፍላጥ፡ ከም ዘየሎ ጌርካብ ብምሕሳብ ምውሳእ” ማለት ኣይኮነን።”

ምስ ኢየሱስ ብሕታዊ ርክብ

እዚ መልእኽቲ ጳውሎስ ሎሚ ንዓና ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ? ኣብ ምምርማር ኩነታትን ነዚ ዝኸውን ፍታሕ ኣብ ምቕራብ ዘይኮነስ ጳውሎስ “እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተበጃውነት ዝተዓደለ ድሕነት” ብምጒላሕ ከምቲ ነቢያት ብሉይ ኪዳን ዝመኽርዎ ናብ ሕጊ ሙሴ ምምላስን ወይ ናብ ግብረ ገባዊ ሕዳሴ ምምላስ ዘይኮነስ ናብ ውልቃዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ ክርቶስ ክንምለስ እዩ ዝዕድመና።”

እዚ ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ካቶሊካውያን ክቕበልዎ ፍቓደይናታት ዘይኮኑ ኣምር እዩ። ብዛዕባ ምስ ክርስቶስ፥ “ጠመቓዊ ምስጢራዊ ወይ ቤተ ክርስቲያናዊ” ዝምድና ክዛረቡ ይመርጹ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዘመናት ካቶሊካዊ መንፈሳውነት መንፈሳውነትን ጒስነትን ምስ መለኮታዊ ብሕታዊ ርክብ ዝገልጽ ዝኾነ ይኹን ዘረባ ድዩ ኣምር “ብጥርጣረ” ከም ዝርኣይዎ ኣስተብሂሎም፥ እዚ ኣገባብ እዚ ፍጹም ጌጋ ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ብርግጽ ድሕሪ ደጊም ከም ንቡሩ ክውሰድ ከም ዘይክኣል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሎሚ ዘሎ እምነት ብቐንዲ ከም ውልቃዊ ርክብን ዝምድናን ምርዳእ የድሊ፥ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ወይ ቤት ትምህርቲ ከም ዝውሓጥ ቆልዓ ዘይኮነስ፡ ፍረ ውልቃዊ ውሳነ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዓለማውያን ምእመናን ከም ወንጌላውያን

ብጹዕነቶም ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ ኣብ እምነትና ዓቢይን ማእከላዊ ስፍራ ከም ዘለዎ ብሰፊሕ ምስ ኣብርሁ “ኣብ ልቢ ካልኦት ዘሎ ናይ ኢየሱስ መንነትን ህላወን ዘንጸባርቕ ብኸመይ ከም እተብርሆ ምርኣይ” የድሊ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣመርኩይዞም፡ ናብ ካልኣይ ክፋል ስብከቶም ብምእታው፥ “ኣብ መብዛሕቲኡ ህይወተይ ዝቐየረ ርኽበት ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ድሮ ነቲ ጸጋ ምስ ዘስተማቕረ ሰብ ካብ ምርኻብ ወይ ምስክርነት ኣብ ዝወሃበሉ ጒባኤ ተረኺብካ ካብ ምስማዕ ዝነቅል ምዃኑ ኣብ ህይወትና እንፈልጦ ጉዳይ እዩ፡” እዚ ብፍላይ ነቶም “ኣብቲ መብዛሕቲኡ ግዜ እቶም ኩነታት ዚፍጸሙሉ ኣካሊት ህይወት ዝኣትዉ” ዓለማውያን ምእመናን ዘለዎም ግደ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፥ ህያው ኢየሱስ ምፍላጥ እንታይ ማለት ምዃኑ ካብ ምስኡ ምርኻብ ዘስተውዓሉ እዚ ተመክሮ እዚ ንኻልኦት ንምክፋል ዝህንጠዩን” ዓለማውያን ምእመናን ካብዚ ብዝነቕል ድርኾት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን ቀንዲ መጋበርያ ተልእኾ ወንጌል ኪኾኑ ይግባእ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ካልኣይ ስብከት ዓቢይ ጾም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 March 2023, 16:03