ድለ

2023.03.18 ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኣልባኒያ 2023.03.18 ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኣልባኒያ 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ኣልባኒያ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ርክባት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር እዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ እዚ ብናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ኦልታ ዛችክ ከምኡ እውን ናይ ኣልባኒያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኣንጀሎ ማሳፍራ ብዘቕረብሎም ዕድመ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ክሳብ ዕለት 20 መጋቢት ዝቕጽል ኣብ ኣልባኒያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ሎሚ ዕለት 18 መጋቢት ከም ዝጀመሩን፥ ኣብዚ መገሻኦም እዚ ምስ ናይ ኣልባንያ ሚኒስትር ጉዳያት ወጽኢ ኦልታ ዛችክን ምስ ናይ ኣልባንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ማሳፍራ ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ርክባት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር እዚ ዘካይድዎ ዘለዉ ምብጻሕ እዚ ብናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ኦልታ ዛችክ ከምኡ እውን ናይ ኣልባኒያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኣንጀሎ ማሳፍራ ብዘቕረብሎም ዕድመ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዕድመ እዚ እውን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መስከረም 2014 ዓ.ም. ከምኡ እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 25 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ኣብ ኣልባኒያ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝኽሪ ዝገበረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕነቶም ቅድም ኣብ ተሄራን ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብኡ እውን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጽኢ ዛችክ ከም ተራኸቡን ኣስዒቦም እውን ናብ ስኩታሩ ብምኻድ ኣብቲ ኣብ እዋን ስርዓተ ዴስትነት ብዝነበረ መንግስቲ ንስደትን መከራን ዝተቓልዑን ዝተሰውኡን ደቂ እታ ሃገር ዝኽሪ ዝተሓንጸ ኣብቲ ናይታ ከተማ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣዕረጉ ምስ ናይ ኣልባኒያ ጉባኤ ኤጲስቆጶሳት ኣቦ መንበርን ጳጳሳትን እታ ሃገር ከም እተራኸቡን ዕለት 19 መጋቢት ኣብ ካቴድራል ረረሽ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ዕለት 20 መጋቢት ኣብ ተሀራን ምስ ናይ ዝተፈላለየ መራሕቲ ሃይማኖት እታ ሃገር ከምኡ እውን ምስ ናይ ኣልባንያ ሃገራዊ ባይቶ ኣደ መንበር ሊንዲታ ኒኮላ ክራኸቡን ኣስዒቦም እውን ኣብታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ ዓቢይ ካቶሊካዊ ካቴድላ እኖ ሰናይ ምኽርን ኣብ ኦርቶዶክሳዊ ካቴድራልን ዓቢይ መስጊድን ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገረ ኣልባኒያ ሃዋርያዊ ልኡኽ ኣብ 1920 ዓ.ም. ዘቖመት ክትከውን ኣንከላ ካብ 1945 ዓ.ም. ጀሚሩ ምስ ምምጻእ ስርዓት ዴስነት ተተሓሒዙ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብናይታ ሃገር መንግስቲ ከም እተዓጸወን ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ልዮነ ኒግሪስ ምስጓግን ከምኡ እውን ኣብ 1948 ዓ.ም. ስርዓት ኤንቨር ሆክሳ ኣብ ኣልባኒያ ካብ መንበረ ሮሜ ዝተነጸለት ብሔራዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይና ክትቀውም ንዝሃብዎ ትእዛዝ ኣይእዘዝን ብምባሎም ምኽንያት ዝተቐትሉ ተካኢ ብጹዕ ኣቡነ ኒግሪስ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ብጹዕ ኣቡነ ፍራኖ ግጂኒ ምሉእ ብምሉእ ንነዊሕ ዓመታት ተበቲኹ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ዝነበረ ክለኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ዝምድና ቅድስቲ መንበርን ኣልባኒያን ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓተ ደስነት ኣልባኒያ ዕለት 7 መስከረም 1991 ዓ.ም. ዳግም ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

18 March 2023, 16:18