ናይ ቅድስቲ መንበር፥ ኣይሁዳውያንን መልሲ ፒዮስ መበል 12ን ዝምልከት ተኸታታሊ ናይ ታሪኽ ማህደር
ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ምጅማርን ድሓርን ናዝያዊ ፋሺስት ስርዓት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣደዳ ኣሳዶ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብዙሓት ኣይሁዳውያን ናብ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዘቕረብዎ ናይ ሓገዝ ሕቶን ፒዮስ መበል 12 ዝሃብሉ መልስን ዝዕቅብ 170 ማህደራት ዘጠቓልል ተኸታታል ሰነድ ብመርበብ ሓበሬታ ከም ዝፈነወ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዝገብን ሰነዳትን ዝተዓቀበ ታሪኻዊ ሰነዳት እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ዝምድናታት ወጻኢ - ሃገራትን ኣህጉራውያንን ትካላት ዝምልከት ቤት ጽሕፈት እቲ ሰነድ ብመርበብ ሓበሬታ ብናጻ ብምፍናው ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ክፍለጥ ዝደልን ፍልዩ መጽናዕቲ ንዘካይድን ኩሉ ክፉት ከም ዝገበሮ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ተኸታታሊ ናይ ታሪኽ ሰነድ ድሕሪ ኣብ ሳላሳታትን ኣርብዓታትን ፋሽታዊ ናዚ ስርዓተ መንግስቲ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝመጹ ኣሳዶ ዝወርዶም ዝነብሩ ዘቕርበዎ ዝነበረ ናይ ሓገዝ ሕቶ እንታይ ይመስልን ከመይ ከም ዝነበረን ዘነጽር ምዃኑ የመላኽት።
ድሮ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር 70 ሚእታዊ እቲ ታሪኻዊ ሰነድ ካብ ዕለት 23 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣትሒዙ ብናጻ ክፍለጥ ንዝደሊ ብመርበት ሓበሬታ ከም ዝፈነወን ሎሚ ምሉእ ብምሉእ እቲ ተኸታታሊ ናይ ታሪኽ ሰነድ ንተመራመርቲ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኮነ ኵሉ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ክፍለጥ ንዝደሊ ሓቁ ክፍለጥ ብመርበብ ሓበሬታ ከም ዝዘርገሖ ዜና ቫቲካን የመላኽት።