ሃገረ ቫቲካን፥ ዛዕባ “ሓባራዊ ሓላፍነት ዓለማዊ ምእመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን” ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ
ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፥ “ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ብሓባር ንቕድሚት ክኸዱ ዝተጸውዑ እያቶም” ብዝብል ኣርእስቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ከም ዘአንገደን፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን “እወታዊ ምትሕብባር” ንዝያዳ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌርካ ክተተባብብዕ ከም እትኽእል ንምስትውዓል ዝሓቀነ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ዓለም ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ዝሓልይ ሽማግለ ኣበ መናብርትን ወከልትን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 120 ተጋባእያን ኣብዚ ሰሙን እዚ ንስለስተ መዓልቲ ዝጸንሐ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ጽርሃ ሲኖዶስ ካብ ዕለት 16 – 18 ለካቲት ዓውደ ጉባኤ ከም ዘካየዱን፥ እዚ እውን ኣብ መንጎ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ዘሎ ምትሕብባር ብኸመይ ምምሕያሽን ምዕባይን ኣብ ዝብል ራእይ ዘተኮረ ከም ዝነበረን፥ “ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ብሓባር ንቕድሚት ክጓዓዙ ዝተጸውዑ እያቶም” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ዝገበረ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እንታይነትን መሰረትን ሓባራዊ ሓላፍነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምድህሳስ
እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ንተግባእያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይነትን መሰረትን ሓባራዊ ሓላፍነት ክድህስሱ ዕድል ከም ዝሃቦምን እዚ እውን ብመንጽር እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስን ብሲኖዳዊ መስርሕ ዝተኻየደ ምዃኑ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየተን ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ካብ ዝተኻየደ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዓመታዊ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ “ንነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ተራ ሓላፍነት ብዝያዳ ምጽናዕ ከም ዘድሊ” ቢሉ ዘስመረሉ ሓሳብ ዘነቓቐሖ ዓውደ ኣኼባ እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ‘እወታዊ ምትሕብባር’ የድሊ!
ንማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋል ሓላፍነት ኣብ ምውሳድ ‘ብሓባር ንቕድሚት’ ክንከይድ ካብ ጐይታ ዝተወሃበና ሕዱስ ጻውዒት ጽን ካብ ምባልን ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ከከም ዝጽገዎ ጸዋዕታ ወንጌል ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘመንና ኣብ ምእዋጅ ክነጥፍ ንምንቕቓሕ እዩ። ካብዚ እዩ ድማ እቲ ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ “ኣብ መንጎ ጓሶትን ዓለማውያንን ብማዕረ “ኣገዳስነት ናይቲ ካብ ጸጋ ጥምቀት ዝምንጩን ንኹሎም ዘወሃህድን ሓላፍነት” ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ፡ እዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ እወታዊ ምትሕብባር” ኣብ መንጎ ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን ክህሉ እንክብሉ ከይተሓለሉ ዝገለጽዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ዝደረኾ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኩሎም ኣባላት ሕዝበ እግዚኣብሔር ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ብማዕረ ኣብ ህይወት ተልእኾ ሓልዮት ምሕደራ ዕብየትን ህዝቢ ኣምላኽ ምሉእ ሓላፍነት ይካፈሉ፡ ካብቲ ‘ልኡኽ’ ወይ ‘ተካኢ’ ዝብል ኣቀራርባ ንላዕሊ ምኻድ የድሊ። ኣብኡ ዓለማውያን ምእመናንን ጓሶትን ንገለ ስፍሕ ዝበለ ኣገልግሎት ‘ዝውክሉ’ ወይ ድማ ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ገለ ዕዮታት ንካህናት “ተካእቲ” ብምዃን ገና ተነጺሎም የገልግሉ ኣለዉ!
ቤተ ክርስቲያን ከም ሕብረተሰብ ብሓባር ምጉዓዝ
እቲ ናይ ሓባር ሓላፍነት “ብጭቡጥ ገቢር ክኸውን” ዝበሉ ብጹዕነቶም ንኽልቲኦም ጓሶትን ዓለማውያን ምእመናንን ክሳብ ሕጂ ጎኒ ንጎኒ ኮይኖም ምስራሕ ዘይለመዱ እኹል ስልጠና ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝመረጾ ኣርእስቲ ምስቲ ምሉኡ ቤተ ክርስቲያን ‘ብሓባር ንቕድሚት ምጉዓዝ’ ዝብል ዝዓበየ ተወፋይነት ምስ ዝጠልብ መገዲ ሲኖዳውነት ኣዚዩ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣመልኪቶም ንዅሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ዘሳትፍ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ሓደ . . . ንጡፍ ‘በዓል ቤት’ ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበረሰብ ክሳብ ዝብል ኣምር ዝኸይድ እዩ፥
ኩሉ ሰብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጡፍ ‘በዓል ቤት’ ክኸውን ኣለዎ፡ ኩሎም ነቲ መበቆላዊ ኣበርክቶእም ኣብ ህይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን ከሳትፉ - ከቕርቡ ተጸውዖም እዮም፡ ኩሎም ድማ ባዕሎም ክሓስቡን መንፈሳዊ መስህባቶም ክጥቀሙን ዝተጸውዑ እያቶም!
ውሳነ ኣብ ምሃብ ምምኽኻር
ብመሰረት ብጹዕነቶም፥ ‘ብርሃነ ኣህዛብ’ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጓሶት ምስ ዓለማውያን ምእመናን ብኸመይ ክተሓባበሩ ከም ዘለውም ዝምዕዱ ገለ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ግብራዊ ሓሳባት ይህብ። ስለዚ ኩሉ ከከም ጸዋዕታኡ ዘለዎ ሓላፍነት ብምኽባር ነቲ ሓላፍነት በዘየጉድል ኣገባብ ምትሕብባር ክህሉ ዝድርኽ እዩ።
ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሓላፍነት ቤተ ክርስቲያን ምውሳእ
ውሳኔ ብርሃነ ኣህዛብ ብተወሳኺ ንዓለማውያን ምእመናን ብባህርያቶም ብኣቕሽሽቲ ምምላእ ዘየድልዮምን ብሓቂ ብዓለማውያን ምእመናን ብዝበለጸ ክፈጸሙ ዝኽእሉን እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣባይቲ ጽሕፈት ብሓላፍነት ክቕመጡ ይዕድም። ምስ እዚ ኣተኣሳሲሮም ብጹዕነቶም፥ መብዛሕትኡ ግዜ ዓለማውያን ምእመናን ካብ ካህናትን ውፉያንን ንላዕሊ ብቑዓት ዝኾኑሉ ብዙሕ መዳያት ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም ከም ዓውድታት ቁጠባዊ ምምሕዳርን ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ሃብቲ ገንዘብን ፍትሓ ብሄርን ቀኖናዊ ፍትሓን ኣብ ዝምልከት ሓላፍነት ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን እምነት ዘሎ ጉዳይ ዘተን ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኣመሰሉ መዳያት ጠቒሶም ህላወን ተግባርን ዓለማውያን ምእመናን “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዝያዳ ግቡእ ‘ቤተ ክርስቲያናዊ’ ከም ስብከተ ወንጌልን ግብረ ሰናይን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት እውን ዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ስለዚ ካህናት “ኣብ ምልላይን ተኣማንነት ዓለማውያን ምእመናን ንወንጌል ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን” ዝያዳ ከተኩሩ ከም ዘለዎም ብኣጽንዖት ይገልጹ።
ተጋባእያን
ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣርባዕተ ወሰንቲ መደረ ዘስምዑ፥ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መማክርት ናይ ጳጳሳዊ ቅዱስ መስቀል መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ልዊስ ናቫሮ፡ ኣብ ማድሪድ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ናይ ሕገ ቀኖና ክፋሊ መጽናዕቲ ሓላፊት ካርመን ፐኛ ጋርሲያን ኣብ ቦስቶን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ኣገልግሎትን መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰር ሆስፍማን ኦስፒኖ፡ ኣብ ካናዳ ናይ ኪይበክ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣባል ብጹዕ ካርዲናል ገራርልድ ሲፕረን ላክሮይ ከም ዝነበሩን ብጠቕላላ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ 107 ዓለማውያን ምእመናን 36 ካህናት 67 ጳጳሳት 74 ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ዝውክሉ 29 ንኤቅለሳውያን ምንቅስቓሳት ዝውክሉ ካብ ሓሙሽተ ክፋል ዓለም ዝመጹ ካብ ዚኣቶም እውን 20 ካብ ኣፍሪቃ 24 ካብ ኤውሮጳ ዝመጹን ምንባሮም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።