ኲናት ደው ይበል!
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘበገሰቶ ወራር ሓደ ዓመት የቑጽር፣ ይኹን እምበር ድሕሪ ሓደ ዓመት እዚ ኣዕናዊ ግጭት ከም ዘብቅዕ ዝሕብር ምልክታ ብፍጹም የሎን፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ደጋጊሞ እቲ ኲናት ከብቅዕ ንሰላም ድምጾም ብቐጻሊ የስምዑ! ነዚ ዝበሉ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩኪረይን ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ ከም ዝኾነን፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ሓደ ዓመት ብፈደራላዊት ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተበገሰ ናይ ወራር መጥቓዕቲ ኣብታ ዒላማ ናይቲ መጥቓዕቲ ዝኾነት ሃገር ልዕሊ ዓሰረ ሸውዓተ ሚሊዮን ሰባት ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘቃልዔን ሸሞንተ ሚሊዮን ንስደት ከምኡ እውን ሽዱሽተ ሚሊዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኽመዛበሉ ከም ዝደረኸን ልዕሊ ዕስራ ሺሕ በርገሳዊ ክሳራታት ኣብ ክልቲኡ ግንባራት ድማ ኣስታት ሚእቲ ሺሕ ወተሃደራት ንመጒዳኣቲ ከም ዘቃለዔ ቶርኒየሊ ገሊጾም፥ ኣብ ማእከል ክርስቲያናዊት ኤውሮጳ ዝፍጸም ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ቅትለት ኣብ መንጎ ሓደ ምስጢረ ጥምቀት ዝካፈሉ ወተሃደራት ሓድሕድ ዝፍጸም ዘሎ እዩ። እዚ ከብቅዕ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንማሕበርሰብ ዓለምን ንነፍሲ ወከፍናን “እቲ ውግእ ደው ንምባል ዝከኣል ኩሉ ተገይሩ ድዩ?” ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባትን ኣህጉራውያን ትካላትን እዚ ጒዳይ እዚ ንኸብቅዕ ዝከኣል ገይረን እየን ዝብል እወታዊ መልሲ ክትህብ የጸግም። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝርአ ዘሎ ህጹጽ ውድድር ኣጽዋር ውግእን ብዛዕባ ምብራኽ ኲናትን ናይ ውግእ ቃላትን እወ እቲ ኲናት ከብቅዕ ዝከኣል ተገይሩ እዩ ቢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኣይኮነን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ፍራንቸስኮ ማእለያ ዘይብሉ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ውግእ ዝብልዎ ዝነበሩን ውግእ ይኣክል ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቦም የቕርቡ ኣለዉ፡ “ኣይፋል ንውግእ - ደጊም ውግእ ኣይሃሉ” እናበሉ ዕለት 16 መጋቢት 2003 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ እቲ ኣብ ዒራቕ ዝነበረ ሕሱም ወራር ክሳብ ሎሚ ናብ ዝቕጽል ውጥረት ዝሰጋገረ ክሳብ ንግብረ ሽበራ መሰረት ኮይኑ ዝቕጽሎ ዘሎ ኲናት ኣብቲ እዋን ከብቅዕን ውግእ ይኣክል እንክብሉ ድምጾም ብዓውታ ዘስምዑ፥ ቅዱስነቶም እውን ከምኡ።
ጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነቶም ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ዘለዎም ነቲ ግጭት ከብቅዕ ተኹሲ ደው ክብልን ዘተ ሰላም ከበግሱን ጭቡጥ ጻዕሪ ክግበሩን ዝዓለመ እዩ። ምኽንያቱ “ኣብ ፍርስራስ ዝተሃንጸ ዓወት ፈጺሙ ሓቀይና ዓወት ኣይክኸውንን እዩ! ከምኡ እውን እቲ ኣረመናዊ ኲናት ዘስዕቦ ቁስሊ ጽልእን ቂምን ካብቲ ንዩክረይን ዳግማይ ንምህናጽ ዘድሊ ግዜ ንላዕሊ ዝሓትት” ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ግዳያት ዝሕግዙን ተመዛበልቲ ዝኣልዩን ተወፋይነቶም ጭቡጥ ምልክት ተስፋ ኮይኑ ናብ ሕውነትን ዘይጎነጻዊ ቃልስን ሰላምን መገዲ ዝመርሕ እዩ። ንሰላም ዝቐውም ዝጽሊ ዝሰርሕን ዝጽውዕን በርገሳዊ ማሕበረሰብ ኣሎ - ከምቲ ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ኢጣሊያ ካብ ከተማ ፐሩጃ ናብ ኣሲዚ ዝግበር ናይ ሰላም ጉዕዞ ዝፍጽሙ፡ ድምጺ ሰላም ዝኸውን ንሰላም ዝያዳ ቦታ ዝህብ በርገሳዊ ማሕበረሰብ። ነቲ ቭላድሚር ፑቲን ዘካይድዎ ዘለዉ ወራር ደው ክብል ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት ኣምነትን ኢኣማንያንን ይርከብዎ። ከምኡ እውን ኩሎም መንግስታት - ካብተን ኣዚየን ሓያላት ሃገራት ጀሚርካ - መጻኢ ኤውሮጳን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝተመደበ ኣዕናዊ ግጭት ዘይተርፍ ምዃኑ ዘይኮነስ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ከብሉ ይሕተቱ። ነቲ ኲናት ደው ንምባል ዝከኣለናን ኩሉ ንገብር ኣለና ዶ? ብዝብል ሕቶ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።
(Andrea Tornielli)