ድለ

ፍሉይ ናይ ጸሎት ተበግሶ ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስና ር.ሊ.ጳ.  ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ጸሎት ተበግሶ ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ፍሉይ ናይ ጸሎት ተበግሶ ንዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንእግዚኣብሔር ስለ ምሕረቱ እናመስገንና እነቅርቦ ጸሎት

ዕለት 13 መጋቢት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዘኺሩ ንዝውዕል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስና ንምብዓል ብመርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መርብትን ዝካየድ ፍልዩ መደብ ጸሎት ከም እተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልክዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ማለት ዕለት 13 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓስራይ ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ከብዕሉ እዮም። ነዚ ፍሉይ ዝኽሪ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን፥ ምእንቲ እዚ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ዘቕርብዎ ጸሎትን ምናባዊ ሽምዓ ናይ ምብራህ ስነ ስርዓትን ዘጠቓልል ፍሉይ ናይ ጸሎት መደብ ከም እተዳለወ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ኣገልግሎት ቅዱስ ጴጥሮስ ኢየሱስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝሃቦ ዓቢይ ጸጋ ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዜ ከነመስግኖ ይግባእ። ስለዚ እግዚኣብሔር ነቲ ነዚ ኣገልግሎት ዝመርጾ ኣብ ዝህቦ ኣገልግሎት ክጸንዕ ጸሎት ዝበለጸ ህያብና ክኸውን ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ከውሒ እዚ ንቤተ ክርስቲያኑ ብግዜን ታሪኽን ስለ ዝሃንጽ።”

ኣብዚ ተበግሶ እዚ ክጽንበር ዝደሊ ሰብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰላም ለኪ ጸሎት ክደግምን ጸሎት ምስጋና ከቕርብን ይዕደም። ኣብ መወዳእታ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንእግዚኣብሔር ስለ ምሕረቱ እናመስገንና እነቅርቦ ጸሎትን እነብርሆ ምናባዊ ሽምዓን ናብ ቅዱስ ኣቦና ክለኣኽ ምዃኑ እቲ ዝወጸ መግለጺ የመላኽት።

14 Feb 2023, 16:30