ቅድስቲ መንበር ኣብ ኤውሮጳ ንጻዕርታት መኸተ ምልዕዓል ጸረ ሴማውነት ትድግፍ
ኣብ መቄዶኒያ ዋና ከተማ ስኮይጀ ብውድብ ጸጥታ/ደሕንነትን ምትሕግጋዝን ኤውሮጳ“መርሓ ጸረ ሴማውነት ኣብ ዞባ ደሕንነትን ምትሕግጋዝን ውድብ ኤውሮጳ” ብዝብል ኣርእስቲ እቲ ውድብ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሉቻኖ ሱርያኒ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅድስቲ መንበር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ሴማዊ ዓመጽ ናይ ጽልኢ ዘረባን ዳግማይ ስግኣት ከም ዘሎን ኣባላት ሃገራት “ውድብ ደሕንነት ምትሕግጋዝን ኤውሮጳ” ጸረ ሴማውነት ንምዕጋትን ንማሕበረሰባት ኣይሁድ ብዝበለጸ ንምክልኻል ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ ደገፋ ትገልጽ፣
ንኣይሁድ ማሕበረሰብ ምክልኻል
ኣብዚ ሰሙን ኣብ መቀዶኒያ ዋና ከተማ፥ ሰሜን መቀዶኒያ ናይ 2023 ዓ.ም. ናይ ውድብ ደሕንነትን ምትሕግጋዝን ሃገራት ኤውሮፓ” ተረይና ኣቦ መንበር ብምዃና መሰረት ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ ዝተዳልሰወ ዓውደ ኣኼባ፥ መሰረታዊ ኣርእስቲ“መርሓ ጸረ ሴማውነት ኣብ ዞባ ደሕንነትን ምትሕግጋዝን ውድብ ኤውሮጳ” ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ ጸረ ሴማውያን ገበናት ምልላይን ምምዝጋብን ክሲ ምቕራብን” ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ዘጠቓልል ኮይኑ፥ ንጸጥታዊ ድሌታት ማሕበረሰባት ኣይሁድ ምክልኻል ኣብ ትምህርትን ብትምህርትን ጸረ ሴማውይነት ምቅላስ ከምዘድሊ ኣብ ሰሜን መቀዶኒያ ናይ ቅድስቲ መንበ ርሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሉቻኖ ሱርያኒ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣመላኺቶም፡ ስለዚ ንኣይሁዳውያን ከምኡ እውን ንኻልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ናይ ኣምልኾ ቦታ ምኽባርን ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሓደጋ ምክልኻልን ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ብዘየገድስ ናይ በርገሳዊ ስልጣን ሓላፍነት እዩ፥” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህዝቢ ኣይሁድ ሃይማኖቱ ናይ ምንባር ናጽነት
ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ ክልተ ዘተሓሳስቡ ዝንባለታት ኣተኵይሮም፥ እቲ ቀዳማይ ብድሆ፥ ብሃይማኖታዊ እምነት ዝድረኽ ባህርያትን ተግባራትን ኣብ ሕበርተሰባት ቦታ ክህልዎ ኣለዎ፥ ከምዚ ምስ ዘይኸውን ግና ናይ ህዝቢ ሃይማኖት ናይ ምንባርን ምግላጽን ናጽነት ይገሃስ፥ “ናይ ሃይማኖት ናጽነት ብፍላይ ኣብ ዓለማዊ ሕበረተሰብ ኣገዳሲ” ምዃኑ ቅድስቲ መንበር ከም እትኣምን ኣብሪሆም፡ “ናይ ነፍሲ ወከፍ ንጽል ሰብ ጭቡጥ መንነትን ናይ ሃይማኖት ማሕበረሰባት መንነትን ክኽበርን ክሕሎን” ኣለዎ ቢላ ትኣምን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።
ናዚ ዝፈጸሞ ህሊቅት ኣናኢስካ ናይ ምርኣይ ሓደጋ
ኣብዚ እዋን እዚ ካልእ ዘተሓሳስብ ዝንባለ ወይ ጉዳይ፥ “ብፍላይ ኣብ ኵነታት ተቓውሞ ኣንጻር ስጉምትታት ህዝባዊ ጥዕና ኮቪድ - 19 ንምክልኻልን ወይ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ብምውካስ ንህልቂት ናዚ ኣናኢስካ ምርኣይ ዘይግብኡ ምጥቃምን ዝብል ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ንጽልነትን ፍሉዩነትን ህልቂት ናዚ” ምስ ካልእ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ምውድዳር ወይ ምጽጻር ዘይቅቡል” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።
ኣብ መርበብ - ሓበሬታን ማሕበራዊ መረብት፥ ናይ ጽልኢ ዘረባ
ኣብ መወዳእታ ሊቀ ጳጳሳት ሱርያኒ፥ መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መረብትን ካልኦት መራኸቢታትን ኣብ ምዕባይ ጸረ ሴማዊ ስምዒታትን ጽልኢታትን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዘለዎ ግደ ኣልዒሎም፥ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝጠልቦ ሓላፍነት እውን ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም፡ ንወሃብቲ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ማሕበራዊ መረብትን መራኸቢታትን ዝምልከት ስርዓታት ስነ ምግባር ከም ዘድልን ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ቀጥታዊ ኣታውነት መንግስታት ዝጠልብ እውን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።