ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ዋላ ኣብ መንጎ ራዕዲ ውግእ እውን ይዅን እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና እዩ! ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ዋላ ኣብ መንጎ ራዕዲ ውግእ እውን ይዅን እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና እዩ! 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ዋላ ኣብ መንጎ ራዕዲ ውግእ እውን ይዅን እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና እዩ!

ኣብ ማእከል ኤውሮጳ፥ “ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘይከኣል ዝመስል” እንክብሉ ዝገለጽዎ ካልእ ኲናት ክካየድ ምርኣይ፡ “ዓሚቑ ናይ ቃንዛን ምድንጋርን” ስምዒታት ዝፈጥር ምዃኑ

ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣብ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ኣህጉራት ትካላትን ጉዳያት ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ ኩሎም ምእመናን ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ብመንጽር ቃል ኣምላኽ ከንብብዎ ዓዲሞም፥ ከምኡ እውን ዓለም “ኣብ መገዲ ሰላም ክትምለስ” ናብ ጎይታ ንኽንጽሊ ይዕጽሙ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ሃገራትን ዓለም ሓቆፍ ትካላትን ጉዳያት ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 21 ለካቲት እቲ ዕለት 24 ለካቲት ተዘኪሩ ዝውዕል ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝገበረ ኣብ ሮማ ቅዱስ እንድሪያስ ደላ ቫላ ቤተ ክርስቲያን ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ስርዓት ቢዛንታይን ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ዩክረይን ኣብ ኢጣሊያ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዲዮኒሲዮ ሻቾቪሽ ተዓጂቦም ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥

ቃንዛን ምድንጋራትን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዋና ጸሓፊ ኣብ ስብከቶም፥ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ፥ “ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘይከኣል ዝመስል” እንክብሉ ዝገለጽዎ ካልእ ኲናት ክካየድ ምርኣይ፡ “ዓሚቑ ናይ ቃንዛን ምድንጋርን” ስምዒታት ዝፈጥር ምዃኑ ኣጉሊሖም፥

ነቲ ውግእ ብመንጽር ቃል ኣምላኽ ምንባብ

ኵሉ ግዜ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ተርእዮታት “ብመንጽር እቲ ካብ ግንባር ዝመጽእ ዘሎ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዘሰክፍ ሓበሬታ” ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዘኽፍሎ ዘሎ ከቢድ ዋጋ ምርኣይ የድሊ፡ “ክሳብ ሕጂ ነቲ ዕሱብ ዓንኬል ዓመጽ ክስበር ዘይከኣል ዝመስል” ግን ኣብ ክንድኡ ብመንጽር ኩሉ ግዜ እዋናዊ ዝኾነ ንነፍሲ ወከፍና ፍጻመ ታሪኽ ዘብርህ ርድኢት ዝህብ ከምኡ እውን ቅኑዕ መገዲ . . . ኣብ ኩሉ ኩነታት ህይወት ብዘርህው”  ቃል ኣምላኽ ምንባብ የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እግዚኣብሔር ወትሩ ኣብ ግዜ ፈተና እውን ምሳና እዩ

እግዚኣብሔር ፈተናን ጸበባን ከጥፍእ ዘይኮነስ ዝያዳ ጅግንነት ክህበናን ኣብ ፈተናን ጸበባን ንኽሓድገና ዘይኮነስ ምስኡ ብዝያዳ ንኽጥርንፈና እዩ ዝደሊ፡ ስለዚ ኣብ ፈተና “ካብ ኣምላኽ ክንፍለ ተስፋ ክንቆርጽ ወይ ክንፈርሕ የብልናን፡ ፍትሒ ምድላይ ከነቋርጽ የብልናን፡ ኣብ እግዚኣብሔር ተኣሚንና ሰናይ ካብ  ምግባር ኣይነቋርጽ። ንፍቓዱ እሙናት ኮይንና ኣብ ህላዌኡን ረድኤትን ክንሓብርን” ተጸዊዕና ኣሎና። ምኽንያቱ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “እግዚኣብሔር ንጻድቃን የፍቅሮምን ንእሙናት ድማ ኣይሓድጎምን እዩ፡ ኣብ ግዜ ሽግርን ጸበባን ዕርዶም እዩ።”

“እግዚኣብሔር ወትሩ ምሳና ከም ዘሎን ንብዓትና ይኹን ንጣብ ደምና እውን ባኺኑ ከም ዘይተርፍ ርግጸይናታት ኢና። ኣብ መዓልቲ ፋሲካ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መስቀል እውን እንከሎና ይቕረታ ክንብል ካብ ክርስቶስ ክንመሃር ይግባእ። እቲ እንኮ ሓቀይና ምኽንያት ሓይሊ ንጽቡቕ ኩሉ ንምግልጋል ብምዃኑን ልቢ ክዓጽው የብሉን፥ . . .

ኣልባብ ሰባት ክልወጥ ናብ ጐይታ ንጸልይ

ዓለም መሊሳ “ናብ መገድታት ሰላም ከተብልን ክትጓዓዝን ልቢ ናብ ዝልውጥ እግዚኣብሔር ንጸሊ፥  ንፍቕርቲ ዩክረይንን ፍቑራታን በቲ ኡክራይናዊ ገጣሚ ታራስ ሸቭቸንኮ ናብ ማርያም ብዝደረሶ ጸሎት ኣቢልና ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ነወክፍ” እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Feb 2023, 16:20