ካርዲናል ኦለት፥ ክህነት ኣብ ቅርበት ምስ እግዚኣብሔር እዩ ዝምርኮስ
ናይ ብጽዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት “ናብ ናይ ምስጢረ ክህነት ቲዮሎጊያዊ መሰረተ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ መጽናዕቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ዘማእከለ ዕለት 20 ለካቲት ድህሪ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ምስ ክርስቶስ ምቕራብን ምስ እግዚኣብሔር ህያው ርክብን መፍትሕ ክህነት ምዃኑ ይገልጹ። እቲ “ናብ ናይ ክህነት ቲዮሎጊያዊ መሰረት” ዝብል ኣህጉራዊ ዓውደ መጽናዕቲ መሰረት ድሕሪ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ 2022 ዓ.ም. ካብ ዕለት 17 – 19 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጳውሎስ ሳድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ምንባሩን “ትውፊትን ሓድሽ ኣድማስን - ቅድስቲ ስላሴን ተልእኾን ቅድስናን ከምኡ እውን ጽምዋን መንፈሳዊ መስህባትን ኣብ ዝብሉ ንእሳን ኣርእስታት ሰፊሕ ኣስተንትኖ ምክንያዱ ኣዘኻኺሮም፡ ድሕሪ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ክልተ ተኸታታሊ ሰነድ ከም ዝወጸን ብቛንቋ ጣልያንን ስፓኒሽን ፈረንሳን ፖርቱጋልን ከም እተሓትመን ብቋንቋ እንግሊዘይናን ጀርመንን ኣብ ቀረባ እዋን ተጠናቂቑ ክሕተም እዩ፥ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ስነ ፍልጠት ሽማግለ ኣባላት ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክለኣኽን ኣብኡ እውን ንጳጳሳትን ንዝተናዕቁን ዝተሓረጉን ኣብ ጽንኩር ኩነት ንዝርከቡን መንእሰያትን ዋዕላታት ከካይዱን ከምኡ እውን እቲ ሽማግለ ምስ መንእሰያት ብምትሕብባር ምንቅቓሕ ዝግበረሉ ሊጡርጊያዊ መደብ እውን ክህሉ ምዃኑ ገሊጾም፥
ብጹዕነትኩም ነቲ ናይቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ግብረ ርኢኹም እቲ ትብሉ? ንካህናት ዝብሎ እቲ ዝቕበልዎ ክህነትን ኣገልግሎቶምን ናይቲ ብጥምቀት ናይ ዝተቐበልዎ ክህነት መቕጸልታን ምትብባዕን ምሕብሓብን ምዃኑ ከስተውዕሉን እዩ። ንሱ እዩ እቲ ምኽንያት ወንጌል ዝሰብኩሉን ምስጢራት ዝሰርዕሉን ዝዕድልሉን ምእንቲ እቶም ዝተተመቑ እቶም ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ሓድነት ክርስቶስ ክነብሩ ቅድስና ዝደልዩ ከምኡ ድማ ኣብ ከባቢኦምን ኣብ ማሕበራዊ ሃዋህኦምን ጽልዋ ክህልዎም እውን።
ናብ ህልው ኩነታት እንተተመሊስና ብዙሓት ብዛዕባ ኣገዳስነት ምቛም ንትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝከላኸል ሽማግለ ይዛረቡ . . . እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንህልው ኩነታት ዛዕባ ጾታዊ ዓመጽን ጸገማቱን ብኸመይ ኣብ ግምት ዘእተወ ነይሩ? እወ ጸገም ግህሰት ዋላ እውን ማእከል ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣይንበር ኮይኑ ግን ሸለል ዝበሎ ጉዳይ ግን ኣይነበረን እቲ መልሱ ሕንጸት እዩ። ነዚ ጸገም እዚ ንምክልኻል ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ንዓለማውያን ምእመናን እውን ህንጸት መሰረት እዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንክህነት ዝሰናደው ሕጹያት ጥንቁቕን ዓቢይን ምስትውዓል ምግባር የድሊ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ሰብኣዊ ደረት ንኸለልዩ ክንሕግዞም ኣሎና። ብጀካ እቲ ንክህነት ዘድሊ ህንጸት መን ምዃኖም ኣብ ምፍላጥ ክሕገዙ ኣለዎም።
ካብ ምቁጽጻር ንላዕሊ ግን ምስ ኣምላኽ ኣዚዩ ህያው ጥምረት ዝፈጥር መንፈሳዊ ቅርጺ የድልየና። ካብኡ ንግብረ ገባዊ ኣካይዳኻ ጸጋን ሓገዝን ትረክብ፡ እዚ ድማ ኣብ ምሉእ ኣገልግሎት ጽልዋ ኣለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።