ሊቀ ጳጳሳት ጒጀሮቲ ኣብ ሶሪያን ቱርክን ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም
ናይ ምብራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርሲያን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ኣብተን ኣብ ቀረባ እዋን ብርእደ መሬት ዝተሃስያ ዞባታት ሶሪያን ቱርክን ካብ ዕለት 17 – 21 ለካቲት ዑደት ኣካይዶም ንተን ክልተ ሃገራትን ማሕበረ ክርስቲያንን ስበ ስልጣንን ኣባይቲ ስድራን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅድስቲ መንበርን ቅርበት ኣረጋጊጾም ብሰላምን ብዝበለጸ ኣድማዕን መገዲ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝተዋደደ ጻዕሪ ክበራታዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጉጀሮቲ ዕለት 6 ለካቲት ብዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ናብ ዝተሃሰየ ዞባታት ሃገረ ሶርያን ቱርክን ምብጻሕ ከምዘካየዱን ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣለፖ ምስ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ከም እተራኸቡን ነቶም ብዙሓት ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣዴታትን ስንኩላንን ኣባላት ኣባይቲ ስድራኦም ዝሰኣኑን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ከም ዘጸናንዑን ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ዘወሃህዶ ቀጻሊ ዝቐርብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ናይታ ሃገር ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበራትን ምስ ናይ ሶርያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤጰስ ቆጶሳዊ ሽማግለ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝተዋደደ ምዃኑ ከም እተዓዘቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ብጹዕነቶም ዘካየድዎ ዑደት ዛዚሞም ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣተዉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዝገበርዎ ዑደት ብቐንዱ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓልዮትን ቡራኬን ዝተመስርተ ኮይኑ ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ብኸመይ ብዝበለጸ መገዲ ክትሕግዝ ከምእትኽእል ንምርዳእ እውን ብጭቡጥ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ብቐረባ ንምምልካት ዝሃቀነ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብተን ኩናት ዝካየደለን ዞባታት ሶሪያ ኣዚዩ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘጋጥም ብድሆታት እቲ ናይ 12 ዓመት ግጭት ኣካላቲ ሕብረተሰብ ሶርያ ዝበተኸ ህጹጽ ኣድላይ ዕርቅን ሰላምን ዝጠልብን ነዚ መልሲ ንምሃብ ናይ ሓባር ረብሓ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ ኢሎም።
ህዝቢ ካብቲ ዝዓነወ ዞባታት ክወጹ ከም ዘይክእልን መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ስራሕን ዘይብሎም ብምዃኑ እዚ ኩሉ ብሰንኪ እቲ ውሽጣዊ ግጭት ዝተደንገገ ማዕቅብ ዝፈጥሮ ዘሎ ምግላል ከም ዝኾነን እዚ ማዕቅብ እዚ ናይቲ ህዝቢ ስቓይ የብእሶ ኣሎ። ብቐረባ መጺእካ እተዘይረኣኻዮ ብሓቂ ናይቲ ጸገም ስፍሓትን ዕምቆትን ክትግምቶ ኣይትኽእልን። እቲ ዘሕዝን መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ከቢድ ጸገምን ስቓይን ሽፋን ዘይህባሉ ምዃኑ እዩ፥ መን እዩ ብዛዕባ ሶሪያ ዝዛረብ? ብሓቂ የሕዝን ኢሎም።
ምስቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ተራኺቦምን ምጽንናዕ ኣቕሪቦን ንኹሎም ዝምልከቶም ኣካላት “ብዛዕባ ጸገማታ ኣብ ግምት እነእትዎ ዘለና ሃገር ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክንሓስብ” ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ክውንነት ብዕምቆት ዳግማይ ክሕሰቡን ክሕግዙን ነቲ ህብዚ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ንኸብል ዘኽእል መገዲ ብሓባር ክንሃንጽ ይግባእ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።