ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ኣለዎ!
ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጽኢ ርክባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣመሪካ ምስ እተሰምየ መጽሔት ጋዜጠይና ገራርድ ኦኮነል ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ምባልን ፍትሓዊ ሰላም ንምርግጋጽ ዝብል ዕዮ ሕጹጽ ምዃኑ ኣጉሊሖም፥ እቲ ውግእ ኣብ ልዕሊ ናይ ዓለም ሰላምን ምርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ዘስዕቦ ስግኣት ዓቢይ እዩ እንክብሉ ዘለዎም ስክፍታ ከም ዘቃልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዝርአይ ዘሎ ጽንኩር ኩነትን መወዳእታ ዘለዎ ከም ዘይመስል ዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ እዚ ውግእ እዚ ኣብ መጻኢ ሰላም ዓለም ዝህልዎ ጽልዋ ዓቢይ እዩ እንክብሉ ስክፍታኦም ገሊጾም፥ ኣብ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ብጋሴ ወግእ ዩክረይን፥ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ውግእ ከብቅዕ ድሌት ዘለዎ እውን እንተኾነ፥ እቲ ኲናት ገና ይቕጽልን ብዙሕ ሞትን ዕውነትን ድማ የስዕብ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበለዎ፥ “እቲ ውግእ ከብቅዕ ዝገብር መገዲ ኣብ ምልላይን ምትግባርን ዝከኣለና ጻዕሪ ክንገብር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብጹዕነቶም ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብቐንዱ ኣብ ዩክረይንን ደገፍ እታ ሃገርን ኣብ ዘተኮረ ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ሙኒክ ከም እተሳተፉን ኣብቲ ኩነታት ሩሲያ እንተትሳተፍ ነይሩ ክጠቕም ዝኽእል መርግጽታትን ብድሆታትን ሓሳባትን ምልውዋጥ ከቕርብ ዝኽእል ኣጋጣሚ ምኾነ ነይሩ፥ . . . ኣብቲ ናይ ሙኒክ ኣኼባ ብዛዕባ ዩክረይ መሰረታዊ ጭንቀት ከም ዘሎን ፍሉይ ሓገዝ ከም ዘድልያን ኣብ መንጎ ህዝባዊ ርእይቶ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታ እንታይ ክግበር ኣለዎን እዚ ውግእ ናበይ ይመርሕ ኮን ይኸውን ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ዝነቐለ ብዙሕ ጭንቀትን ፍርሕን እውን ምህላዉ ብሰፊሕ ኣብሪሆም፥
ሩሲያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ኣተገብሮ ኑክለየስ ኣጽዋር ዝምልከት ውዕሊ ንግዚኡ ከም ዘደስከለቶን እዚ “ብሓቂ ዘጨንቕ ሕማቕ ውሳነ እዩ፡” እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዝምልከት ውዕል ናይ ዝፍጸም ዝነበረ ክሕደት ውጽኢት እውን እዩ . . . እዚ ኣብ ሓደገይና ዓለም ንነብር ምህላውና የመላኽት፡ ቅድስቲ መንበር ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዓለም ክህልው ወትሩ ተወፋይነት ኣለዋ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጽልሙት ኣጠማምታ ሰላም ዝተራእየሉ ሃዋሁ ናይ ጉባኤ ሙኑክ መለለይ ምዃኑ ገሊጾም፥ ቅድስቲ መንበር ብዙሓት ሃገራት ኣብ ወተሃደራዊ ዓወት ኣብ ዘተኩራሉ ዘለዋ እዋን፥ ተስፋን ሕልሚ ሰላምን ህያው ንምግባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ግደ ኣለዋ፡ ናይ ሰላም ዘተ ንኽብገስ ኣበርቲዓ ትዓዪ እውን። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባይደን ንዩክረይ እቲ ውግእ ክሳብ ዝኸደሉ ግዜ ድጋፍ ሃገሮም ውሑስ እዩ ዝበልዎ ሓሳብ፥ ፖለቲካውን ንዋታውን ተወፋይነት ኣመሪካ ዝገልጽ እዩ . . . ቅድስቲ መንበር ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ዩክረይን” ከም እትድግፍ ክሕብሩ እንከለዉ፡ “ናይ ሓርነትን ናጽነትን ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ዩክረይን” ኣፍልጦ ከም እትህበሉ ሓቢሮም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ዩክረይንን ሩሲያን ዝግበር ርክባት ይቕጽል ከም ዘሎ ብጹዕነቶም ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጒሊሖም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ክልቲኦም ወገናት ናይቲ ግጭት” ናብ ኪየቭን ሞስኮን ምብጻሕ ከካይዱ ድላይ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ እዚ ድማ . . . ኣብዚ እዋን እዚ ዝከኣል እውን እንተዘይመሰለ፡ ዩክረይን ቅዱስነቶም ክበጽሕዋ እትቕርቦ ዕድመ ቀጻሊ ምዃኑን ካብ ሞስኮ ግና ዝቐረበ ዕድመ የሎን . . . እዚ ምብጻሕ እዚ ንምፍጻም ግዜን ኩነታትን ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ” ቢሎም፥ ፍትሓዊ ሰላም ንምርግጋጽን ተጻብኦነት ከብቅዕን ምስራሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።