ድለ

2023.01.27 ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ባለስትረሮ 2023.01.27 ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ባለስትረሮ 

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ደ.ር. ኮንጎ፥ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ዕርቂ ንምምጻእ ዝሕግዝ እዩ!

ህዝቢ ኮንጎ እምነቶም ኣብ ምንባር ክመርሖም ዝኽእል መልእኽቲ ዝጽበዩ እዮም፡ ቅዱስ ኣቦና ዝረኸብዋ ሃገር ካብታ ቅድሚ 37 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበጽሕዋ ሃገር ኣዝያ እተፈልየት ምዃና ብጹዕነቶም ኣስተብሂሎም

ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤቶረ ባለስትረሮ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ጎዕዞ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገር ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝህልዎ ማሕታ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ደ.ረ.ኮንጎ ዘረጋግጽ ንዕርቂ ዘተባባዕን እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤቶረ ባሌስትረሮ ካብ 2018 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ከም ዝኾኑን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ደቡብ ኮርያ ሞንጎልያ ሆላንድ ዘገልገሉ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 3 ለካቲት ኣብ ደ.ረ.ኮንጎ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ዋላ’ኳ ብዙሕ ብድሆታት እንተሃለወ፥ “ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዝፈጠሮ ሓጎስ ኣዚዩ ልዑል ስለ ዝኾነ፡ ናይ ዕርቅን ሰላምን ሕልሚ ህዝቢ ተኻኣሊ ምዃኑ ዘረጋግጽን ናይ ሰላምን ዕርቅን ድሌት ህዝቢ ዝውሕስ እዩ” ኢሎም፥ “እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ከም ዘላን ር.ሊ.ጳ. ምስ ግዳያት ዓመጽ እታ ሃገር ምርኻቦም ንናይ ኮንጎ ህዝቢ ልቢ ዝልውጥ ንዕርቂ ዝዕድምን ዝተባብዕን ህሞት” ምዃኑ ይገልጹ።

ሰባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወት ንኣምላኽ ቦታ ኪህቡ ናይ ሓደራ ምሕጽንታ ሓደ ናይቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ሃገር ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መልእኽቲ እዩ - ስለዚህ እቲ ለውጢ ኣብ ኢድ ኮንጓኣውያን ምዃኑ ዝሓበረ እዩ” ምስ በሉ ቀጺሎም፥ “ንማሕበረሰብ ዓለም ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘለዎን ማሕበረሰብ ዓለም ‘ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ከይርእስዕን ግብረ ገባዊ ሕጹጽነት ከም ዘሎን ሰባት ሸለል ክበሃሉ ብፍጹም ዘይቅቡልን ዘይከኣልን እዩ” ዝብል “ኣብ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ” ከይርሳዕ ዝብል ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ዘነቓቕሕ” እውን እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ

ህዝቢ ኮንጎ እምነቶም ኣብ ምንባር ክመርሖም ዝኽእል መልእኽቲ ዝጽበዩ እዮም፡ ቅዱስ ኣቦና ዝረኸብዋ ሃገር ካብታ ቅድሚ 37 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበጽሕዋ ሃገር ኣዝያ እተፈልየት ምዃና ብጹዕነቶም ኣስተብሂሎም፥ “ንምትዕራቕ ስጉምትታት ክወስዱ ኣለዎም፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ግና ሩባ ጽልእ ሩባ ሕነ ምፍዳይ ከምቲ ሩባ ኮንጎ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝውሕዝ -  ናብ ኩሉ ክውሕዝ ኢና እንርእዮ፡ ዕርቂ እዩ ክውሕዝ ዘለዎ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ብምክብባር ብሓባር መጻኢ ክሃንጹ ዘኽእሎም ዘጋጥሞም ኩሉ ኣብ ምክፋል ክዓብዩ ኣለዎም።”

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደ.ረ.ኮንጎ

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ባሌስትረሮ ብዛዕባ እታ ኣብ ደ.ረ.ኮንጎ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ጸገማት ክዛረቡ ከለዉ፥ “እቲ ቀንዲ ጸገም ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ውልቃዊ ዘተ ከም ዝህልዋና ናብ ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ እተብጽሖን ከም ሃልዩ ወይ ማሪት ከም ዘይኮነ ምርግጋጽን ውሑስ ምግባርን ዝብል እዩ - ስለዚህ ዝተራኸብካዮ ክርስቶስ ንኽልኦት ምቕራብ ክራኸብዎ ምድጋፍን ዝብል እዩ።

እምነት ተስፋ ከይቆረጽና ኣብ መስቀል እውን ክንነብር ከም እንኽእል ይምህረና። ከም መደንዘዚ ዘይኮነስ ከም ሓቀይና መልሲ ናይ ህይወት መዓት ዘበለ ኩሉ ንምስዓር . . . እታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ዘላ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ እምነት ሓጎስ እተረጋግጽ እያ” ኢሎም።

ክውንነታት ዞባ ጎማ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ህልው ኩነታት ዞባ ጎማ ኣማኣኪሎም ክውንነታት እቲ ዞባ ኣዕናዊ ዓመጽ ዝተመልአ ምዃኑ ኣጉሊሖም፥ “እቲ ዘሕዝን 500 ሺሕ ተመዘበልቲ ምህላዎም እዩ። ካብዚኣቶም እቶም 250 ሺሕ ኣብ ከባቢ ጎማ ዝነብሩን - ሰብኣዊ ቀረብ ኩሉ ዘድልዮምን ብዙሓት ካብ ኣቶም ኣብ ጎደናታት ከም ዝሞቱን ብሰንኪ ለበዳ ህማም ሸሮኽ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጸገማት ምኽንያት ዘጋጥሞም እዩ - ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ኩነት እዚ ኣብቲ ካልእ ዘይበጽሖ ቤተ ክርስቲያን ካህናትን ደናግልን ህልዋን ኮይኖም ናይቲ ህዝቢ ስቓይ ኣብ ምክፋል ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ”።

ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይልታት ኤም-23 ዝቆጻጸሮ ከባቢ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብ መዳይ ህንጸትን ተዋፊረን ዘገልግላን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ምህላወን እውን ዘኪሮም፥ እተን ኣብ ኣባይቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ተዋፊረን ዘገልግላ ደናግል ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ርኢና እንተወጻና እቲ ዝጉዳእ ሕክምና ዘድልዮ ህዝቢ እዩ፥ ኣብ ህክምና ሕርሲ ዝህብኦ ኣገልግሎት ንደቂ ኣስንትዮ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝነኣድ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

07 February 2023, 15:22