ድለ

መንፈሳዊ ኪዳን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 መንፈሳዊ ኪዳን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 

መንፈሳዊ ኪዳን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16

ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ መገድን ሓቅን ህይወትንከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ጒድለታታት ብሓቂ ኣካሉ እያ

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 29 ነሓሰ 2006 ዓ.ም. ዝኸተምዎ “መንፈሳዊ ቃል ኪዳኖም” ቅድስቲ መንበር ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ኣብታ በነዲክቶስ መበል 16 ዝዓረፉላ ዕለት ወግዓዊ ዝገበረቶ ከምዚ ዝስዕብ ድማ ነቕርበልኩም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሔር ምስ ኩሉ ሓጢኣተይን ጉድለታተይን ኣብ ዘለኣለማዊ ቤት ክቕበለኒ ብትሕትና ክትጽልዩለይ እምሕጸን። ምእንቲ ኵሎም እቶም ብሕድሪ እተወሃቡኒ ልባዊ ጸሎተይ መዓልታዊ አቕርብ።

መንፈሳዊ ኪዳን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16

መንፈሳዊ ኪዳነይ

ኣብዚ ዳሕረዋይ ሰዓት ህይወተይ ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ፥ ቅድሚ ኩሉ ክሳብ ክንደይ ከመስግን ምኽንያት ከም ዘሎኒ እርኢ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቲ ህይወት ዝሃበኒን ኣብ ኩሉ ዓይነት ዘጋጥም ምድንጋር  ዝመርሓኒን ክወድቕ ምስ ዝጅምር ዘልዕለኒ ወትሩ ብርሃን ገጹ ከም ብሓድሽ ዝህበንን ወሃቢ ኩሉ ሰናይ ንዝኾነ ኣግዚኣብሔር አመስግኖ። ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ እቲ ጸሊምን ኣድካምን ምዝርጋሕ ናይዚ መገዲ እዚ ከይተረፈ ንድሕነተ ከም ዝነበረን ኣብቲ ምዝርጋሕ እቲ መገዲ ከም ዝመርሓኒ እርእን እርዳእን።

ነቶም ኣብ ጽንኩር እዋን ህይወት ዝሃቡኒን ብፍቕሮም ድንቂ ቤት ዘዳለዉለይን ወለደይ የመስግኖም። ኣብ ኩሉ መዓልታተይ ከም ድሙቕ ብርሃን ክሳብ ሎሚ ዝበርህ ናይ ኣቦይ ንጹርን ጽኑዕን እምነት ንኣይን ሓወይን ሓብተይን ክንኣምን መሪሑናን ኣብ ማእከል ስነ ምርምራዊ ፍልጠተይ ከም መምሪሒ ኮይኑኒ እዩ። ልባዊ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዓቢይ ሕያውነት ኣደይ ኣመስጊነ ዘይጸግቦ ውርሻ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ሓብተይ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ርእሰ ፍትወትን ብሕያውነት ሓልዮትን ሓብሒባትኒ እያ። ሓወይ ወትሩ ብግልጺ ምርኣይ ፍርድታት ብሓያል ቆራጽነቱን ብሓጎስ ልቡን መገዲ ዝጸረገለይ እዩ። ብዘይ እዚ ሓገዝ እዚ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ከለልይ ኣይምኽኣልኩን።

እግዚኣብሔር ስለ እቶም ወትሩ ኣብ ጎነይ ዘቐመጦም ብዙሓት ኣዕሩኽን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣስንትዮን ኣብ ኵሉ ደረጃታት መገደይ ንዝተራኸብክዎም መሳርትሕተይ ነቶም ዝሃበኒ መምህራንን ተመሃሮን ካብ ልበይ እመስግኖም፡ ንዅሉ ሰናይነቱ ብሓላፍነት ከመስግን እፈቱ። ከምኡ እውን ኣብ እግሪ ጎቦታት ባቫርይ ኣልፕስ ንዝነበረትኒ ጽብቕቲ ቤት ንጐይታ አመስግን።  ኣብኡ ድማ ጽባቐ ፈጣሪ ባዕሉ ብተደጋጋሚ ክደምቕ ክርኢ ክኢለ። ንህዝቢ ዓደይ ጽባቔ እምነት ክርኢ ስለ ዝፈቀዱለይ የመስግኖም። ሃገርና ናይ እምነት ሃገር ኮይና ክትቕጽል እጽሊ። ክቡራት ደቂ ሃገር እምነትኩም ትኩረትኩም ከይዘናጋዕ እምሕጸነኩም። ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ጉዕዞይ ክረኽቦ ዝኸኣልኩ ኩሉ ጽባቐ ብፍላይ ግን ኣብ ሮማን ኣብታ ካልኣይቲ ቤተ ኮይና ዘላ ኢጣሊያን ንእግዚኣብሔር የመስግን።

ንዅሎም ብገለ መልክዕ ንዝበደልክዎም ካብ ልበይ ይቕሬታ እሓትት።

እቲ ኣቐዲመ ብዛዕባ  ደቂ ዓደይ ዝበልክዎ ንኹሎም እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኸገልግሎም ሕድሪ ተዋሂቦምኒ ንዝነበሩ ሰባት ኣይትደናገሩ! ኣብ ኣምነት ጽኑዓት ኩኑ እብል። መብዛሕቲኡ ግዜ ስነ ፍልጠት ብሓደ ሸነኽ ባህርያዊ ስነ ፍልጠት ታሪኻዊ ምርምር (ብፍላይናይ ቅዱስ መጽሓፊ ስነ ትንተና)  ምስ ካቶሊክ እምነት ዘይጻረር ግንዛበታት ከም ዘለዎ ዘይከሓድ እዩ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዘ እቲ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ስነ ፍልጠት እተገብረ ለውጥታት ርእየ እየ። ብዛዕባ እምነት ዚገልጽ ዜተኣማምን ነገራት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጠፍአ ርእየ እየ፡ እዚ ኸኣ ስነ ፍልጠት ዘይኮነስ ፍልስፍናዊ ትርጒማት ናይ ስነ ፍልጠት ጥራይ ከም ዝኾነ ዜረጋግጽ እዩ። ንስልሳ ዓመት ኣብ ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሕፍ መጽናዕትታት ዝገብሮ ኣብ ዘለኹ ጉዕዞ  ነቕ ዘይብል ዝመስል ዝነበረ ክልሰ ሓሳብ ናይቶም ዝለዋወጡ ወለዶታት ክፈርስ እንከሎ ርእየ እየ። እዚ ኸኣ እቲ ናጻዊ ወለዶ  (ሃርናክ፡ ዩሊኸር ወዘተ.) እቲ ህላወኣዊ ወለዶ (ቡልትማን ወዘተ.) ማርክሳዊ ወለዶ።  ካብ ጽንሰ ሓሳብ ከመይ ኢሉ ርትዓዊ እምነት ከም እተቐልቀለ እሞ ከም ብሓድሽ ክቕልቀል ከሎ ርእየ እየ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ መገድን ሓቅን ህይወትንከምኡ እውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ጒድለታታት ብሓቂ ኣካሉ እያ።

ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሔር ምስ ኩሉ ሓጢኣተይን ጉድለታተይን ኣብ ዘለኣለማዊ ቤት ክቕበለኒ ብትሕትና ክትጽልዩለይ እምሕጸን። ምእንቲ ኵሎም እቶም ብሕድሪ እተወሃቡኒ ልባዊ ጸሎተይ መዓልታዊ አቕርብ።

03 Jan 2023, 15:54