ድለ

ቫቲካን ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዋዕላ የአንግድ ቫቲካን ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዋዕላ የአንግድ  (AFP or licensors)

ቫቲካን ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዋዕላ የአንግድ

ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርታትን ማዕርነትን ብምሕዝነትን ዘተን ምትሕብባርን ኣቢሉ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ዳግመ ሕንጸት - ሰብኣውነት ሕብረተሰብ ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ንምሕባር

ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ብዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዳለወ ክሳብ ዕለት  27 ጥሪ ዝቕጽል ኣህጉራዊ ዋዕላ ዕለት 25 ጥሪ ከም እትጀመረን፥ ናይዚ ዋዕላ እዚ መርሕ ቃል፥ “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ናይ ዘተ ባህሊ ይሃንጻ” ዝብል ኮይኑ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ መደብ ምስ ማሕበር ካቶሊካውያን ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ምስ ዝጥርንፍ ማሕበር ብምትሕብባር ከም እተዳለወን ብሃገረ ቫቲካን ተኣንጊዱ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መርበባዊ ርክብ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዕላማ ኣማኣኪሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እቲ ንሰለስተ መዓልቲ ዝካየድ ዋዕላ፥ “ብሓደ ወገን ካብ ዝተፈላለየ ኩነታት ዝመጽእ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ንሓባር ዘተ ዝግበር ተበግሶታት ንምስማዕን በቲ ካልእ ወገን ድማ ዓለም ለኻዊ ሃይማኖታዊ መርበባዊ ርክብ ዘዕስሎ ልምድታትን መንፈሳውነትን ንምምዕባለ ዝዓለመ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብመንገዲ ምድንፋዕ ናይ “ዘተ ባህሊ፡” ከምኡ እውን ናይ . . . ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርታትን ማዕርነትን ብምሕዝነትን ዘተን ምትሕብባርን ኣቢሉ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ዳግመ ሕንጸት - ሰብኣውነት ሕብረተሰብ ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ንምሕባር እዩ።”

እቲ መግለጺ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዝደረስዎ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ “ብዛዕባ ናይ ርክብ ባህሊ ምዝራብ ማለት ከም ህዝቢ ክንራኸብ ምድላይ፥ ዘራኽብ ናይ ሓባር ረቛሒ ምድላይ ድልድል ምህናጽ ንዅሉ ዘሳትፍ ነገር ምውጣን ድልየት ኣሎና፡ እዚ ኣስተንፍሶ ንናይ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ናብራ ኮይኑ ኣሎ” ብዝብል ጥቕሲ ይዛዘም።

26 January 2023, 16:06