ድለ

ራትዚንገርን ጉዕዞ እምነትን ራትዚንገርን ጉዕዞ እምነትን  ርእሰ ዓንቀጽ

ራትዚንገርን ጉዕዞ እምነትን

“ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቅን መገድን ህይወትን እዩ - ቤተ ክርስቲያን ድማ ምስ ኩሉ ጉድለታታ ብሓቂ ‘ኣካሉ’ እያ” እንክብሉ የነጽሩ

ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ “በነዲክቶስ መበል 16 ምስክርን ናይ ዘተ ምስ ኩሉ መምህርን” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ እዞም ዕለት 31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምሉእ ህይወቶም ብዛዕባ ምኽንያታውነት እምነት ዘስተንተኑን ዝመሃሩን ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ር.ሊ.ጳ. ክንዛረብ ኣንተድኣ ኮይንና ብዛዕባ ዮሴፍ ራትዚንገር ኢና ክንዛረብ። ኣብታ ዝዓረፉላ መዓልቲ ብወግዒ ዝተነግረ መንፍሳዊ ኪዳኖም ከም ዘመልክቶ፥ “ርትዓውነት እምነት” ዘመላኽትን ከም ብሓድሽ ነዚ ነቕ ዘይብል ምኽንያታውነት እምነት ዘርእዩ እዩ። “ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቅን መገድን ህይወትን እዩ - ቤተ ክርስቲያን ድማ ምስ ኩሉ ጉድለታታ ብሓቂ ‘ኣካሉ’ እያ” እንክብሉ የነጽሩ።

ብኣረኣእያ ራትዚንገር -  እምነት ናብ ፍልስፍናዊ ‘ስርዓት’ ናብ ‘ስነ ንድፈ ሓሳብ’ ከምኡ እውን ናብ ‘ስነ ምግባራዊ ስርዓታት’ ምውራድ ኣብ መወዳእታ ክርስቲያናዊ እምነት ምስ ሓደ ሰብ ዝግበር ርክብ ምዃኑ ምርሳዕ ማለት ምዃኑ ኣብታ ቀዳመይቲ “እግዚኣብሔር ፍቕሪ” እዩ ዝርእታ ዓዋዲት መልኽቶም ብቐንዱ ብተደጋጋሚ የጉልሕዎ። ኣብታ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም. ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ሀርደር ኮረስፖንደንዝ” ምስ እተሰምየት መጽሔት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣማኒ ንገዛእ ርእሱ ሕቶ ዘበግስ ሰብ እዩ። . . . በዚ መዳይ እዚ ናብ ‘ንጹሕ ሰረተ እምነት ምህዳም ዚብል ሓሳብ ዘይክውንነታዊ ምዃኑ የመላኽቱ። . . . ስለዚ ትምህርቲ እምነት ኣብን ካብን እምነት እዩ ክምዕብል ዘለዎ ካብዚ ወጻኢ ክምዕብል ኣይክእልን እዩ።

ድሮ ከም ካርዲናል መጠን ኣብ 2001 ዓ.ም. ብዛዕባ እምነት ዝንክይዎ ጒዳያት ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ባህሪ እምንት ጉዕዞ ምዃኑ ይምህሩ። ልክዕ ከም ናይ ህይወት ጉዕዞ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝርከብ። ካብ ስነ ሓሳብ ናይ ምዃን ሓደጋ ክወጽእ ምግባር ጥዑይን ትኽክለይናን ኣገባብ እዩ። . . . እምነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህላወ ጭንቀትን ሓይልን ዘይምእማን ክሳብ ነዚ ኵነታት ዝጻወር ድማ እናበሰለ ዝኸይድ እዩ ዝኸውን።

እምነት ከምቲ በነዲክቶስ መበል 16 ዘዘኻኽርዎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ደጋጊሞም ክዝክርዎ ዝፈትዎ “እምነት ብስሕበት ጥራይ እምበር  በገባብ ምስዳዕን ጸቕጥን ዘይኮነ . . . ዕሹግ መልሲ ዘለዎ ዘይኮነ . . . ጸጋ እዩ! ስለዚ ምስ ኩሉ ዝኣምንን ዘይኣምንን ዝዝትይ ህላወኣዊ ምጥርጣራትን ኣቑሳልን ዘሰንይን በዚ ጭቡጥ ኩነታት እዚ ኣቢልና ንኣምላኽ ክንደልዩዩ ይጽውዑ። ናይዚ ዓይነት ጉዕዞ እምነት እዚ ባዕሎም ጆሴፍ ራትዚንገር ምስክር እዮም እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

02 Jan 2023, 15:58