ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ብግጭት ዝተሃስየት ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክገሹ ይዳለዉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ብግጭት ዝተሃስየት ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክገሹ ይዳለዉ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ብግጭት ዝተሃስየት ደ.ረ. ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክገሹ ይዳለዉ

ኣፍሪቃ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እቲ 20 ሚእታዊ እትሽፍን ከም ዝኾነትን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ክገሹ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡ ክልቲአን ሃገራት ብዓመጽን ምፍልላይትን ከምኡ እውን ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዘስዓቦ ኣቑሳል ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ከም ዝኾናን ቅዱስነቶም ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘካይድዎ ምብጻሕ ተስፋን ሰላምን ዘተባብዕ ከም ዝኸውን እውን ተስፋ ተነቢሩሉ ከም ዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ክብጽሕወን ዝኾኑ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነብርኦ ዘለዋ ኵለ መዳያዊ ዘይውሕስነት ኣማኣኪሎም ጋዜጠይናታት ንዘቕረብሎም ሕቶታት እክምልሱ፥ “ኣብ ክቲአን ሃገራት ስግኣት የሎን” ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዝሃብዎ መገልጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፥ ብዛዕባ እዚ ጉዕዞ እዚ ኣመልኪቶም ብሩኒ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ናይ ቅዱስነቶም ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን መገሻኦም ዝርዝር መርሓ ግብሪ ከም ዘቕረቡን እዚ ጉዕዞ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ከካይድዎ ተወሲኑ እንተነበረ ኣብቲ እዋን ብዝሓደሮም ሕማም ብርኪ ከም ዘሰጋገርዎ ኣዘኻኺሮም ድሕሪ ኣብ ዝከያድዎ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሓዋርያዊ ዑደት ብናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳትን ምስ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ ተሰንዮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መበል 40 ዓለም ለኻዊ ዑደት

ብሩኒ ወሲኾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እዚ ናብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓርያዊ መገሻ ሓዊስካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ መበል 40 ከም ዝኸውንን 60 ሃገራት ዘጠቓልል እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1980 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 1985 ዓ.ም. ኣብ ኮንጎ ከም ዝበጽሑን . . . ቅድሚኦም ዝነበሩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ሃገረ ኡጋንዳ ኣብ 1969 ዓ.ም. ምብጻሕ ዘካየዱ ጳውሎስ ሻድሻይ ከም ዝነበሩን እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ኣፍሪቃ መበል 20 ር.ሊ.ጳጳሳዊ መገሻ ዘጠቓልል ኮይኑ ቅዱስነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ራብዓይ ሃዋርያዊ መገሻ ምዃኑ ገሊጾም እዚ ኸኣ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኬንያን ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሞሮኮን ሞዛምቢክን ማዳጋስካርን ሞሪሸስን ዘካየድዎ ምብጻሕ ዘጠቕላል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣፍሪቃ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እቲ 20 ሚእታዊ እትሽፍን ከም ዝኾነትን እዚ እውን ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ ቢሎም፥ ንህይወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ዘለዋ ብዝሒ መንእሰያት ርኢኻ ዓቢ ተስፋ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መግሻ ዝርዝር መርሓ ግብሪታት

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዑደቶም፥ ኣብ ሰሜን ኪቩ ብፍላይ ናብታ ምርግጋእ ዘይረኣየላ ከተማ ጎማ ክበጽሑ ከም ዝኾኑን ኣብታ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብላጺ ኣብ ዝኾነላ ሃገረ ድቡብ ሱዳን ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይ ርሑቕ ምንዮቶም ከም ዝነበረን ኣብዘን ግጭትን ምፍልላይን ዝረኣየለን ሃገራት ሰላምን ሕውነትን ፍቕርን ክዘርኡን ነቲ ህዝቢ ብቐረባ ቃል ተስፋም ሰላምን ከብጽሑን ከም ዝኾኑን ስለ እዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኵሎም ምእመናን እውን ብጸሎት ከሰንይዎም ሓደራ ከም ዝበሉ ብሩኒ ሓቢሮም ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 January 2023, 16:07