ድለ

ፓሮሊን ኣብ ሉርድስ፥ መምርሒ ስነ መላዊ ርክብ ቫቲካን ይገልጹ ፓሮሊን ኣብ ሉርድስ፥ መምርሒ ስነ መላዊ ርክብ ቫቲካን ይገልጹ 

ፓሮሊን ኣብ ሉርድስ፥ መምርሒ ስነ መላዊ ርክብ ቫቲካን ይገልጹ

“ሰላም ካብ ናይቶ ኣዚዮም ዝደኸዩን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ጀሚርካ ከም ፍረ ፍትሓዊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት” ምዃኑ

ኣብ ፈረንሳ ብምኽንያት መበል 26 ዓመት ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ዝተወፈየ ብፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መራከቢ ብዙሓን ዝወሃብ ስልማት ዣክ ሃመል ስነ ስርዓት ዝተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ሰላም ኲናት ዘይምህላው ዘይኮነስ ናይ ሰናይን ቅኑዕን ዝምድናታት ፍረ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታትን ጋዜጠይናታትን ብሕይወት ኢየሱስ ዘራኽቡን ዝምስክሩን” ክኾኑ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኵሉ ብማዕረ ክዕወተሉ ዘኽእል ፍታሕ ንምርካብ ምይይጥን ዕርቅን እዩ ዘድሊ፡ እዚ ሓቂ ንጥቕምካ ቢልካ ናይ ሓሶት ዜናታት ምፍናው ከይህሉ ዝብል ኣሰራርሓ ይጠልብ። ፍትሒ ማለት ክብርን መሰላትን ካልኦት ምኽባር ሓድነት ማለት ንዋላ ሓደ ድሕሪት ዘይምሕዳግን ዘይምንጻልን ማለት እዩ። ናጽነት ማለት ከም ሰብን ህዝብን መጠን ገዛእ ርእስኻ ናይ ምዃን ትምኒት እዩ። እዚ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሉርድስ ኣብ መበል 26 ዓመት ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ደ ሳለስ ዝተወፈየ ብፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኽቢ ብዙሓን ዝወሃብ ስልማት ዣክ ሃመል ስነ ስርዓት ተረኺቦም ንተጋባእያን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡

ሰላም ኲናት ዘይምህላው ማለት ኣይኮነን

ቅድስቲ መንበር ይብሉ ብጹዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት - ብሓቂ ኣብ ኣህጉራዊ መድርኽ እትሰርሕ “ነቲ ሰላም ኲናት ዘይምህላው እዩ ብዝብል ኣመለኻኽታ መሰረት ብዝኾነ ይኹን ዓይነት መገዲን መጋበርያን ሰላም ንምርግጋጽ” ዘይኮነስ፡ “ሰላም ካብ ናይቶ ኣዚዮም ዝደኸዩን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ጀሚርካ ከም ፍረ ፍትሓዊ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት” ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ሓሳብ እዚ ተስፍሕን ትድግፍን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭካነ ናይቲ ተፈናጪሉ ኣብ ዓለም ናይ ዝከይድ ዘሎ ‘ሳልሳይ ውግእ ዓለም’

ካብ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፥ ብዛዕባ ግደ ቤተ ክርስቲያን “ካብቲ ንዓለም ናብ ደልሃመት ዘእትው ታሪኽ” ኣካል ከይትኸውን ዝብል ሓሳብ የስምዑ ከምዝነበሩን ጳውሎስ ሻድሻይ እውን “ሰላም ብመገዲ ሰላም ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ” ዝበሉን ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝበለዎ መሰረት ገይሮም፥ “ህንጸት ሰላም ብትምህርትን ዘተን ጥራይ ክህነጽ ከም ዝኽእል” ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብሪሆም . . . ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም ክሳብ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተባርዐ ውግእ . . . ዝተፈናጨለ ውግእ ሳልሳይ ዓለም ዕንወትን ሞትን የስዕብ ኣሎ . . .

ሓደገይናነት ‘ወልፊ ውግእ’

ኣብዚ እዋን እዚ መዓልታዊ ዝበጽሓና ኣብ ዩክረይንን ኣብ ካልኦት ቦታታት ዓለም ናይ ዝካየድ ውግእ መግለጺ ዘበለ ሓበሬታ ኣብ ዓለም ለብዒ ወልፊ ሓደጋ ኣሎ ዘብል እዩ። . . . ብዛዕባ እቲ በበመዓልቲ ዝፍጸም ቅትለት ኣማኢትን ዕንወትን መጥቓዕትን ዝገልጽ ዝበጽሓና ሓበሬታ እናተለማመድናዮ ንኽንከይድን ብዛዕባ እቶም ህጻናት ዜጋታትን ዝቕተሉ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያንን ዘኽታማትን መበለትን ህሙማንን መላእ ዜጋታትን ከተማታትን ዝወርድ ኵለ መዳያዊ ሓደጋ ኣቃልቦ ከይንህበሉ ዝድርኸና ዘሎ ይመስል፡ . . .

ኤኮኖሚ ብኣፋሳስ ደምን ጥምየትን ዝስስን ክኸውን የብሉን

ፖለቲካ ቁጠባ ኢንዳስትሪ ኣጽዋርን “ደም ብምፍሳስ ወይ ንመላእ ህዝቢ ንጥምያት ኣብ ምቅላዕ” ክብልጽግ ኣይክእልን” ዝበሉ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም - ህዝብታት “ሰላም እምበር ውግእ ኣይኮነን እንጀራ እምበር ኣጽዋር ኣይኮነን ሓልዮት እምበር ዓመጽ ኣይኮነን፡ ፍትሒ እምበር ቁጠባዊ ምዝመዛ ኣይኮነነን፡ ሓቀይና ክብርታት ምኽባር እምበር ምልኪ ናይ ሓደ ሰብ ኣይኮነን፡ ቅንዕና እምበር ምስሉይነት ኣይኮነን፡ ግልጽነት እምበር ብልሽውና ኣይኮነን . . . ተሓዳሲ ጸዓት እምበር ንናይ ሓባር ቤትና መጻኢ ዕድል ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ኣይኮነን ዝሓትቱ” ከም ዝበሉን፥

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሉርደስ

እቲ ብፈደራላዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን በቢ ዓመቱ ዝዳለው ብሉጻት ጋጠይናታት ተባሂሎም ንዝሕረውዩዝወሃብ ናይቶም ብኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ዝተቐትሉ ፈረንሳዊ ካህን ሰማእት ኣባ “ዣክ ሃመል” ስም ዝጽዋዕ ናይ 2023 ዓ.ም. ስልማት ንናይ “ለ ፐሪን” ሰሙናዊ መጽሔት ጋዜጠይና ዘጋቢ፡ ታሪኽ ናይቶም ኣብ ማሊ ብጅሃዳውያን ተጨውዮም ዝነበሩ ኣባ ፒየርልዊጂ ማካሊ ኣብ ኢድ ጨወይቶም ንኽልተ ዓመት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ብተኸታታሊ ብዘቕርብዎ ዝነበረ ሓበሬታ ምኽንያት ከም እተወሃቦምን ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ ቀትር ዕለት 27 ጥሪ ንዅሎም ተጋባያን ዘሳተፈ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ . . . ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኣብዚ ኵሉ ፈሰስ ኣብ ዝኾነሉ ተቐያያርን ማሕበረሰብ ነፍሲ ወከፍ ክውንነትን ስነ ህላወን ስነ ኣእምሮኣውን ንደረት ሰገር ሓቂ ቁጥዑ ኣብ ዝኾነ ዓለም ንሕና ካቶሊካውያን ከመይ ገርና ክንስማዕ እንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም . . . እምበርኣር ነቲ ነፍሲ ወከፍ እተጠመቐ ዝተቐበሎ ተልእኾ ዳግማይ ንምሕያል ብባህሪኡ ንኸገልግል ይጽዋዕ፡ እዚ ንምሕባርን ንኻልኦት ሓበሬታ ምቕራብን ዘጸውዐ እዩ” እንክብሉ መልሲ ከም ዝሃብውሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊ ጋዜጠይና ኢየሱስ ክርስቶስ ክምስክር ኣለዎ

“ካቶሊካዊ ጋዜጠይናን ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሓን ጋዜጠይና ምዃን ባዕሉ ብሓቂ ካብ ደገ ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ዘለዎ ቅርበት ካብቲ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ፍቕሪ ዝመጽእ እዩ” . . . ስለዚ እቶም ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥቡቕ ምትእስሳር ክፈጥሩ ኣለዎም . . . ኣብቲ ኵሉ ብዓቃን ጽፍሒ ዝተጸቕጠሉን ናብ ሓደ ዝመስል ደረጃ ኣብ ዝጸፍሓሉን ዓለም ነቲ ዘይተኣደነ ክትግምቶ ዘይከኣል ዋጋ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እምነት ናይቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ክርቲያናዊ ትምህርትን ጥበብን ነከዕምቖ ክነብሮን ከነመሓላልፎን ግዴታ ኣሎና” እንክብሉ ኣተሓሳሲቦም፥ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ከነሐድስን መሰኻኽር እዚ ርክብ እዚ ክንከውንን እዚ ድማ ሎሚ ልዕሊ ኩሉ “ምስ ጎይታ ዘሎና ምትእስሳር ንምሕያልን ቀጥዒ ህይወትና ምግባርን ማለት እዩ” እንክብሉ ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 January 2023, 16:45