ድለ

ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት ወሳኒ ግደ ጳጳሳት ዘጉልሕ ደብዳቤ መራሕቲ ሲኖዶስ ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት ወሳኒ ግደ ጳጳሳት ዘጉልሕ ደብዳቤ መራሕቲ ሲኖዶስ  (Vatican Media)

ኣብ መስርሕ ሲኖዳውነት ወሳኒ ግደ ጳጳሳት ዘጉልሕ ደብዳቤ መራሕቲ ሲኖዶስ

ብቅዲ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ብዝዓበና መጠጥ ኩላትና ከም ኣባላት ህዝቢ እግዚኣብሔር - ምእመናንን ጓሶትን - ንቃል . . . ኣምላኽን ትውፊትን ከም ቤተ ክርስቲያን እሙናት ንኽንከውን ንመሃር

ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፍን ናይ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ናብ ኩሎም መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ጳጵሳት ሃገረ ስብከትን ኤጳርቅናን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ ብዛዕባ ተራ ጳጳሳት ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ዝምልከት ራእይቶታት የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጽዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረችን ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽን ብቕደም ተኸተል ዋና ጸሓፍ ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስን ናይ ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤን ናብ ኩሎም ጳጳሳት ዓለም ኣብ ዝመሓላለፍዎ ደብዳበ “ንሓባራዊ ርድኢት ናይ ሲኖዶስ መስርሕ . . . ምዕባለታቱን ከምኡ እውን ትርጉም ናይዚ ሕጂ ዘሎ መድረኽ ኣህጉር” የካፍሉ።

ብጹዕ ካርዲናል ግረችን ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽን ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምህሮ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን “ሓላፍነት” ከምኡ እውን “ንኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምሕጸኑ” ከም ዝኾኑ ብምጥቃስ ይጅምሩ። እቲ ናይ ሲኖዶስ ምኽንያት ባዕሉ “ናይቶም ኣብ መወዳእታ ዝተኻየዱ ሲኖዶሳት ተመክሮ ንምምልካት” ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ሕጂ ዘሎ መሰርሕ ሲኖዶስ “ተራ ጓሶትን ኣብ ዝተፈላለየ መድርኻት ዘለዎም ተሳትፎን ዝያዳ ወሳኒ” ከም ዝገብሮ ይሕብሩ።

“ንሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን”፥ እቲ እንኮ ናይቲ ሲኖዶስ ምረሕ ቃል

ኣብቲ ደብዳበ ክልቲኦም ካርዲናላት፥ ነቲ እንኮ ዋና መስርሕ ሲኖዶስ፥ “ንሓንቲ ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሕብረትን ተሳትፎን ሱታፌን” እንክብሉ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

ስለዚ ኣብ ውሽጢ እቲ መስርሕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃታት ክንሕድሶ ዝተጸዋዕናሉ እንኮ መርሕ ኣርእስቲ ንሱ እዩ!

ኣብዚ መስርሕ ሓሳብ እዚ ብፍሉይ ትኹረት ምግባር፡ ካልኦት ኣርእስታት በቶም “ብጉባኤ ዝምዘዙን ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ዘተ ዝተገብረሉ ዕሽሽ ዝብሉን ብሕቡእ ምትእትታው” ንኸይህሉ ዝኽልክል እዩ።

ኣብቲ ደብዳቤ ኣብ መጀመርታ ምዕራፍ ሲኖዶስ፥ “ስፍሓት ወይ ወሰን ናይቲ መስርሕ ኣርእስቲ ርዱእ እዩ” ቢሎም፥ እንተኾነ ግን በብቑሩብ ኣብ ስዒቡ ዝመጹ ስጉምትታት ተነጺሮም ኣለዉ፡ “ኣብ መድርኽ ሃገረ ስብከት ዝፈረዩ ምትእኽኽባት፡ ውጽኢት ናይቲ ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተገብረ ምምኽኻር ኣበርክቶ ብዝምልከት ጓሶት ዝረኸብዎ ምስትውዓል ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ” ይብሉ።

እቲ ናይ ኣህጉራዊ መድርኽ ናይ ስራሕ ሰነድ ብግዲኡ ነተን ናይቲ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ንኻልኦት ክሰምዓ ዕድል ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ኣብቲ ሰነድ ዝቐረቡ ኣርእስታት፥ “ናይ ዝቕጽል ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝክረ ነገር ኣይኮኑን” እንክብሉ የብርሁ።

ቀዳምነታት ምልላይ

እዚ መስርሕ ምስማዕ እዚ፥ እተን ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ነፍሲ ወከፈን እንታይ ከም ዝቃላሕ ክውስና ዘኽእለን ኮይኑ፥ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክካፈሉን ክዝተየሎምን ዝኽእል “ቀዳምነታት” ተደጋጋሚ ኣርእስታትን ጻውዒት ንተግባርን” ከለልዩ ዘኽእሎም እዩ። እቲ ተስፋ “ኣብ ኣህጉራዊ ጉባኤታት ድምጺ ናይተን ፍሉያት ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝያዳ ሓይሊ ብዝለዓለ ድምጺ ክቃላሕ እዩ።”

ብቅዲ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ብዝዓበና መጠጥ ኩላትና ከም ኣባላት ህዝቢ እግዚኣብሔር - ምእመናንን ጓሶትን - ንቃል . . . ኣምላኽን ትውፊትን ከም ቤተ ክርስቲያን እሙናት ንኽንከውን ንመሃር

እዚ ሲኖዶስ እዚ ብጹዓን ካርዲናላ ብቐዳምነትን ልዕሊ ኩሉን “ነቲ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጀሚሩ ንቤተ ክርስቲያን ዝፈታተን ዘሎ፥ ‘ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ገዛእ ርእስኺ እንታይ ትብሊ?” ናይ ዝብል ሕቶ  መስሊ፥“ኣብታ ‘ንቅዋማዊ መገዲ ሲኖዳዊት’ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፡ ኩሎም ነቲ ናይ ሓባር ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ንምፍጻም ኣብ ግምት ብምእታው ቤተ ክርስቲያናዊ መስህብ ክጥቀሙ ዝተጸውዑላ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ክርከብ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ኣርእስቲ መስርሕ ሲኖዶስ

መስርሕ ሲኖዶስ . . . ድማ እዚ ከመይ ከም ዝክኣል ዘርኢ እዩ፥ ቅዱስ ህዝበ እግዚኣብሔር ንምዃን ዝሕግዝ እዩ” ብልክዕ በቲ ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ኣብ ገዛእ ቤተ ክርስቲያኑ ናይ ዘካይዶ መስርሕ ምስማዕ ዘነጽር እዩ።

ጳጳሳት እምበኣር ኣብቲ መስርሕ ክልተ ዕጽፊ ተራ ኣለዎም። ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝግበር ምምኽኻር ይመርሕዎ። ኣብ ዝቕጽል መድርኻት ድማ ናይ ምስትውዓል መስህብ ይጥቀሙ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ. ንሶም ድማ “ንጉባኤታት ሲኖዶስ ይጽውዑን ይመርሑን የጽንዑን።”

በዚ መገዲ እዚ ኣገልግሎት ጳጳሳት “ንጉዕዞ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝያዳ ወሳኒ ይኸውን” ቢሎም ኣብ መደምደምታ ክልቲኦም ካርዲናላት ኣብ መልእኽቶም፥ ጳጳሳት ኣብ መንጎኦምን ምስን - ኣብ ሕትሕትን ር.ሊ.ጳጳሳትን ተጠርኒፎም “ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእስር ሰላምን ፍቕርን ሓድነትን” ከም ዝውክሉ ብኣጽንዖት የስምሩሉ።

30 January 2023, 16:10