ድለ

2023.01.12 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ 2023.01.12 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ናይ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ዋና ኣመሓዳሪ፥ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዘይብላ ዓለም ክትህሉ ቃል ምእታው

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ቅልውላዋት ብዙሕነታዊ ማለት ብዝሓ ጎናውነት ኣካይዳ ኽህሉ ደጋጊሞም ይገልጹ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝመጽእ ደገፍ ካሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ዋና ኣመሓዳሪ ራፋኤል ማሪያኖ ግሮሲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ግሮሲ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣልቦ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ዓለም ክህልወና ቃል ምእታዊ የድሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓሙስ ዕለት 12 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንዋና ኣመሓዳሪ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ከም እተራኸቡን ድሕሪ እዚ ዘካየድዎ ርክባት እውን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፥ ንኣህጉራዊ ቅልውላዋት ብዙሕነታዊ መፍትሒታት ምርካብን ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምውጋድን ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ንመመንጨዊ ኑክለሳዊ ሓይሊ ዛፖሪዝዝያ ከም ዝዳህሰሱን ኣብ ዩክሬይን ግጭት ካብ ዝባራዕ ንሓሙሽተ ግዜ ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ኣፍሊጦም።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ተንጠልጢሉ ዘሎ ኑክለሳዊ ስግኣት ከቢድ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ብትሪ ይኹንኑ። ብዛዕባ እዚ ስግኣት እዚ እንታይ ስምዒት ኣለኩም? ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተራኸብኩሉ ምኽንያት ኣብዚ ጽንኩር እዋን ብዛዕባ እዚ ስግኣት እዚ ዝህብዎ መልእኽቲ ምስ ዝተሓላለኸ ኣህጉራዊ ዝክር ነገራት መተካእታ ዘይብሉ ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ እዩ። እቲ ብኣኦም ዝምራሕ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ንጉዳይ ዩክረይን ጥራሕ ዘይኮነ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ብቐረባ እዩ ዝከታተሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኑክለሳዊ ትካላት ውሑስ ምግባር ህጹጽን መተካእታ ዘይብሉን ምርጫ ኮይኑ ከም ዘሎ ንጹር እዩ። . . . ስለዚ ኑክለሳዊ ሓደጋ ከይህሉ ሓለዋ ንምግባርን ጸጥታን ደሕንነትን ንምርግጋጽ ኣብ መንጎ ምስኮን ኪየቭን ፖለቲካዊ ስምምዕ ወሳኒ ምዃኑ የብርሁ . . . ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ቅልውላዋት ብዙሕነታዊ ማለት ብዝሓ ጎናውነት ኣካይዳ ኽህሉ ደጋጊሞም ይገልጹ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝመጽእ ደገፍ ካሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ? መሰረታዊ እዩ! እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ደገፍ መሰረታዊ እዩ። ምኽንያቱ ብመንጽር ሰላም ኣገዳስነቱ ዘጉልሕ ከም ድምጺ ር.ሊ.ጳ. እዚ ኸኣ ኣድማሳዊ ወይ ኩላዊ ድምጺ ስለ ዝኾነ፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት እዚ ኣብ ኤውሮጳ እውን እንተኾነ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብቐጥታ ዝምልከት እውን እዩ። ምእንቲ እዚ ድምጺ ር.ሊ.ጳ. ምስማዕ መተካእታ የብሉን። ካቶሊክ ስለ ዝኾንኩ ዘይኮነስ ድምጾም ንኹሉ መንፈሳዊ መምርሒ ክኸውን ስለ ዝኽእል እዩ። . . .

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ
ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ   (ANSA)

ብዛዕባ መመንጨዊ ኑክለሳዊ ሓይሊ ዛፓሪዝዝያ ብዝምልከትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ድሕንነት - ውሑስ ዞባ ምፍጣር ከም ዘድሊ ገሊጽኩም፡ ኣብ ዩክረይን እውን ምብጻሕ ኣካይድኩም ኢኹም። ዛዕባ ናይ ደሕንነት ዞባ ምፍጣር ብዝምልከት እንታይ ትጽቢት ይግበር? እዚ ጉዳይ እዚ እደ ጥበባውን ከምኡ እውን ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያት ዘጠቓልል ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ክግበር ዘለዎ ዘተ ቀሊል ከም ዘይከውን ርዱእ እዩ። ምስ ልኡካነ ሃገራት ጥራይ ዘኮነስ ምስ ፖለቲካዊ መራሕቲ ምስ ወተሃደራዊ ኣካላት እውን እየ ዝዘራረብ፡  ምስቶም ኣብ ንጡፍ ናይ ወግእ ዞብ ወተሃደራዊ ተልእኾን ዕላማን ዘለዎም ሰባት። ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ንማሕበረሰብ ዓለም ብንጹር ሓበሬታ ክህብ ኣሎኒ። . . .

ር.ሊ.ጳ. ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ብምኽንያት ሓደሽ ዓመት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ብዛዕባ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ከምኡ እውን ብዛዕባ ኑክለሳዊ ጸዓት ምስ ኢራን ዝግበር ዝነበረ ዘተ ምቁራጹ ከም ዘሰክፎም ገሊጾም ነሮም፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ምይይጥ ክብገስ ዕድላት ኣሎ ዶ? ር.ሊ.ጳ. ሓቆም እዮም፡ ዕጽዋ ኣሎ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ድርድር ተቛሪጹ እዩ፡ ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዕጽዋ ኣሎ፡ እቲ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ነዚ ፖለቲካዊ ባዶነት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእን ሓደገይናን ጉዳይ ክሓድጎ ዘይደሊ፥ ብውልቀይ እውን ዝጽዕረሉ ዘለኹ መስርሕ እዩ። ሓፈሻዊ ስምምዕን ከምኡ እውን ምስቲ ትካል ዝግበር ስምምዕ ኣሎ። . . . ናብ ተሄራን ኪኸይድ ተስፋ እገብር። ምኽንያቱ እቲ ዝመርሕዎ ትካል ናይ ስምምዕ ቦታ ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ዝግበረሉ መድረኽ እዩ . . . ።

ፍራንቸስኮ ኑክለስያዊ ኣጽዋር ምጥቃም ጥራይ ዘይኮነስ ምሓዙ እውን ኢስነምግባራዊ ተግባር እዩ እንክብሉ ብተደጋጋሚ እውን ይኹንንዎ፡ እቲ ንስኹም እትመርሕዎ ትካል ንበይኑ ሰላማዊ ኣጠቓቕማ ኑክለሳዊ ሓይሊ ንምድንፋዕ እንታይ ክገበር ይኽእል? ብፍላይ ኣብዚ ካልእ ቅልውላው ማለት ምዝናዕ ባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ ዝወቕዓና ዘሎ እዋን፡ ኑክለሳዊ ሓይሊ ብፍሉይ ንሰላማዊ ጒዳያት ምጥቓም ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያት ካብ ኣጠቓቕማ ፍሓምን ዝኣመሰሉ ከባቢ ኣየር ካብ ዝብክሉ ነገራት ናጻ ዝገብርን ፍታሕ ዝህብን እውን እዩ። . . . እቲ ዘተሓሳስብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምውናን ዝብል ጉዳይ እዩ። ድሮ ኣጸጋሚ ኣህጉራዊ ኩነታት ስለ ዘሎና ካብዚ ንላዕሊ ካልእ ጸገም ክንፈጥር የብልናን፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፥ “ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውሕስነት ኣይህብን እዩ፥ ስግኣትን ዘይውሕስነትን እዩ ዘተኣታትው፥ ስለዚ እዚ ሓቂ እዚ መንግስታት ክኣምንሉ ይግብእ። ምኽንያቱ ማንም ክሓኮ ዘይከኣሎ ሓቂ እዩ። ብውግእን በጽዋር ውግእን ዝወሓስ ነባሪ ሰላም የለን” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

13 Jan 2023, 15:25