ብጹዕ ካርዲናል ረ፥ ካርዲናል ፐል ኣብ ኣጸጋሚ ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወቶም እምነት ደገፍ ኮኖም
ብጹዕ ካርዲናል ጆርጅ ፐል ኣብ መበል 81 ዓመት ዕድመኦም ድሕሪ ዝተገብረሎም ናይ ምሕኵልቲ መጥባሕቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 10 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ከም ዝዓረፉን፥ ዕለት 14 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ብዝመርሕዎ ጸሎተ ኣማሕጽኖተ ነፍስን ጸሎት ግብኣተ መሬትን ስነ ስርዓት ቀብሪ ከም እተፈጸመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ማሕበር ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ሃንደበት ሞት ልሂቅ ህየንተ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ብጹዕ ካርዲናል ፐል” ንዅሉ ከም ዘሰንበደ ገሊጾም። ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወት ነፍስሄር ብጹዕ ካድናል ፐል “ብዘይፍታሓውን መሪርን ውግዘት ከም ዝተለለየ” ኣዘኻኺሮም፡ “ኣብ 2017 ዓ.ም. ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶምን እዚ ድማ ማእሰርቲ ከም ዘስዓበሎምን ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ዝለዓለ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ኣባይቲ ማሕቡስ ከም ዝኣተዉን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣውስትራሊያ እቲ ዝተኸሱሉ ገበን ኣይወዓልዎን እንክብል እቲ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ውድቂ እንክብሉ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ናጻ ከም ዝበሎምን ነፍስሄር ካርዲናል ፐል “ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ተኣማሚኖም ነቲ መኽሰሲኦምን ዝተበየኖም ፍርድን ብኽብርን ብውሽጣዊ ሰላምን ከም ፍቓድካ ቢሎም ተቐቢሎም ንኽነብሩ ዝደረኾም እምነት” ኣብነት እዩ፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ ኩነት እምነት ክሳብ ክንደይ ጸግዕን ሓይልን ምዃኑ ዝመስከሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እምነትን ጸሎትን ኣብ ጽንኩር ህሞታት ህይወት ክሳብ ክንደይ ከም ዝሕግዘና ንምፍላጥን ከምኡ እውን ነቶም ብዘይፍታሓዊ መገዲ ዝሳቐዩ ንምድጋፍን ኣብ ቤት ማሕቡስ እንከለዉ ተዘክሮታት እውን ከም ዝጸሓፉን ተሓቲሙ እውን ንንባብ ከም ዝበቕዔ ዘኪሮም፥
ናይ ኣምላኽ ሰብ
ነፍስሄር ካርዲናል ፐል “ብዓሚቝ እምነትን ብዓቢ ጽንዓት ኣብ ዓንቀጸ ትምህርቲ እምነትን ዝልለዩ ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ወዲ ቤተ ክርስቲያንን ከም ዝነበሩ ብኣጽንዖት ኣስሚሮም፡ እዚ ድማ ኵሉ ግዜ ብዘይ ስግኣትን ብትብዓትን ንክርስቶስ እሙን ምዃን ንዝነበርዎ ህይወት መሰረት ከም ዝኾኖምን እዚ ጥራሕ እዩ ዘገድሶም ዝነበረ፥ ክሳብ ፍጻሜ ንኽርስቶስ እሙን ምዃን” ኣንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ረ ስብከት ከም ዝዛዘሙን ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስነ ስርዓት ጸሎተ ኣማሕጽኖተ ነፍስን ጸሎት ግብኣተ መሬትን ከም ዝፍጸሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።