ድለ

ሲኖዶስ፥ ዋዜማ ጸሎት ምእንቲ ሕብረት ክርስቲያን ‘ሓድነት ቤተ ክርስቲያን’ ከጉልሕ እዩ ሲኖዶስ፥ ዋዜማ ጸሎት ምእንቲ ሕብረት ክርስቲያን ‘ሓድነት ቤተ ክርስቲያን’ ከጉልሕ እዩ 

ሲኖዶስ፥ ዋዜማ ጸሎት ምእንቲ ሕብረት ክርስቲያን ‘ሓድነት ቤተ ክርስቲያን’ ከጉልሕ እዩ

ኣብሪሆም፥ . . . ክርስቲያናዊ መንነት ብዘተ ንምህናጽ. . . ሓደ ዳስ ንኸተቝሞ መወጠሪ የድልየካ እንተ ዘይኮይኑ እቲ ዳስ ደው ኣይብልን፡ ኵላትና ብሓባር ክንቐውም እንደሊ እንተድኣ ኴይና ‘እወታዊ ወጥሪ” ክህሉ ጽቡቕን ኣድላዪን እዩ።

ሓለፍቲ ሲኖዶስን ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ኤቅለሳውያን ማሕበረሰባትን ዝመጹ ወከልቲ ኵላውነት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ ዋዜማ፥ ዝካየድ ዛዕባ ናይ ጸሎት  መደብ ምእንቲ ህብረት ክርስቲያን ዝርዝር ሓበሬታ የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋዜማ እቲ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ምእንቲ ህብረት ክርስቲያን መደብ ጸሎት ክካየድ ምዃኑን፥ “መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነትን መገዲ ሲኖዶሳዊ ምልዋጥ ቤተ ክርስትያንን ዝተኣሳሰረ እዩ” እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዕለት 23 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣፈ ጉባኤ ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ ብዛዕባ እዚ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩን፥ “ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትወስዶ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ከምቲ ጉዕዞ ምእንቲ ህብረት ክርስቲያን ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ እዩ፡ ከምኡ እውን እዩ ክኸውን ዘለዎ” ቢሎም፡ መስርሕ ሲኖዳውነት ኣብ ጸጋ ጥምቀት ዝተመስረተ ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ እዚ ጸጋ ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮነስ ኩሎም ክርስትያን ዝካፈልዎ እዩ። ስለዚ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ማሕበረሰባት “ኣብ ጉዕዞ ምልዋጥ የድልዩና እዮም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ጉዕዞ ሲኖዶስ ደው ንምባል ዝሕግዙ ህሞታት

ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝጸውዕዎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ብሰበኻውን ቁምስናውን ዞባውን ቅድሚ ምብጋሱ ናይ ማሕበረሰብ ታይዘ ኣበ ምንየት ሓው ኣሎይስ ንዅለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝውክሉ ዘሳተፈ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ዋዜማ ክካየድ ከም ዝገበሩን . . . እዚ እውን ነቲ ድሮ ብክርስቶስ ዝተረኽበ ሓድነት ንምብዓልን ርኡይ ንምግባርን ዝኣመተ መደብ ከም ዝነበረን . . . ሓደ መዓልቲ ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ልኡካን ጥራሕ ዘይኮኑስ ህዝበ እግዚኣብሔር ካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮኑስ ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝመጹ ምእመናን ናብ ዓቢ ኵላዊ ምትእኽኻብ ክዕደሙ ምተኻእለ ዶ?

ንህዝበ እግዚኣብሔር ምእካብ

ማሕበረሰብ ታይዘ ነቲ ጻውዒት ናቱ ብግባር ድማ “ብሓባር - ምትእኽኻብ ህዝበ እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ተበግሶ ብምውዳብ፡ ንመንእሰያት ካብ 18 – 35 ዓመት ዝዕድመኦም ኣብ መስርሕ ሲኖዶስ ንኽዋፈሩ ዕድል ብምሃብ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዝርአ ጉዕዞ ናብ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንምድልዳልን ንምዕባይን ዘሎ ድሌት ዘመላኽት እዩ።”

ኣብቲ ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ እቲ ቅነ ኵላዊ ጸሎት - ምእንቲ ህብረት ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያ ወከልቲ ብዘሳትፍ መደብ ጸሎት ዝዛዘም ምዃኑን፡ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይ ማሕበረሰብ ታይዘ ኣበምኒየት  ሓው ኣሎይስ፥ ንመንእሰያት ጥራይ ዘይኮነ ወከልቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስያንን ወከልቲ ኤቅለሳውያን ማሕበረሰባት እውን ክሳተፉ እዮም፡” ቢሎም እቲ መደብ ድማ ብንባብ ቅዱስ መጽሓፍን ጸሎት ውዳሴን ምህለላን መዛሙር ታይዘን መደብ ሱቕታን ዝፍጸም ከም ዝኾነ እንክሕብሩ፥

ስለዚ እቲ ዋዜማ መዕጸዊ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሕብረት ክርስቲያን ምልክት ሓድነት ሕብረትን ሰላምን ክኸውን ተስፋ ንገብር፡

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣስተንትኖ ናይ ኵለን ኣብ ንሓድነት ጉዕዝ ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኢያን ኤርነስት፥ “ነቲ ብካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተነጸረ ‘ራእይ’ ስዒቡ፡ ንዅሎም ህዝበ እግዚኣብሔር ንምጥርናፍ ሲኖዶስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘለዎም ኣድናቖቶ ከም ዝገለጹን ወኪል ሓዋርያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመንያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳስ ካጃግ በርሳምያን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኣብታ ሰማዒት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ቅንዕናን ትሕትናን ዘለዎ ኣገዳስነት ከም ዘስመሩሉን ኣብ ኤውሮጳ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽርን ኣቦ መንበር ኣብ ፈረንሳ ናይ ፕሮተስታንት ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበርን ኣቦ መንበር መጋቤ ክርስቲያን ክራይገርን፥ “ናይ ሲኖዶስ ኣፈጻጽማ ባህርይ ክልውጠና ዓቕሚ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ.

ንመንፈስ ቅዱስ ምስማዕ

ኣብ መዛዘሚ ናይቲ ዕለት 23 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ብጹዕ ካርዲናል ሆለሪኽ እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተበገሰ ሲኖዳውነት ዝብል ኣምርን ተግባርን ናብ ሓድሽ ጽድያ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ እዩ፥ ኣቐዲሙ ዝተሓንጸጸ መደብ የሎም፥ ስለዚህ ሲኖዳውነት ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኣብ ምባል ዝቐውም ነዚ ምስማዕ እዚ ዝእዘዝን ከም ዝኸውን ኣብሪሆም፥ . . . ክርስቲያናዊ መንነት ብዘተ ንምህናጽ. . . ሓደ ዳስ ንኸተቝሞ መወጠሪ የድልየካ እንተ ዘይኮይኑ እቲ ዳስ ደው ኣይብልን፡ ኵላትና ብሓባር ክንቐውም እንደሊ እንተድኣ ኴይና ‘እወታዊ ወጥሪ” ክህሉ ጽቡቕን ኣድላዪን እዩ። እቲ ወጥሪ ኣሉታዊ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ዘዕነው ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

25 January 2023, 16:03