ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን 2023 ዓ.ም.፥ “ሰናይ ግበሩ፡ ፍትሒ ድለዩ!”
ካብ ዕለት 18 – 25 ጥሪ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን፥ ናይ ለምዘበን 2023 ዓ.ም. መርሕ ቃል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ጨንፈር ሚነሶታ ዘቕረቦ ክኸውን እንከሎ፥ ካብ ትንቢት ኢሳያስ ምዕ. 1, 17፥ “ሰናይ ምግባር ተመሃሩ ፍትሒ ድለዩ” ዝብል ኮይኑ እዚ ናይ ለምዘበን መደብ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ፥ ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ዘሳትፍ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ብሓባር ኣዕሪጎም ብስለግስዎ ስብከት ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ 2023 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት መእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ዕለት 18 ጥሪ ከም ዝጅመር ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ናይ ለምዘበን ናይቲ መደብ ጸሎት መርሕ ቃል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ጨንፈር ሚነሶታ ዝተሓረየ ከም ዝኾነን፥ እዚ ካብ ትንቢተ ኢሳያስ ምዕ. 1, 17 “ሰናይ ምግባር ተመሃሩ ፍትሒ ድለዩ” ዝብል መርሕ ቃል ኣብ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን ዓለም ብዝተፈላለየ መደብ ጸሎትን ዓውደ ርክባትን ማእከል ከም ዝኸውን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ብምኽንያት ናይ 2023 ዓ.ም. ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መኽፈቲ እቲ ቅነ ጸሎት ዕለት 18 ጥሪ ናይ ዕለተ ረቡሕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከቕርቡ ከም ዝኾኑን ዕለት 22 ጥሪ ሰንበት ዓመታዊ በዓል “ቃለ ኣምላኽ” ምኽንያት እውን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09.30 ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን እቲ ካብ ዕለት 18 – 25 ጥሪ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ምኽንያትን ኣብ ክፍለ ከተማ ሮማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ዘሳትፍ ቅዱስነቶም ብዝመርሕዎ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ ብዝልግስዎ ስብከትን ዝዛዘም ምዃኑ ኣፍሊጡ።