ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ዕርቂ ሕመረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ኣፍሪቃ

ተወፋይነት ዝሓትት ቀስ ዝበለ ለውጢ እዩ፥ ናይ ምትእኽኻብ ጻዕሪ ኩሉ ሰብ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብሓቂ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዝተመስረተ መምርሕታት ከተንብር ክትጽዕር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 5 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ንኽልቲአን ሃገራት ዘቑስል ዘሎ ዓመጽ ኣብ ምውጋድ ዝሕግዝን ዘተባብዕን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥ ኣብተን ሃገራት ምርኻብ ር.ሊ.ጳ. “ነቲ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ናይ መቐይሮ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ሓዋርያዊ መገሻ ክፍጽሙ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብተን ብግጭትን ምዝመዛን ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ናይ ዘተን ርክብን ኩነታት ክፈጥሩ ከም ዝደልዩን እዚ መበል 40 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ካብ ዕለት 31 ጥሪ  - ዕለት 5 ለካቲት ቅድም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ደሓር ድማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘምልከት ኮይኑ፡ ኵላውነት ትርጉም ክህልዎ እዩ። ምኽንያት ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስ  ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንክግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ጃስቲን ዌልባይን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ ኢያን ግሪንሺልድስን ዝጽንበሩ ብምዃኑ እዩ።

እዚ ምብጻሕ “ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ናይ ዝግበር ሓባራዊ ጉዕዞ ዝምስክር ክኸውን እዩ” ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፡ “እዚ ዑደት ምስተን ‘ህያዋንን ንጡፋትን” ዝኾና ኣቢያተ ክርስቲያን ከባብያዊ ማሕበረሰባትን ቅርበት ዘረጋግጽን ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ንብዙሓት ዘድምን ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ ዘሎ“ማሕበረ-ፖለቲካዊ” ቅልውላው ናብ ተስፋን ዕርቂ ንኸብል ንምድንፋዕ ዝካየድ እዩ ኢሎም።

ብጹዕነትኩም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዕለት 31 ጥሪ ክብገሱ እዮም . . . ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀንዲ ድልየት እንታይ እዩ? ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ኣብ  ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዝፍጽምዎ፥ ምስ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ህዝቢ እቲ ዝበጽሕዎ ከባቢ ክራኸቡን ይምነዩ። ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ድልየት ቅዱስነቶም ንሱ እዩ። እዚ ድሌት እዚ ብፍላይ ብርቱዕ እዩ ምበልኵ። ብሰንኪ ናይ ብርኪ ጸገም ክናውሕዎ ዝተገዱ ኮይኑ ንነዊሕ እዋን ዝጽበይዎ ዝነበረ ጉዕዞ እውን ስለ ዝኾነ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ብምኽንያት እቲ ዝፍጸም ግርጭታት ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከባ እያተን፡ ስለዝ ር.ሊ.ጳ. ከም ጓሳ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክራኸቡን ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ከም ነጋዲ ሰላምን ዕርቅን እዮም ዝኸዱ።”

ኣብዘን ክልተ ፍሉይ ጸጋታት ተፈጥሮ ዝተዓደላ ሃግራት ገና መዕለቢ ብዘይረኸበ ግጭትን ዓመጽን ዝተዓብለላ ቅዱስነቶም ናይ ዘካይድዎ ምብጻሕ ትርጒም እንታይ እዩ ትብሉ? ክልተ መዳይ ኣለዎ ምበልኩ። ጓሳዊ መዳይ ዘለዎ እዩ፥ ምስተን ከባብያውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ህዝቢ ንምርኻብን ቅርበቶም ንምርግጋጽ ድሕሪኡ ድማ ማሕበረ ፖለቲካዊ መዳይ ኣሎ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ግጭትን ደው ክብልን ቀጻሊ መስርሕ ሰላምን ዕርቅን ብኣካል ተረኺቦም ንምሕያል ክሕግዙ ከም ዝክእሉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

ቀዳማይ ዝኣትዉላ ሃገር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ እያ፡ ኣብኡ ምስ ካብ ምብራቕ እታ ሃገር ዝመጹ ግዳያት ዓመጽን ውግእን ክራኸቡ እዮም፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ነቲ ኣብ ልቢ ሰባት ዘሎ ቁስሊ ንምፍዋስ ክሕግዝ ይኽእል ድዩ? ናይ ብሓቂ ኣዚዩ ዓሚቝ ቁስሊ ስለ ዝኾነ ንምፍዋስ ዝሕግዝ ኽኸውን ተስፋ ንገብር። . . . ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ግዳያት እዚ ኩነታት እዚ ክራኸቡ ብርግጽ ንህዝብታት ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምልክት እዩ። . . .ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዎ ዘጸናንዕን እምነትን ተስፋን ከይጥፍኡ ዘጽንዕ እዩ። ካብ ሕነ ምፍዳ  . . .  ሰላም ዕላማ ኽኸውን ዝድርኽ እዩ። ብሱታፌን ሕውነትን መገድታት ኣቢሎም ቁዱስነቶም ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ኪራኸቡ እዮም።

ቅዱስነቶም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዛዚሞም ናብ ደቡብ ሱዳን ንተመሳሳሊ መደብ ክኸዱ እዮም። ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሰላም ክወርድ ኣብ እግሪ ናይታ ሃገር መራሕን ናይ ፖለቲካ ውድባት መራሕትን ተደፊኦም ኣእጋሮም ብስምዓም ለሚኖም እዮም። ሃይማኖት ኣብ ምርግጋእ እታ ሃገር እንታይ ተራ ኪጻወት ይኽእል? ኣቢያተ ክርስቲያን ከምቲ ኣነ እውን ክርእዮ ዝኽእል - ኣብ ኣገልግሎት መላእ ህዝቢ እየን ዝሰርሓ፡ ብዙሕ ግዜ መንግስትን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣህጉራውያን ትካላትን ከይተረፋ ክበጽሕዎ ኣብ ዘክይክእሉ ቦታ ከይተረፈ ዝበጽሓ እያተን ስለዚ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዓቢ ተኣማንነትን ተኸባርንትን ስለ ዘለወን ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ልዑል ተራ ክጻወታ ኣኽኢልወን እዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘካየድክዎ ምብጻሕ ርእሰ ብሔር ባዕሎም ነቲ ር.ሊ.ጳ. ሰላም ንኽልምኑ ዝገበርዎ ምልክት ዘይርሳዕ እዩ እንክብሉ ከም ዝዘከሩሎም ገሊጾም፡ እዚ ድማ ብዕምቆት ከም ዝተንከፎምን ብብርቱዕ ንሰላም ዘነቓቐሖም ምዃኑ ዘኪሮም ትንቢታዊ ምልክት እንክብሉ ገሊጾምለይ። ስለዚ እዚ ምልክት እዚ ተወፋይነት ዝሓትት ድማ እዩ። ንሰበ - ስልጣን ቃል ንኽኣትዉ ዘተባብዕ እዩ ዝብል እምነት ድማ ኣሎኒ፡ ብሓቂ ኣብ ጎደና ሰላም ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስዱ ዝድርኽ። . . . ዝለዚ እዚ ምብጻሕ እዚ ነቲ ፍልዩ ህሞት ቀጻልነት ዝህብ ጭቡጥ ምርጫታት ንኽገብሩ ግብራዊ ውሳኔታት ንኽወስዱ ከነቓቕሖምን መሰርሕ ሰላም ኣብ ዕላማኡ ክበጽሕ ተስፋ ንገብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማውን ምስ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድን ሓቢሮም ናብ ደቡብ ሱዳን ከበጽሑ እዮም፡ ስለዚ ዓቢይ ትርጒም ዘለዎ እዩ . . . እወ እዚ ምርኻብ እቶም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት፥ ር.ሊ.ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ካንተርበርይ ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድን - ኣዚዩ ትርጒም ዘለዎ ናብ ውህደት ዝገበር ጉዕዞ መግለጺ እዩ። ዓቢይ ናይ ምስክርነት ምልክት እውን እዩ . . . መገዲ ሕብረት ምርካብ ከም ዝከኣል ዘርኢ፡ ደሓር ከኣ እዚ ብወገን ኣተን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሃይማኖታውያን ጒጅለታት መሰኻኽር ወንጌል ንምዃን ኣስፋሕቲ ሰላም ንምዃን ዝገብርኦ ሓባራዊ ቃልሲ ዝገልጽ። ብልክዕ ብሰለስተ ድምጺ ዝኽወን ብምዃኑ ድማ ኣዚዩ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ጉዕዞ እዩ።

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ኣብዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ክርከቡ ብዙሕ ትጽቢት ኣሎ። ንስኹም ከምቲ ባዕልዅም ዘዘኻኸርኩምና ኣብዚ ቀረባ እዋን ቅዱስነቶም ዝበጽሕዎ ቦታታት ተስፋን ድኽነትን መዓትን መጻእን ዝተሓዋወሰሉ ቦታታት በጺሕኩም ኢኹም፡ እዚ ኩነት እዚ ብኸመይ ኪቕየር ይኽእል? ተወፋይነት ዝሓትት ቀስ ዝበለ ለውጢ እዩ፥ ናይ ምትእኽኻብ ጻዕሪ ኩሉ ሰብ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብሓቂ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዝተመስረተ መምርሕታት ከተንብር ክትጽዕር ዝጠልብ እዩ። ደሓር ከኣ ማሕበረሰብ ዓለም ማዕረ ማዕሪኡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብዚ መዳይ ክዓዪ ኣለዎ። ኣብዞም ረቂቕን ተኣፋፍን ኩነታት ዘለዉ ኣህዛብ ምድጋፍ ናብ ምሉእ ምዕዋት ማሕበራዊ ቁጠባውን ትካላውን ምዕባለኦም ከሰንዮም ኣለዎ፣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ግብረ ሰናይን ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ግደ ኣቢያተ ክርስቲያናት እውን ኣሎ።

ነዞም ዝተራኸብክምዎን ዝበጻሕክምዎምን ህዝብታት ብሓፈሻ ድማ ንኣፍሪቃ እንታይ እዩ ውልቃዊ ትምኒኩም? ኣብዚ ጉዕዞ እዚ  ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከሰንዮም ምዃነይ የሕጉሰኒ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዓ.ም. ህዝቢታት እተን ሃገራት ተስፋ ከይቆርጹን ር.ሊ.ጳ. እውን ከብጽሕዎም ከም ዝኾኑን ንምርግጋጽ ዘካይድዎ ምብጻሕ እዩ ነይሩ። . . . ስለዚህ ህዝቢ ነዚ መልእኽቲ እዚ ተረዲእዎን እነሆ ድማ ንቕዱስነቶም ብሓጐስ ክቕበልን ምስኦም ብዓቢይ ሓሴት ክሓብሩን ይጽበይዎም ኣለዉ። ቅዱስነቶም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካይድዎ ምብጻሕን ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ዘካይድዎ ርክብ ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዘሕዝን ፍጻሜታት ቀጻሊ ኣብ ዝኾነለን እዘን ሃገራት ናይ መቕየሮ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል። ናይ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘተባብዕ ከም ዝኸውን እምነት ኣሎኒ፡ ብሓቂ ብወገን ኩሉ ዝተሓደሰ ተወፋይነት ከም ዘድሊ ኣመኔታ ኣሎ። እዚ ተወፋይነት እንተሃልዩ እተን ሃገራት ካብቲ ህልው ኩነታት ግጭት ክወጻ ይኽእላ፡ ፍትሓዊ ምዕባለ መላእ ህዝቢ ምርግጋጽን ነዘን ሃገራት ኣብ መገዲ ዝሓሸ መጻኢ ንምንባርን ዝከኣል እዩ ዝኸውን እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

30 January 2023, 16:06