ድለ

2022.12.02 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ዩክረይን፥ ንሃልዮ ሰላም ክንዓልም ኣሎና! 2022.12.02 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ዩክረይን፥ ንሃልዮ ሰላም ክንዓልም ኣሎና! 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ዩክረይን፥ ንሃልዮ ሰላም ክንዓልም ኣሎና!

ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ሰላም ኣብ ምፍጣር ጭቡጥን ተዓጻጻፍን ኪደት ዘለዎ እዩ፡ ኣብ መንጎ ዝሰሓሓቡን ኣብ ግጭት ዘለዉን ወገናት ብሰዓርን ተሳዓርን ብዝብል ማዕቅፍ ዘይኮነ ብማዕረ ዘራኽብ ቀለበት እዩ ክኸውን ዘለዎ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ወጻኢ ጉዳያትን ርክባት ምስ ኣህጉራዊ ትካላት ናይ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር፥ ሃገራት ነቲ ኣብ ዩክሬይን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ከም ቅቡል ብምርኣይ ኢደን ከይህባ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ጽገናን ሕዳሴን ኣህጉራዊ ትካላት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሰፊሕ ዝብርህ እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዩክሬይን ከም ቅቡል ንምርኣይ ካብ ዝድርኽ ፈተና ምጥንቃቕ የድሊ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ንዝኾነ ይኹን ዘተ ዝመርሕ ኣፋፍኖት ዘሎ እውን ኣይምሰል፡ ነቲ ናይ ሰላም ሃልዮን እቲ ውግእ ከብቅዕ ኣለዎ ዝብል ኣመለኻኽታ ከነግልሎ የብልናን፡ እቲ ፍጻሜ ከምቲ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ወይ ከኣ ርእሰ ብሔር ፑቲን ከም ዝደልይዎን ዝሓስብዎን እውን ኣይኹን፡ ፍትሓዊ ሰላም እዩ ነዚ እውን ንድለ፡ እቲ ሰላም ክመጽእ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣድላዪ እንተኾይኑ “ዘይሕሰብ ክንሓስብ - ክግመት ዘይከኣል ምግማት” እውን ክንጅምር ኣሎና” ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርካባት ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብቲ ዕለት 19 ጥሪ “ኣጽዋር ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ፥ ዘተ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበር ኤውሮጳን ኣብ ቅድሚ ኲናት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽኻይድ ኣብ ኢጣሊያ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህል ሓልዮ ትካል ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ዓውደ ኣኼባ እዚ ናይ ኢጣሊያ ነበር መራሄ መንግስትን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ነበ ኣቦ መንበር ሮማኖ ፕሮዲ እውን ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተወሳኺ ዋጋ ምሕረት

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራt ዓለም ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ትካል ዛዕባ ሃይማኖታዊ ብዙሕነትን ሰላምን መደብ ትምህርቲ ሓላፊ ናይ ሃይማኖታት ስነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣልበርቶ መሎኒ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ኣልቦ ኣጽዋር ብምዃኑ፡ ሓቀይና ትርጉም ስነ ክሌኣዊ መላዊ ርክብ መግለጽን ኣብነት እውን ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር እውን ብወገኖም ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር፡ ብጀካ ኣልቦ ኣጽዋር  “ምሕረት” ዝብል ተወሳኺ ክብሪ ከም ዘለዎ ኣመልኺቶም፡ እዚ ድማ እቲ እንኮ ሰንሰለት ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ክስበር ዝኽእል እዩ። በዚ መንጽር ድማ ቅድስቲ መንበር ፍልልያት ዘራኽብ ድልድል ክቐውም ትሰርሕ -  እዚ ከኣ ፍልልያት ዘራኽብ ድልድል ኣብ ምዃን እዩ ቢሎም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣስዒቦም፥ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ኣካላት “እጀታኦም ዓጺፎም ብኹሉ ዝከኣሎም መገዲ ንሰላም ገዛእ ርእሶም ከወፍዩ” የተባብዑ፥ እዚ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት መሰረትን መግለጽን እዩ፥

ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ሰላም ኣብ ምፍጣር ጭቡጥን ተዓጻጻፍን ኪደት ዘለዎ እዩ፡ ኣብ መንጎ ዝሰሓሓቡን ኣብ ግጭት ዘለዉን ወገናት ብሰዓርን ተሳዓርን ብዝብል ማዕቅፍ ዘይኮነ ብማዕረ ዘራኽብ ቀለበት እዩ ክኸውን ዘለዎ!

ግርጭት ኣቐዲምካ ምክልኻል እምበር ፍጻሜታት ምህዳን ኣየድልን

“ኣብ ዝበዝሐ ናይ ታሪኽ መድርኽ - ይብሉ ብጹዕነቶም - ሕመረት ኮይኑ ዘሎ ፍጻሜታት ምህዳን እዩ። ማለት ደድሕሪ ዝተፈጸመ ግጭታት ምዃድ ዘይኮነ፡ እቲ ክኸውን ዝግብኦ ግርጭታት ቅድሚ ምክሳቶም ኣቐዲምካ ከይህልዉ ምግባርን ኣቐዲምካ ምጥንቃቕን ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ደድሕሪ ዝተኸስተ ግርጭታት ካብ ምጒያይ ምስ ተኸስተ ንምፍታሕ ኣብ ወጥሪ ካብ ምእታው ቅድሚ ምክሳቱ ንምክልኻል ክውዕል ኣለዎ። ስለዚ ስነ ሜላዊ ክለኣዊ ርክብ ብዕጥቂ ግጭታት ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ ዕርቂ ናይ ምምጻእ መስርሕ ዝምችኦ ዘይኮነስ ናይ ቀዲምካ ናይ ምክልኻል መጋበርያ ምትእስሳርን ዝምድናን እዩ ትርጉም ዝህቦ . . . ምእንቲ እዚ ናይ ስነ ክሌኣዊ መላ ኣካላት ጥራሕ ዘይኮነ ሃይማኖታት ዘዋስእ ክኸውን ኣለዎ። ናይዚ ጽቡቕ መርኣያ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ወልባይ ተሰንዮም ዘካይድዎ ጉዕዞ ምዃኑ ከም ዝጠቐሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቅልውላው

ልዕሊ ኩሉ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ መድብላዊ ስርዓትን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ብፍላይ ድማ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓሚቝ ቅልውላው ምህላዉ ኣቃሊዑ እዩ . . . ብጀካ እቲ ክውገድ ዝኽእል ሞት ብዙሓት ሰባት እቲ ዝዓበየ ዕንድራ ናይዚ ኲናት ኪየቭ ኣብ እዋን ዑደት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረሽ ብቐዋሚ ኣባል ባይቶ ጸጥታ እቲ ውድብ ቦምታት ከም ዝተሃርመት ሊቀ ጳጳሳት ገሊጾም፥ . . . ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣሰራርሓን ከይድን እቲ ትካል ዝያዳ ውክልና ዘለዎን ድሌት ኩሉ ህዝብታት ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጾም፥ እዚ ድማ ደገፍ መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ከምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዙሕ ግዜ ዘጉልሕዎ “ምሕዋይ መንፈስ ሄልሲንኪ” ዝሓትት እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 Jan 2023, 16:31