ማርያም ኣብ በዓለ ልደት ንኢየሱስ ኣብ ሕቑፎና ተንብሮ
ዕለት 16 ታሕሳስ ንግሆ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኩርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣመሓደርቲ ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ዘቕረብዎ ኣብ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስብከት ዘመነ ምጽኣት፥ ነቲ ኣብ ኢየሱስ ዘሎ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ክንቅበሎ የተባብዑ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ፥ ስብከቶም ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 4፥ 12, 19 ዝተወስደ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረአዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም . . . ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና።” ዝብል ምንባብ መሰረት ገይሮም፥ እቶም ጥንታውያን ኣረማውያን ከምቲ ኣሪስጦትል ኣምላኽ ንጡፍን ውጽኢታውን እንክብል ዝህቦ መረዳእታ እግዚኣብሔር ዘይኮነ ሰብ ንእግዚኣብሔር ብዝህቦ ፍቕሪ እዩ ዝገልጾ።
ሓድሽ ኪዳን እግዚኣብሔር ከምቲ ኣብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ፡ ናይ ምፍቃር ዓቕምና ኣብቲ ፍቕሪ ኣምላኽ ጽግዕይተይና ብምግባር ነቲ ኣብ ኣረማውያን ካብ ፈላስፋታት ዝወሃብ ዝነበረ ኣገላልጻ ይገላብጦ።
ንኣምላኽ ከም ዘፍቀርናዮ ዘይኮነስ ንሱ ከም ዘፍቀረና እዩ። ንወዱ ድማ በጃ ሓጢኣትና ክኼውን ስለ ዝለኣኾ . . . . ንሱ ቅድም ስለ ዘፍቀረና ኢና እነፍቅር . . .
ከም ሕጻናት ህያብ ፍቕሪ ምቕባል
ስለዚ እቲ ቲዮሎግያዊ ሰናይ ባህሪ “ፍቕሪ - ምጽዋት - ግብረ ሰናይ” ውጽኢት ናይ ገዛእ ርእስና ጻዕሪ ዘይኮነስ ኣብቲ ናጻ ፍቕሪ ኣምላኽ ምክፋል ማለት እዩ . . .
ንክርስቶስ ኣፍደገ ፍቕሪ ምኽፋት እምበኣር ኣዝዩ ፍሉይ ነገር ማለት እዩ፡ እዚ ኸኣ ንፍቕሪ ኣምላኽ ምቕባል ብፍቕሪ ኣምላኽ ምእማን ማለት እዩ!
በዓለ ልደት “እቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ኣምላኽ - ብግርምናን ምስጋናን” ክንቅበል ዕድል ይህበና። ኣብ ህይወት ዘጋጥም ሓደጋ ተስፋ ምቑራጽ ብዛዕባ ፍቕሪ ክንጥንቀቕን ዋላ’ውን ስሱዓትን ንኽንከውን ዝድርኽ እውን እንተኾነ፡ ከም ቆልዑ ኣብ ፍቕሪ ክንኣምን እዩ ዘሎና። ብባህርያዊ ድልየት ብተፈጥሮ ቆልዑ ኣብ ፍቕሪ ይኣምኑ እምበር ኣብ ምኽንያት ዝተመርኮሰ ኣቀባብላ ፍቕሪ የብሎምን። ንወለዲ ዘድልዮም ነገራት ይሓቱ ምናልባት እውን እግሮም ኣብ ባይታ እናሃረሙ ይግብኣኒ ብዝብል ዓይነት ኣገባብ እውን . . . ከም ውሉዳት ድማ ሓደ መዓልቲ ወረስቲ ኪኾኑ እዮም። ኣብ ፍቕሪ ምእማን ወሳኒ ምዃኑ ገሊጾም፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ኣብን ወልድን ዝካፈል ፍቕሪ ስለ ዝኾነ ንፍቕሪ ኣምላኽ ክንቅበሎ የኽእለና።
ሰብኣውነት ፍሉይ ናይ ምፍቃር ክእልት እዩ
ናይ ፍቕሪ ስራሕ - ግብረ ሰናይ ኣገዳሲ እዩ፡ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ “ቁርባን ቅዱሳን’ እንክብል ዝሰምዮ ባህርይ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኩሉ ነገር ይሓልፍ እቲ ዝተርፍ ግን ፍቕሪ ምዃኑ ቅዱስ ጳውሎስ ይሕብረና . . . ግብረ ሰናይ “ኣብቲ ብወንጌል ዝምስኖ መገዲ ዝውለድ ማሕበራዊ ስምዒት” እዩ እንክብሉ ዝግለጹ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ንቤተ ክርስቲያንን በርገሳዊ ማሕበረሰብን ዝሓንጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ንኢየሱስ ኣብ ልብና ምቕባል
ኣብ መደምደምታ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ሕጻን ኢየሱስ ኣብ በዓለ ልደት ንርእሱን ፍቕሪ ኣምላኽን ከም ህያብ እናቕረበ ናብ ኣፍደገ ልባትና ከኩሕኩሕ ከም ዝመጽእ ኣዘኻኺሮም፡ እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከመይ ጌራ ንኢየሱስ ንዓለም ከተቕርቦ ከም እትደልን ንዕኡ ብምቕባል ከመይ ጌርና ውሉድ ከም እንኸውንን ብግብሪ ተርእየና፥ ነዚ ድማ ሓደ ኣፈ ታሪኽ መሰረት ገይሮም፥
ካብቶም ኣብ ዋዜማ ልደት ንሕጻን ኢየሱስ ንኽርእዩ ካብ ዝኸዱ ጓሶት ሓደ ካብ ኣቶም ኣዚዩ ድኻ ከም ዝነበረን ኵሎም ህያባት ከቕርቡ ይወዳደሩ ነበሩ፡ ኵሎም እቶም ነቲ ሕጻን ንኽርእዩ ዝኸዱ ዝነበሩ እውን፡ ማርያን ሕጻን ኢየሱስ ኣብ ሑቕፎኣ ስለ ዝነበረ ግና ኵሎም ዘምጽኡላ ህያብ ንኽትቅበል ይስኣና እሞ እቲ ሕጻን ኢየሱስ ነቲ ኣዚዩ ድኻ ዝነበረን ህያብ ከቕርብ ብዘይ ምኽኣሉ ሓፊሩ ፍልይ ቢሉ ንዝነበረ ጓሳ ጥራሕ ኢዱ ስለ ዝነበረ ነቲ ሕጻን ኣብ ሕቕፉኡ ክሕዘላ ሓተተቶ ከምኡ ድማ ኮነ። ዘቕርቦ ህያብ ዘይምህላው ዕድል ኮነሉ። ኢየሱስ ንቕሓቁፍ ኣብቀዖ። እዚ ዕድል እዚ ናይታ ንግበሮ!
እንክብሉ ዝከገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።