ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ጳውሎስ ሻድሻይን ደብዳቤታት
ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔየሊ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዝዕንቅፍ ሕማም እንተድኣ ኣጋጢምዎም ካብዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም እዚ “ብፍቓደይ እለቕቕ” ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ደብዳበ ከም ዘዳለዉ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥ ጳውሎስ ሻድሻይ እውን ኣብ 1965 ዓ.ም. ተመሳሳሊ ደብዳቤ ከቲሞም ከም ዝነበሩ የዘኻኽሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሰር ጳውሎስ ሻድሻይ ይኽተሉ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ አይቢሲ እተሰምየ ናይ ስፐይን ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ከቲሞም ዘሰናደውዎ ደብዳቤ ከምቲ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኢጣሊያዊ ተወላዲ ብረሽያ ባዕሎም ቅዱስ እንክብሉ ዝኣውጅዎም ጳውሎስ ሻድሻይ ዝገበርዎ ምዃኑ ኣመላኺቶም እዮም።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ 2013 ዓ.ም.ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንዝነበሩ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ፥ “ናይ ጥዕና ዕንቅፋት እንተጋጢሙኒ ብፍቓደይ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣነይ እለቕቕ” እንክብሉ ዝኸተሙሉ ሰታሪት ከም ዝሃብዎም ይሕብሩ። በርቶነ እውን ብወገኖም ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ንዝተሾሙ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ከም ዘረከብዎም ቶርኒየሊ የመላኽቱ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኸተምዎ ሰታሪት ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ መገዲ ዝተኸተለ ኮይኑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ሓያሎ መሰኻኽር ብዛዕባ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ስንብታ ደብዳቤታት መሰረት ገይሮም ኣብ ግንቦት 2018 ዓ.ም. ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስሌነ ቤተ ጳጳስ ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ለዮናርዶ ሳፒየንዛ ብዝደረስዎ መጽሓፍ ኣቢሎም ንህዝቢ ወግዓዊ ከም ዝገበሩ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ሓቢሮም። ሞንቲኒ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ 1963 – 1978 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑን ናይ 13 ዓመታት ጒባኤ ቫቲካን ኣተገባብራኡ ዝመርሑን ናብ ምዝዛም ዘብጽሑን ምዃኖም ብሰፊሕ ኣብ ዘብርህ “ናይ ጳውሎስ መርከብ” ብዝብል ኣርእስቲ ባዕሎም ብጹዕ ኣቡነ ሳፒየንዛ ኣብ ዝደረስዎ መጽሓፎም የብርሁ።
እታ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝወጸት መጽሓፍ “ጳውሎስ ሻድሻይ ‘ብዘይሓዊ ሕማም ወይን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ስንክልና ድዩ ካልእ ረዚንን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተወሃበኒ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ዝዕንቅፍ ኩነት እተጋጠመኒ ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣነይ ብፍቓደይ እሰናበት’ ዝብል ደብዳቤ ኣዳልዮም ከም ዝነበሩ ትሕብር። እታ ደብዳቤ እውን ዕለት 2 ግንቦት 1965 ዓ.ም. ዝጸሓፍዋ እያ። እታ ደብዳቤ ዝጸሓፍዋ ድማ ብዕድመ ኣብ ዝደፍኡሉን ወይ ኣብ ዝሓመሙሉን ኣዋን ኣይነበረን በንጻሩ ድሕሪ ክልተ ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ከም ዝኾነን እታ ደብዳቤ ድማ ናብ ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ኢድ ከም ዘረከብዎ ኣብታ መጽሓፍ ነንብብ።
. . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ነታ ብብጹዕ ኣቡነ ሳፒየንዛ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኣማእኪሎም ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳብ፥ “ነተን ጳውሎስ ሻድሻይ ቃላት ንኽርስቶስን ንቤተ ክርስቲያኑን ከም ትሑትን ትንቢታውን ምስክርነት ገይረ እየ ዝርእየን፡ እዚ እውን ብዛዕባ ቅድስና እቶም ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ዝገልጽ ተወሳኺ መርትዖ እውን እዩ። ንዕኦም ዘገድሶም ነገር ንቤተ ክርስቲያንን ንዓልም ዘድልዮም ነገራት እዩ፣ ብኸቢድ ሕማም ዝተጠቕዐን በቲ ሕማም እቲ ድማ ኣገልግሎት ዝተዓንቀፎ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ብግቡእ ክጥቀመሉ ኣይከእልን እዩ” ከም ዝበሉ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይሕብሩ።
ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ንኣፈ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ደብዳቤኦም . . . ኣነ ጳውሎስ ሻድሻይ ብመለኮታዊ ሓልዮት ጳጳስ ሮማን ር.ሊ.ጳ. ኵላዊት ቤተ ክርስልቲያን” ብዝብላ ቃላት ኣበጊሶም ኣብ ቅድሚ ቅድስቲ ስላሴ ተማሕጺኖም ንማርያምን ዮሴፍን መልእኽቶም ኣወኪፎም . . . ኣነ ዘይፍወስ ተባሂሉ ወይ ነዊሕ ዝጸንሕ ዕዮ ሓዋርያዊ ኣገልግሎተይ ብግኡብን እኹልን መልክዕ ከይፍጽም ዝዓግተኒ ወይ ድማ ከቢድን ነዊሕን ዝኣመሰለ ዕንቅፋት ምስ ዘጋጥመኒ ነቲ ከም ጳጳስ ሮማን ር.ሊ.ጳ. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተወሃበኒ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ኣብ ኢድ ጐይታን ኣብ ኢድ ኣፈ ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላትን አንብር . . . ኣፈ ጒባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ምስ ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ሓላፍነት ብሓባር ነቲ ምእንቲ ንዝለዓለ ሰናይ ዝኣመተ ናይ ስንብታ ሕቶ ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣላበው . . . እታ ደብዳቤ ጳውሎስ ሻድሻይ ብኢዶም ዝጸሓፍዋን ኣብ መደምደምታ ዕለት 2 ግንቦት 1965 ዓ.ም. ዝብል ጽሑፍ ዘንበሩሉ ከም ዝኾነ ቶርኒየሊ ይሕብሩ።
ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ደብዳቤኦም ንሓደ ዘይሓዊ ሕማም ጥራሕ ዘይኮነስ ካልእ ከቢድን ነዊሕን ዕንቅፋት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽቱ። እዚ ኩነት እዚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ር.ሊ.ጳ. ገለ ነገር ምስ ዝፍጸም ወይ በቲ ኣብቲ ዝነበረ ስርዓት ናዚ ምቑሕ እንተደኣ ኮይኖም ብጹዓን ካርዲናላት ኣብ ናጻ ዝኾነ ሳልሳይ ሃገር ነቶም እሱር ናዚ ዝኾኑ ር.ሊ.ጳጳሳት ዝትክኡ ክሓርዩ ይላበዉ ከም ዝነበሩ ኣብቲ እዋን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝነበሩ ዝሓብርዎ ታሪኽ ከም ዘሎ ቶርኒየሊ ኣዘኻኺሮም ኣብ መወዳኣታ ክልቲኦም ጳውሎስ ሻድሻይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብናጽነትን ብሙሉእ ሕልናን ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዘይክእልሉ ኩነታት እንታይ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፡ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣን ዝከላኸል እዩ። ስለዚ ምስቲ ቅድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ዝተፈጸመ ናይ በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ምልቃቕ ክነጻጸር ዘይክእል እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዛዚሞም።
(Andrea Tornielli)