ድለ

ስንብታ ንበነዲክቶስ መበል 16: ‘ትሑት ሰራሕተይና ኣብ ናይ ጎይታ ናይ ወይኒ ኣታኽልቲ ቦታ’ ስንብታ ንበነዲክቶስ መበል 16: ‘ትሑት ሰራሕተይና ኣብ ናይ ጎይታ ናይ ወይኒ ኣታኽልቲ ቦታ’ 

ስንብታ ንበነዲክቶስ መበል 16: ‘ትሑት ሰራሕተይና ኣብ ናይ ጎይታ ናይ ወይኒ ኣታኽልቲ ቦታ’

ክሳብ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 2 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ምእመናን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ንልሂቅ በነዲክቶስ መበል 16 ኣኽብሮት ንኽገልጹ ሬሳኦም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክኣቱ ከም ዝኾነ

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 31 ታሕሳስ ንጉሆ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09.34 ኣብ መንበሪኦም ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓረፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ቤተ ኣቦ ተመሊሶም፥ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ክሳብ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 2 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ምእመናን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ንልሂቅ በነዲክቶስ መበል 16 ኣኽብሮት ንኽገልጹ ሬሳኦም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክኣቱ ከም ዝኾነ ክሕብር ክፍለጥ እንከሎ፥ ድሮ ንሓያሎ መዓልታት ብሰንኪ እርጋን ኩነታት ጥዕና በነዲክቶስ መበል 16 ኣናገደደ ከምዝኸደ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኦም ኣብ ዘውጽኦ ዕውታዊ ሓበሬታት ከፍልጥ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣቀዲሞም ዕለት 28 ታሕሳስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ስለ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ 95 ዓመት ዝዕድመኦም በነዲክቶስ መበል 16 “ፍሉይ ጸሎት” ክቐርብ ንምእመናን ሓቲቶም፡ “ጐይታ ክሳብ መወዳእታ ኣብዚ ምስክርነት ፍቕሪ ንቤተክርስቲያን ይደግፎም” እንክብሉ ኩሉ ስሌኦም ክጽሊ ተላብዮም ከም ዝነበሩን ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ዕድመ መሰረት ድማ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተበግሶታት ጸሎት ምክያዱን ካብ ናይ ሃገራትን መንግስታትን መራሕትን እውን ናይ ቅርበትን ጸሎትን መልእኽትታት ክመሓላለፍ ከም ዝጸንሔ ዜና የመላኽት።

መደብ ስነ ስረዓት ቀብሪ

ዕለት 31 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ዕለት 5 ጥሪ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09.30 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን ወሲኾም እውን ካብ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 2 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ምእመናን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ንነፍሰ ሄር ልሂቅ በነዲክቶስ መበል 16 ኣኽብሮት ንኽገልጹ ሬሳኦም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንበር እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 Dec 2022, 13:45