ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኤውሮጳ ናብ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ክትምለስ ኣለዋ! ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኤውሮጳ ናብ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ክትምለስ ኣለዋ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፥ ኤውሮጳ ናብ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ክትምለስ ኣለዋ!

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ዘቕረብዎ ታሪኻዊ መደረ፥ ድሕሪ ሕጂ ውግእ ኣይሀሉ! ሰላም ንዕጫ ህዝብታትን ናይ ኵሉ ሰብኣውነት ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ሮማ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ፥ “ኣብ ዪክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ሓድሽ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ መገድታት ምርካብ” ኣብ ዝብል ቅዉን ነገር ንኽዝትይ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ዘተ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ሓድሽ መገዲ ናብ ናይ ሄልሲንክ ጉባኤ መንፈስ ምምላስ እዩ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቅድሚ እቲ ዝካየድ ዘሎ ባርባራዊ ውግእን ኣብ ሎዕሊ ዓለም ዘዘንብይ ዘሎ ኑክለሳዊ ስግኣት ንምውጋድ ኤውሮጳ ናብ “መንፈስ ሄልሲንኪ” ክትምለስን “ሓደስቲ መገድታት ሰላም” ክትስዕብን ኣለዋ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክኾኑ እንከለዉ፥

እቲ ዋዕላ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ሮማ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ኣብ ዘአንገዶን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ኣብ ዝተወደበ ኣብ ዩክሬዪን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምእላይ ሓድሽ ክሌኣዊ ስነ መላዊ መገደታት ሰላም ኣማእኪሉ ኣብ ዝመኸረ ዋዕላ ተሳቲፎም መደረ ከም ዘስምዑን ናይቲ ዋዕላ ቀንዲ ኣርእስቲ፥ “ኤውሮጳን ኲናትን፥ ካብ መንፈስ ሄልሲንኪ ናብ ተስፋታት ሰላም” ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ንክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ዕጽው ዝመስል ዘሎ ኣብ ኤውሮጳ ንዝካየድ ዘሎ ውግእ ጭቡጥ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ፍታሕ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተ ከም እተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከምኡ እውን እቲ ኣብ 1975 ዓ.ም. ዝምድናታት ምብራቕን ምዕራብን ምዕራባውያን ሓይልታትን ሶቪየት ሕብረትን ንምምሕያሽ ኣሚቱ ዝቖመ ትካል ጸጥታን ምትሕብባርን ኣብ ኤውሮጳ ታሪኹን ረብሓታቱን ብምድህሳስ ናብ ናይ ሄልሲንኪ መንፈስ ምምላስ ኣገዳስን ወሳንን ምዃኑ ዘተሓሳሰበ ዋዕላ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ራዕዲ ውግእ ፈጺሙ ልሙድ ከይከውን

ካርዲናል ፓሮሊን መደረኦም፥ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምልማድ ዘስዕቦ ሓደጋ ካብቲ ኲናት ኣዚዩ ዝኸፍአ ምዃኑ ብዘመላኽት ሓሳብ ኣበጊሶም፥ ካብ ዝጅመር ታሽዓይ ወርሑ ዘቑጽር ዘሎ እቲ ብሰራዊት ፈደራላዊት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፍጸም ዘሎ ወራር ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን ውድመትን ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ናብ ኑክለስያዊ ኣጽዋር ዝድርኽ ዝመስል ኩነታት ዝፈጥር እናመሰለ ብሓቂ ንመላእ ዓለም ሓደጋ ኮይኑ ከም ዘሎን፥ ብዛዕባ እቲ ውግእን ሳዕቤናቱን እናለመድናዮ ንኸይድ ዘሎና ንመስል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ብጹዕነቶም ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ብዛዕባ ኲናትን ሳዕቤናቱን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየ ዘሎ ውግእ እንክዛረቡ “እቲ ኲናት ልሙድ እናኾነን ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሸለልትነት” ገሊጾም ክነብዑ ከም ዝረኣናን፡ “ተኹሲ ደው ምባልን ፍትሓዊ ሰላም ንምምጻእ” ኩሉ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ መገድታት ምጥቃም ከም ዘድሊ  ዘቕረብዎ ጽዋዒት ከም ዘቃልሑ የመላኽት።

ሓደጋ ኑክለሳዊ ኲናት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዝተራእየ ገለ ተስፋ ሰላም ዝሕብር ብልጭታታት እኳ እንተተራእየ “እቲ ውግእ ግና እናበኣሰ ይኸይድን ንስግኣት ኑክለሳዊ ኲናት በሪ ዝኸፍትን ዘሎ እዩ ዝመስል፥?

ኑክለሳዊ ኣጽዋርን ኣቶማዊ ውግእን ከም ተኽእሎታት ክዝርከብ ምስማዕ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ እዩ። እቲ ዝቀላጠትፍ ዘሎ ውደራ ኣጽዋር ውግእ ዘተሓሳስብ እዩ። ኣብ ክንዲ ንጥሜት ንምምካትን ናይ ስራሕ ዕድል ንሕዝብታት ብምፍጣርን፥ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ንዘይረኽቡ ክንክን ጥዕና ንምርግጋጽ ምርብራብ ንውግእ ዝውዕል ገዚፍ ወፍሪታት እዩ ዝረአ ዘሎ!

መንፈስ ሄልሲንኪ ምብርባር

ነቲ ዝርአ ዘሎ መዓት መወዳእታ ንምግባር ዝከኣለና ኩሉ ንገብር እንተሎና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ይግባእ - ኣብዚ መዳይ እዚ ተመኩሮ መስርሕ ሄልሲንኪን ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝተኻየደ ዘተ ምቁጽጻር ኣጽዋርን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ክድገም ዘይክእል እኳ እንተኾነ፡ ነቲ መንፈስ ዳግማይ ንምትንሳእ “ብመሃዛዊ ኣገባብ ምዕያ” ኣድላይ ይኸውን፡ ነዚ ኲናትን ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኲርናዕ ዓለም ዝርአ ዝተረስዑ ኲናት ብሓድሽ መጋበርያታት ክንፈትሖ ኣሎና፥”

ብኣረጊት ኣተሓሳስባ መሰረት ህሉውን መጻእን ክንሓስቦ ኣይንኽእልን ኢና፡ ብዙሓት ሃገራት ክስማዓን ክውከላን ከም ዝሓተታ ንገዛእ ርእስና እናዘኻኸርና ሓድሽ ውጥን ሰላምን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ክንሓስብን ክንሃንጽን የድልየና። ንኣህጉራዊ ውዕላት ሓድሽ ሕግታት ንሰላም እምበር ኣብ ዘይተርፍ ኲናት ዝብል ኣመለኻኽታ ክንወራዘ የብልናን፥ ኣብ እናካይዶ ዘተ ካብ ወተሃደራዊ ቃላት ምልቓቕ የድሊ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ዋዕላ ሰላም ኤውሮጳ

ስለዚ ኤውሮጳ ንሓድሽ ዋዕላ ሰላም ኤውሮጳ ክትሰርሕ ይግባእ። ከምኡ ብምግባር ድማ ኣብ ሰላምን ሕግን ኣህጉራዊ ፍታሒ ዝተመስረተ ስልጣነ ደጊማ መብራህቲ ትኸውን። ቅድስቲ መንበር ብወገና “ነዚ መስርሕ ንምትብባዕ ዝከኣላ ኵሉ ክትገብር ድልውቲ እያ” ቢሎም ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ 1965 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ዘቕረብዎ ታሪኻዊ መደረ፥

ድሕሪ ሕጂ ውግእ ኣይሀሉ! ሰላም ንዕጫ ህዝብታትን ናይ ኵሉ ሰብኣውነት ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ!

እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ኢጣልያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊን ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማሕበረሰብ መስራቲ ናይ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣንድረያ ሪካርዲ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

14 Dec 2022, 14:59