ድለ

ቅዱስቲ መንበር ስደተይናታት ቍጽሪ ኣይኮኑን! ቅዱስቲ መንበር ስደተይናታት ቍጽሪ ኣይኮኑን! 

ቅዱስቲ መንበር ስደተይናታት ቍጽሪ ኣይኮኑን!

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ንዋቹክዉ፥ ሃገራት ንስደት ከም “ብድሆ” ጥራይ ዘይኮነስ ከም “ሰላም ንምሕናጽ ዝድግፍ ዕድል” ገይረን ክርእይኦ

ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ መበል 113 ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ዛዕባ ስደተይናታት ዝግደስ ኣህጉራዊ ውድብ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ሱር ጠንቂ ስደት ክፈትሖን ከምኡ እውን ስደት ከም ብድሆ ጥራይ ዘኮነስ ከም ዕድል እውን ክርእዮ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዒት ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣራኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንፖለቲካውን ሕጋውን መዳያት ዘይስሩዕ ስደት ሸለል ከይበልና፡ ነቲ ሰብኣዊ ወጅሂ ስደት ክንየው መልክዓ ምድራዊ ዶባት፡ ኣካል ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ምዃንና ፈጺምና ክንስሕቶ የብልናን፥ ነዚ ዝበሉ መንበረን ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝኾና ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፥ ኣብ ውድብ ንግድ ዓለምን ዛዕባ ጒዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ዓለም ለኻዊ ውድብን ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ናይጀሪያዊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ ንዋቹክዉ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም “ስደተይና ቁጽርን ከም ቁጽሪ እተካፍሎ ኮይኑ ከም ዘሎን በዚ መዳይ ናይ ምምልካት ኣሰራርሓ ኣብ ፖለቲዊ መድረኽ ኣብ ዝካየዱ ክትዓትን ወትሩ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ፥ ስደተይናታት እትካፈሎ ጾር ገይሩ ዝምልከት ፖለቲካን ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዘመሓድር ሕግታትን በዚ መስርሕ እዚ ምሕጻጽ ጌጋ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሱር ጠንቂ ስደት ምፍታሕ የድሊ

“ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንዝረኸብናዮ ዓወታት ኣብ ሕቶ ዘእቱ ‘ሱር ጠንቂ ስደትን ጉዱድ ምዝብልናን’ ብህጹጽ ምፍታሕ ከም ዘድሊ ብጹዕነቶም ገሊጾም፡ ሃገራት ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ሰባት ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ከኽብራ ግዴታ ኣኳ እንተሃልወን፡ “ማሕበረሰብ ዓለም ማሕበርሰባትን ውልቀ ሰባትን ኣብ መበቆል ሃገራቶም ብውሕስነትን ብክብርን ከነብርሉ ዘኽእሎም ኩነታት ንምፍጣር ክሕግዝ እውን ወሳኒ እዩ” እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ እውን ምስቲ ናይ 2018 ዓ.ም. ውዕል ሕቡራት ሃግራት ዓለም ንውሑስ ስርዓታውን ስሩዕን ስደት ዝሰማማዕ እዩ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዶባትን ኣብ ባሕርን ዝረአ ዋሕዚ ስደተይናትት ንምምሕዳር ዘሎ ህልው ኣገባብ ምትዕርራይ የድልዮ። እዚ ሓሳብ እዚ እንተድኣ ዘይተዓዊቱ ማእለያ ዘይብሉ ተግባራት ዓመጽን ግህሰትን ኣናውሰሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ክሳራ ህይወትን ዘስዕብ ህልዉ ቅልውላው ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ መዲትራኒያን እናገደደ ጥራይ ኢዩ ዝኸይድ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስደት ዕድል እውን እዩ

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ንዋቹክዉ፥ ሃገራት ንስደት ከም “ብድሆ” ጥራይ ዘይኮነስ ከም “ሰላም ንምሕናጽ ዝድግፍ ዕድል” ገይረን ክርእይኦ ዓዲሞም። ምሲ እዚ እተኣሳሲሮም፡ “ብመንፈስ ሓድሕዳዊ ምፍላጥ ሓድሕዳዊ ክፉትነትን ምክብባርን” ዝቐውም ውህደት ኣገዳሲነቱ ኣጽኒዖም ብምዝኽኻር፥ እዚ ድማ ሕግታትን ልምድታትን እተን ዘአንግዳ ሃገራት ዝምልከት ኮይኑ ኩሉ ግዜ “ናይ ርክብን ምትሕብባርን ባህሊ ከተባባዕ” ይግባእ።

ከባቢ ኣየርን ስደትን

ኣብ መባእታ እዚ ሰሙን እዚ ዛዕባ ከባቢ ኣየርን ስደትን ዘለዎ ምትእስሳር ኣማእኪሉ ዛዕባ ጒዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ዓለም ለኻዊ ውድብ ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ኣኼባ ዝተሳተፋ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳይ ምኽትል ዋና ጸሕፊ ዶክተር ፍራንቸስካ ዲ ጆቫኒ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ፥ “ኣብ መንጎ ለዊጢ ኩነታት ኣየር ድሕንነት መግቢ ስደት ከምኡ እውን ምግዓዝን” ዘሎ ምትእስሳር ብዕምቆት ከም ዘብርሃ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ ምስ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እተተሓሓዘ ጸኣት ስደት ምስትውዓል ከም ዘድልን፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምብዳህ ነቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘስዕቦ ጸኣት ስደት ንምፍታሕ ዝሕግዝ እዩ፡ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ብሰንኪ ዅነታታ ኣየር ዘጋጠመ ዕንወት 23.7 ሚሊዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉን ምዝባዕ ኩነታት ኣየር መፍትሒ ንኽርከቦ ስጒምትታት እንተድኣ ዘይተወስደ ክሳብ 2050 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ዓመታት ገደብ ልዕሊ 216 ሚሊዮን ሰባት ንስደት ክዳርጉ እያቶም” እንክብላ ጸብጻባት መሰረት ብምግባር ሓቢረን ስለዚ ስደተይናትት ክትዛረብ እንከለኻ ዛዕባ ስደተይናታት ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፥ ብዛዕባ ሕጅን መጻእን ሰብኣዊ ድራ ቤት ኢኻ እትዛረብ” ከም ዝበላ የዘኻኽር።

03 December 2022, 17:00