ድለ

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ሓላፋ ናይ ምባል ምርጫኣ ህልዩኣዊ ኣይኮነን! ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ሓላፋ ናይ ምባል ምርጫኣ ህልዩኣዊ ኣይኮነን! 

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ሓላፋ ናይ ምባል ምርጫኣ ህልዩኣዊ ኣይኮነን!

“ኣምላኽ ኣብ ጓና ኣብ ስደተይና ኣብ ድኻ እንተ ዘይረኺብካዮ ኣብ ቅዱስ ቁርባን እውን ኣይክትረኽቦን ኢኻ” ብዝብል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቃላት

ኩለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ጀርመን ከተማ ማይንዝ ብምኽንያት መበል 400 ዓመት ዝኽሪ ቅዋሜ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ፥ “ስበከተ ወንጌልን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣመርኵይዞም ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንድኻታት ሓለፋ ምባል ህልዮ ወይ ፖለቲካ ምስቲ ቤተ ክርስቲያን ንድኻታት ሓለፋ ናይ ምባል ተልእኾኣ ዝሰማማዕ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ምስ ክርስቶስ ካብ  ምርኻብ እዩ ዝውለድ፡” ነዚ ዝበሉ ኵለንተናዊ ምሉእ ስበኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 9 ታሕሳስ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 400 ዓመት ቅዋሜ ናይ ስብከተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ማይንዝ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንክሎ፥ ብጹዕነቶም ኣብቲ “ስብከተ ወንጌልን ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፥ “ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ናይ ማሕበራዊ ህይወት መባዅዕቲ ክኸውን” ካብ ኢየሱስ ዝተላእከትን ነዚ ተልእኾ እዚ ዝተቐበለትን እተገልግልን እያ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ማይንዝ ዝተኻየደ ዋዕላ

ብፕሮፓጋንዳ ፊደ ማለት ኣስፍሆተ እምነት ብዝብል መጸውዕ ቅድሚ 400 ዓመት ዝተመስረተ ሎሚ ብናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ኣስፍሆተ ወንጌል ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ፥ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ተልእኾ ተቕዋምን ዛዕባ ስነ ተልእኾን ስነ ሃይማኖታዊ መጽናዕትን ዘተኵር ዘሕትሞ መጽሔት ዘለዎ ምዃኑ ካርዲናል ችዘርንይ ኣዘኻኺሮም፡ ካብ ኣስተንትኖን ማሕበራዊ ተወፋይነትን ዝነቐለ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን “ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ብዝብል መጸውዕ ዓለማውያን ምእመናን ዘበገስዎ ማሕበራዊ ቅልውላውን ኢንዱስትሪያዊ ሰውራ ዘንቀሎም ብድሆታት መልሲ ንምሃብ ስነ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ንቕድሚት ከም ዝሰጎመ ገሊጾም፥

ካብ ዓዋዲ መልእኽቲ “ሓደስቲ ነገራት” ናብ “ፍስሓን ተስፋን” ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ተወፋይነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዘተኮረ ናይቲ ኣብ 19ን ከምኡ እውን ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝማዕበለ ኣስተምህሮ፡ ናይቲ ሓደስቲ ነገራት ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ኣብ 1891 ዓ.ም. ዝደረስዎን “መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ዳግመ ህንጸት ማሕበራዊ ስርዓት” ብዝብል ኣርእስቲ ፒዮስ መበል 11 ኣብ 1931 ዓ.ም. ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ዘቕርቦ ትምህርትታት ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ዝተደንገገ ውሳኔ “ፍስሓን ተስፋን” ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዘማዕበለ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እቲ ሕመረት ናይቲ ሰነድ ድማ “ቤተ ክርስቲያን ብምዕባለ ማሕበራዊ ህይወት ደቂ ሰባት ክትህብትም ከምእትኽል ጥራሕ ዘይኮነ ክትህብት ይግብኣን” ዝብል እዩ። ሰብከተ ወንጌል ድማ ንሰብኣዊ ምዕባለን ንምክልኻል ሰብኣዊ ክብሪ ደቂ ሰባትን ቆራጽ ተወፋይነት” ዘጠቓልል ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ “ወንጌል ምብሳር” ዘርእስቱ ክሳብ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ

ካርዲናል ችዘርንይ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ከም ዝማዕበለ እንከብርሁ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ “ብስራተ ወንጌል” ዘርእስቱ ናይ 1967 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብቲ “ህዝባዊ ምዕባለ’ (1967 ዓ.ም.) ዘርእስቱ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲ መልእኽትታት፡ ሓቀይና ምዕባለ ኣብቲ ዝለዓለ ክብርታት ፍቕርን ዕርክነትን - ብጻይነትን ጸሎትን ኣስተንፍሶ ዝገብርን ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ “ማሕበራዊ ክንክን” (1987 ዓ.ም.) ዘርእስቱ ዓውዲ መልእኽትን ነቲ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ዓዋዲ መልእኽትታት ዘሎ ኣምር ብዕምቆት ሃብትን ምፍራይን ንዋታውን ንበይኑ መግለጺ ሓይቀይና ምዕባለ ክኸውን ከም ዘይክእልን ሓቀይና ምዕባለ ናይ ድኻታትን ናህሪ ዋጋ ንስቓይ ዝዳርጎም ክፍሊሕብረተሰብን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርኸቡ ንድሕሪት ዘይሓድግ ምዃኑ ብጥልቂ ዘብርህ ምዃኑ ይገልጹ።

በነዲክቶስ መበል 16 “ፍቕሪ ብሓቂ” ኣብ ዘርእስቱ ናይ 2009 ዓ.ም. ዓዋዲ መልእኽቶም፥ ኣብ መንጎ ናይ ንግድ ዓለምን መንግስታትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዝያዳ ምትሕብባር ዳግማይ ምምቕራሕ ሃብቲ ንምርግጋጽ “ስነ መጎታዊ ህያብ” ምሕያል ንምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝድርኽ ምዃኑ ከም ዘብርሁን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ “ወንጌል ሓሴት” ዘርእስቱ ናይ 2013 ዓ.ም.  ሓዋርያዊ ምዕዳኖምን ኣብቲ “ይሴባሕ” ዘርእስቱ ናይ 2015 ዓ.ም. ዓዋዲ መልኽቶምን ደሓር እውን ኣብቲ “ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስቱ ናይ 2020 ዓ.ም. ዓዋዲ መልእኽቶም፥ እቲ ዝንጸልን ዝርሳዕን “ስርዓት ዕደ ጥበባዊ ረባሕታ” ስዒቡ ዝተኣታተውን ዝሰፍሕን ጓሓፋይ - ሰብ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ባህሊ ብሰፊሕ ተንቲኖም፡ ክውገድ ከም ዘለዎን እዚ ንምውጋድ ማሕበራዊ ብጻይነት - ምሕዝነት ዝበለጸ እውን ሕውነት ኣገዳሲ ምዃኑን እዚ እውን ክህሉ ከም ዝግብኦ ብዘቕርብዎ ትምህርቲ ኣቢሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ስነ ማሕበራዊ ትምህርቲ የብርሁን የቕርቡን ዝበሉ ብጹዕነቶም፥ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ “ኣምላኽ ኣብ ጓና ኣብ ስደተይና ኣብ ድኻ እንተ ዘይረኺብካዮ ኣብ ቅዱስ ቁርባን እውን ኣይክትረኽቦን ኢኻ” ብዝብል ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ቃላት ጠቒሶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 Dec 2022, 16:00