ድለ

ቤተ ክርስቲያን ቤትና እያ፥ ኣካለ ስንኩላን ንማሕበረሰብን ቤተ ክርስቲያንን ጸጋ እያቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ተቐቢሎም፥ ንናይ ኣካለ ስንኵላን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባይቲ ስድራኦምን ጠለባት መልሲ ምሃብ ግብኡ እዩ

ብምኽንያት እቲ ብሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃ ዝቕጽል ዘሎ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ መሰረት ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብቐጻሊ “ቤተ ክርስቲያን ቤትና እያ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕርቦ ተኸታታሊ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ዘቕረቦ ካልኣይ ናይ ምስማዐ ርእየት መደብ “ኣብ  መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣካለ ስንኵላን ንማሕበርሰብ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ከቕርብዎ ዘለዎም ህያባት ዘጒልሕ ኮይኑ፥ ነዚ እውን ተንስእ ተጓዓዝ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ፥ ጸጋ ምዃኖም የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጒባኤ ጽርሓ ካብ ኢጣሊያ ዝተዋጽኡ ኣካለ ስንኩላንን ኣባይቲ ስድራኦምን ነቶም ናይ ኣካለ ስንኵላን “ጠለባት ምላሽ ክወሃቦ ዝዓዩ ናይ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ፥ “ተቐቢሎም፥ ንናይ ኣካለ ስንኵላን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባይቲ ስድራኦምን ጠለባት መልሲ ምሃብ ግብኡ እዩ” ቢሎም ቅዱስነቶም ነቲ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ብበርገሳውያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብቐጻሊ ንኣካለ ስንኵላን ንምድጋፍ ዝግበር ተወፋይነት ኣመስጊኖም፡ እዚ እውን ንኣካለ ስንኩላን ቆላሕታ ኪግበረሎም ዘተባብዕን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እውን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ቢሎም፥ ተወፋይነት ማሕበረሰባት ቤተ ክርስቲያን ኢጣሊያ “ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ቀጻሊ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ” ዝምስክር ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፡ “እምላኽ ነቶም ዝራኸቦም ሰባት ልዕሊ ኵሉ ነቶም እተገሉ ርሕራሐን ምሕረትን” ከም ዘርእዮም ገሊጾም፡ “ስለዚ ኸኣ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነቲ ዘይምግዳስ ናብቲ ጉረቤተይን ቀረባይን ቀይሩ ኣብ ዝኽውኖ ኣገልግሎት ትንቢታዊ ተልእኾ ይፍጽም” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ዕለት 15 ታሕሳስ እቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ሲኖዳውነት፥ ብቀንዱ ዘስምረሉ ሓሳብ ምስማዕ ዝብል ክኸውን እንከሎ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ምዃንን ምስ ወንጌል ምርኻብን ከመይ ገይሩ ብዘይተጸበናዮ መገዲ ሓድሽ ጸዓት ከም ዘበግስ ይገልጽ . . . ኢየሱስ ንሓደ ኣካለ ስንኩል ተንስእ እሞ ኪድ ክብሎ እንከሎ  ወንጌል ኣካፍል እዩ ዝብሎ . . . ወንጌል ንኽትእውጅ ኩነታትካ ክዕንቅፈካ የብሉን እዩ ዝብል። ክውንነት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ መታን ከብል ክልወጥን ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ገዛእ ራእስኻ ክትወስድን ዝሕግዙ መተባብዒ እዩ።

ጉዕዞ ሲኖዶስ ንስኵላን ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ተሳትፎ ንኽገብሩ መገዲ የርህው ከምኡ እውን ነቲ ፍሉዩ ጸዋዕታኦም ምሉእ ብምሉእ ክርድኡን ከለልዩን ከንበርዎን የኽእሎም እዩ።

16 Dec 2022, 15:05