ድለ

2022.11.28 RIUNIONE DEI PRESIDENTI DELLE RIUNIONI INTERNAZIONALI DELLE CONFERENZE EPISCOPALI E COORDINATORI DELLE TASK FORCE CONTINENTALI CON LA SEGRETERIA GENERALE DEL SINODO 2022.11.28 RIUNIONE DEI PRESIDENTI DELLE RIUNIONI INTERNAZIONALI DELLE CONFERENZE EPISCOPALI E COORDINATORI DELLE TASK FORCE CONTINENTALI CON LA SEGRETERIA GENERALE DEL SINODO 

ጐዳና ሲኖዶስ ብሓባር ክንጐዓዞ ዘሎና መንገዲ እዩ! ካርዲናል ግርች

ኣህጉራዊ ጒባኤታት ኣሰምብልያ ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ንምቋም ካብ መላእ ዓለም ንክልተ መዓልታት ኣብ ሮማ ዝተጋብኡ ኣቦመንበራትን ኣዋሃሃድትን ኣህጉራዊ ጉባኤታት ሲኖዶስ ተዛዚሙ፤ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ‘ንኩሉ ጽን ቢልካ ምስማዕን ንማንም ዘይምግላልን ክፍሊ ሲኖዶሳዊ ጒዕዞ እዩ’ እንክብሉ ጐዳና ሲኖዶስ ብሓባር ክንጐዓዞ ዘሎና መንገዲ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ኣብ መጀመርያ ንክልተ ዓመታት ጥራይ ኪካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ምስንዳው ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ክሳብ 2024 ሳልሳይ ዓመት እንክውሰኾ እዚ ከኣ ብክልተ ደረጃ ምዃኑ ቅዱስነቶም ምስ ኣወጁ ኣቦመንበራትን ኣዋሃሃድትን ኣህጉራዊ ጉባኤታት ሲኖዶስ ነቲ ካልኣይ ክፍሊ ዝኸውን መደብ ንምስንዳው ንክልተ መዓልቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ቀንዲ ቤትጽሕፈት ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ከምዘካየዱን ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡን ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ብፁዕነቶም መግለጺኦም ብምስጋና ኣግራሞትን ብምጅማር ስለኩሉ ነገር ን እግዚኣብሔርን ነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤን ምስ ኣመስገኑ ቀንዲ ልቦም ዝተንከፎም ቤተክርስትያን ክሳብ ክንደይ ህያው ብምዃኑ ክር እዩ ምኽ ኣሎም ምዃኑ ንምግላሽ ‘ምስክርነት ናይታ ሕያው ዝኾነት ቤተክርስትያን ብ እዝነይ ሰሚዔ፤ ናይዘን ዕለታት እዚኤን ምክፍፋል ተመኲሮ ሓድሕድ እቲ ጒዕዞ ጽቡቅ ይግስግስ ከምዘሎን ንዝዓበየ ክፍሊ ከምዝዓመመን እንክግንዘብ ገና ካብ ነንሕድሕድና ክንመሃሮ ዘሎና ብዙሕ ጉዳያት ከምዘሎ ተገዚበ፤ ነቲ ብቀዳምነትን ብቀንድነትን ስብከተወንጌል ዝኾነ ዕማም ሥራሕና ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ በዓል ምሉእ ተስፋ እየ፤ እዚ ብሓቂ ጐድና ሲኖዶስ እዩ፤ ብሓባር ክንጐዓዞ ዘሎና መንገዲ ኰይኑ ቀንዲ መጋበሪና ከኣ ንነፍስወከፍ ጽን ቢልካ ንምስማዕን ንምቅባልን ንማንም ዘይምግላልን እዩ፤ ምኽንያቱ ከኣ ቤተክርስትያን ኣብቲ ኣብዝስ ክንረኽባ ኣይኮነን ኣብ እንብለሉ ቦታ ህያው ኰይና ንረኽባ’ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ኣመልኪትናዮ ከምዝነበርና ዝሓለፈ 28 ሕዳር ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንተሳተፍቲ ጉባኤ ዝኾኑ ኣቦመንበራትን ኣዋሃሃድትን ኣህጉራዊ ጉባኤታት ሲኖዶስ ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም ነሮም፤ ብፁዕነቶም ኣብ መግሊጺኦም ነዚ ርክብ ኣመልኪቶም እቲ ርክብ ብሓቂ መንፈስ ሕውነት ዚዓሰሎን ንክልተ ሰዓት ዝጸንሐን ነበረ ኢሎም። ኣብቲ ርክብ ክንዲ ተሳተፍቲ ኰይኖም ንቅዱስነቶም ምስጋናን ሰላምታን ዘቅረቡ ሊቀ ጳጳስ ሉክሰምበርግን ኣወሃሃዲ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳትን ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ክሎድ ሆለሪች ከምዝነበሩ ንር.ሊ.ጳ ከኣ ‘ንክቅበልዎም ግዜ ብምሥራዖምን ንጒዕዞ ሲኖዶስ ብዘለገሱሎም ምኽርን’ ኣመስጊኖም፤ ምስዚ ብምትሕሓዝ እውን ጒ ዕዞ ሲኖዶስ ኣብዚ ዘለዎ ደረጃ ድሮ ኩለንታዊነቱ ከስተማቅሩ ከምዝኸኣሉን ዝተፈላለየ ኣብያተክርስትያን ካብ ጒዕዞ እዚ ከይንጸላ ብምሕጋዝ እዚ ክባዊ ዘተ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣሰምብልያ ንኩለን ኣብያተ ክርስትያን ኣህጉር ዓለምና ዓቢ ጥቅሚ ከምዘለዎ ገለጹ።

ሲኖዶሳውነት ካቶሊካዊ ንክኸውን ወትሩ ሓገዝን ምኽርን ተላዌ ጴጥሮስ ከምዘድልዮ ዝገለጹ ብፁዕነቶም ‘ንመንፈስ ሓርነት ዝምስክር ጥዑይ ፍልልያት ስለዘድልዩና ነዚ ክውን ንክንገብርን ነቲ ኣብዚ ጐዳና እዚ ከጋጥመና ካብ ዝኽ እል ገለገለ ፈተናታትን ንክትሕግዙና ብግዲ ተድልዩና ኢኹም’ እንክብሉ ንቅዱስነቶም ከምዝተማሕጸኑ እውን ተመልኪቱ።

ካብቲ ዘመልከትዎ ሓደጋታት ገሊኦም ንቤተክርስትያን ንምሕዳስ ድሮ መደብ ሰሪዖም ነዚ ሲኖዶስ መጋበሪ ክገብሩ ዘንቀዱ ከምዘይሰኣኑ ብምምልካት እዚ ግን ንሲኖዶስ መንፈስ ፖሎቲካ ዘልብስ ስለዝኾነ ቤተክርስትያን ካብዚ ነጻ ክትከውን ኣለዋ ኢሎም፤ ማዕረ እዚ ከኣ ካልኦት ንሕሉፍ ጥራይ ዝጥምቱ ኣድሓርሓርቲ ወይውን ዓቃባዊ መንፈስ ዘጥቅ ዖም እውን ከምዘይሰኣኑ ብምምልካት ተሳተፍቲ ጉባኤ ሓቀኛ መመያ እኳ ደኣ ሓዋርያዊ መመያ ገቢሮም ቤተክርስትያን ተላኮኣ ንክተብጽሕ ሲኖዶሳዊት ኰይና ብሓባር ንክትጐዓዝ ይሓግዝዋ ኢሎም።

ኣብ ምዝዛም ቃሎም ምስ ር.ሊ.ጳ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ መንፈስ ቅዱስን ብሓባር ብምጒዓዝ ንቤተክርስትያን ክነመሓይሻ ንኽእል ኢሎም።

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]     

01 December 2022, 14:02