ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት፥ ሕድሽ ኣቦ መንበርን ምኽትልን መሪጹ
ኣብ ከተማ ባልቲሞረ ካብ ዕለት 15 – 17 ሕዳር 2022 ዓ.ም. ምሉእ ሓፈሻዊ ጒባኤኡ ዘካየደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ሰበኻ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቲሞትይ ብሮሊዮ ኣቦ መንበር፡ ናይ ባልቲሞር ሜጥሮፖሊታ ሊቀ ጳጳሳሳት ብጹዕ ኣቡነ ዊሊያም ሎሪን ምኽትል ኣቦ መንበርን ናይ ኦክላሆማ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ኮለይን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ እንክብል ከም ዝመረጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እዞም ሓደስቲ ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ነቶም ናይቲ ናይ ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብኣቦ መንበርነትን ምኽትልን ኮይኖም ንሰለተ ዓመት ዝመርሑ ናይ ሎስ ኣንጅገሎ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ጎመዝን ናይ ደትሮይት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣለን ዊኘሮን ዝትክኡ ምዃኖም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕ ኣቡነ ብሮግሊያ ብቲይሎጊያ ምሩቕን ናይ ሕገ ቀኖናን ሊቅን እንግሊዘይናን ጣልያንን ስፓኒሽን ፍረንሳ ቋንቋታት ዝዛረቡ ምዃኖም ሓቢሩ፥ ብጹዕ ኣቡነ ሎሪ፥ ብቲዮሊጊያ ልቕነት ዘመስከሩ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
እቲ ምሉእ ሓፈሻዊ ጒባኤ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ዛዕባ ምንጻል ጥንስን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዛዕባ ጥንሲ ምንጻል ዝምልከት ውሳኔ ንነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ስልጣን ዝምልከት እዩ እንክብል ዝሃቦ ውሳኔን ዛዕባ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሲኖዶሳዊ መስርሕን ሃገር ለኸ ተበግሶታቱን ኣብ ዝምልከት ዛዕባታት ከም ዝመኸረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።