ድለ

ታግለ፥ ኣዋጅ ር.ሊ.ጳ. ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ትሕትናን ምስትውዓልን መስርሕ እዩ! ታግለ፥ ኣዋጅ ር.ሊ.ጳ. ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ትሕትናን ምስትውዓልን መስርሕ እዩ! 

ታግለ፥ ኣዋጅ ር.ሊ.ጳ. ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ትሕትናን ምስትውዓልን መስርሕ እዩ!

“ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ክንምላለስ” ጻውዒትን “መስርሕ ምስትውዓልን - መምያ” ንኽኸውን ዝዓለመ “ጥንቁቕን ናጻን መጽናዕቲ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ታግለ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ኣዋጅ ንተጋባእያን ከም ዘቅረቡ

እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ብዛዕባ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝምልከት ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ ኣብ ሮማ ንምሉእ ሓፈሻዊ ጒባኤ ተጋባእያን ንኣባላት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘንበቡ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ፥ ናይ ግህሰት ወይ ግጉይ ምሕድራ ሃብቲ ገንዘብን ዝብል ሕቶ የሎን፥ እቲ ኣገልግሎት ንድኻታት ዝቕጽል እዩ፡ ስለዚ ነቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ዝምስርቕ ውሳኔ እዩ ከም ዝበሉን ዶክተር ፒነሊ እውን እቲ እዋጅ ነቲ “ብሉጽ ዝኾነ ኣዚዩ ዝበለጸ ክኸውንን ንንምሕያሽ ዝሕግዝ ንቑጣ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዕዮታት ንኽምርምር ዝቖመ ሽማግለ ዘቕረቦ ጸብጻብ፥ ፈጺሙ ብዛዕባ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ግጉይ ምሕዳራ ሃብቲ ገንዘብ ዝብል ጒዳይ ዘለዎ ኣይኮነን፡ ስለዚ እዚ ዓይነት በደል ድዩ ወይ ግድፈታት መሰረት ዝገበረ እዩ ዝብል ምጥርጣራት ክህሉ የብሉን፡ እንታይ ደኣ “ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ክንምላለስ” ጻውዒትን “መስርሕ ምስትውዓልን - መምያ” ንኽኸውን ዝዓለመ “ጥንቁቕን ናጻን መጽናዕቲ እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ታግለ ነቲ ናይ ቅዱስነቶም ኣዋጅ ንተጋባእያን ከም ዘቅረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ልሂቅ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ኣብቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጒባኤ ነቲ ኣዋጅ ከም ዘንበቡን ነቶም ሓደስቲ ግዚያዊ ኣባላት ምሕደራ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ እውን ኣብ ጎድኖም ከም ዝኾኑ ገሊጾም ሰናይ ኣገልግሎትን ስራሕን እምነየልኩም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብቲ ኣዋጅ

ኣብቲ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ኩለንተናዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ጸንቢሩ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ፡ ነበር ኣቦ መንበር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ነቲ ኣዋጅ ንተጋባእያን እንክንብቡ፥ እቲ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ዛዕባ ኣዋጅ “ንገለ ካባኻትኵም ዘሰክፍ ወይ ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦን ውሳኔ ግን ድሕሪ ጥንቁቕን ናጻን መጽናዕቲ ሃዋህው ስራሕ ቤት ጽሕፈት ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስን ኣካላትን ካብ ዝፍጸም ምሕደራ ዝመጸ ምዃኑ ርግጸይናታት ኩኑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

ብሓባር ምጉዓዝ

“ብዛዕባ ጾታዊ ትንኮሳ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ወይ ግጉይ ምሕደራ ገንዘብ” ዝብልዎም ግድፈታት የልቦን ኣብቲ ኣዋጅ፥ ነቲ ኣዋጅ ዝደረኹ ምኽንያታትን ሸቶን ተነቢሩ ኣሎ” ዝበሉ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ነቶም ምስኦም ሓቢሮም ዝሰርሑ ኣባላት ምሕደራ ኵሎም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተረኽቡን ብስራሕ ምኽንያት ንዘይተረኽቡ ናይ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ኣመስጊኖም፡ እቲ ኣዋጅ ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ክንምላለስን መስርሕ ምስትውዓልን ናጽነት ንዘይኮነ ኵሉ ክንገጥምን መንፈስ ናጽነት ክንስዕብን ብተመሳሳሊ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ብፍሉይነቶም ብሓባር ክንምላለስን እዩ - እዚ መግለጺ ሰብኣውነት እዩ” . . . ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ድኻታትን ዝተገሉን ኣብ ምሕብሓብ ዘጋጥም ብድሆታት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጾም፡ ስለዚ እዚ ኣዋጅ ነቲ ትካል ግብረ ሰናይን ንኣባላቱን ዝሕግዝ ብሉጻት ልምድታትን ወንጌላዊ ክብርታትን ብዘሰማማዕ መገዲ ክሰርሕን ድሉው ክኸውን ዘተባብዕ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ

ናይ ኵለንታዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ እውን ብወገኖም፥ “ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ምሕደራ ንምምሕያሽን መስርሕ ሕዳሰ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝያዳ ውጽኢታዊ ንምግባር ዝዓለመ እዩ። ንመስርሕ ለውጢ ንምስናይ ዘድሊ ሓልዮት ሰባት እዅል ቆላሕታ ኣይተዋህቦን . . . ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ብድሆታት ንምግጣም ብዝበለጸ ክዳሎ ኣድላዪ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ተራ ሰለ ዘለዎ” ቢሎም፥ . . . ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ናይ ቅድስቲ መንበር ኮይኑ ናይ ር.ሊ.ጳ. ግብረ ሰናይ ዘብጽሕ እዩ፡ ስለዚ ኣመሓድራኡ ተልእኾኡ ዝነብር ክኸውን ኣለዎ፡ ማለት ኣብ ዓለም ብብርሃን ወንጌልን ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መሰረት ናይ ፍቕሪ ስራሕ - ግብረ ሰናይን ፍትሕ ዝዝርግሕ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግዚያዊ ዋና ኣመሓዳሪ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዶክተር ፒነሊ

ነበርን ሓደስትን ኣመሓደርቲ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ነቲ ኣዋጅ ቅዱስነቶም ብመንፈስ ኣገልግሎት ከም ዝቕበልዎን ከም ዝእዛዙን እንከረጋግጹ፡ ግዚያዊ ኣመሓዳሪ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዶክተር ፒነሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣዋጅ ምስ ኵሎም ኣባላትን ስራሕተይናታትን ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኮይኖም ብእምነት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ኣብ ዝገብር ዕዮ፡ እምነት ደገፍ ከም ዝኾኖም ገሊጾም፡ እዚ ካብ ዝቐውም መበል 70 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ትካል ቅድስቲ መንበር ኣብ ነዊሕ እዋን ፍረ ከፍሪ መስርሕ ዕርቅን ምምሕያሽን ኮይኑ ዘገልግል ከም ዝኾነን ኣዘኻኺሮም ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልዕለኦም እምነት ምግባሮም ድማ ብትሕትና አምስግን ቢሎም . . . እቲ ኣዋጅ ነቲ ድሮ ብሉጽ ዝኾነ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ መፈተሺ ነጥቢ እዩ፡ ነዚ ሓድሽ ኣገልግሎት ብህድታትን ብትሕትናን እቐርቦን ቀዳማይ ዕላማኦም ምስቶም ኣብ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዘለዉ ኵሎም ኣብ ህይወት ናይ ፍቕሪ ስራሕ ብንጥፈት ዝሳትፉን ናይ ምትእምማን ሃዋህው ንምህናጽ ብሓባር ምስራሕ ዝብል ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከም ዝኸውን እገልጽ” ኢሎም።

23 Nov 2022, 16:30