ድለ

2022.05.30 Mgr  Richard Kuuia Baawobr M. Afr, vescovo di Wa in Ghana 2022.05.30 Mgr Richard Kuuia Baawobr M. Afr, vescovo di Wa in Ghana 

ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ሪቻርድ ባኣዎብር!

ኣባል ዋይት ፋዘርስ ዚበሃል ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ስብከተ ወንጌል ኣፍሪቃ ዝተዋፈሩ ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ሲምፖዝየም ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበርን ጳጳስ ሰበኻ ዋ ሃገረ ጋናን ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሪቻርድ ባኣዎብር ኣብ መበል 63 ዓመቶም ብሃንደበት ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ሃገረ ጣልያን ከምዝዓረፉ ዋና ጸሓፊ ዋይት ፋዘርስ ኣመልኪቶም።

ዜና ቫቲካን!

እታ ጐይታ ብዘተፈልጠት ሰዓት ክጽውዓኩም ስለዝኽእል ወትሩ ተሰናዲኹም ንበሩ እትብል ቃል ጐይታ ብግብሪ ዝገልጽ ፍጻሜ ኮይኑ ብብዙሓት ዝተራእየ ዜና ዕረፍቲ ነፍሰኄር ብፁዕነቶም ደሓን ኣሎኹ ክብሉ መዝነት ኣብ ርእሺ መዝነት እናተደረቦም ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ሰበኻ ዋ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንካርዲናለት ካብ ዝጸውዕዎም ሓደ ኣብ ርእሲ ምንባሮም ብወርሒ ሓምለ ከኣ ብጳጳሳት ኣፍሪቃን መደካስካርን ናይቲ ሰካም ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ማለት ስዩምፖዝዩም ኦፍ ኤፒስኮፓል ኮንፈረንሰስ ኦፍ ኣፍሪካ አንድ ማዳካስካር ማለት ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን  ሲምፖዝየም ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበር ክኾኑ ተመርጹ። ኣብቲ ቅዱስነቶም ብወርሒ ግንቦት ንሲመት ካርዲናላትን ካልእ ጉዳያት ቤተክርስትያንን ክጋባእ ንወርሒ ነሓሰ ዝመደብዎ ብኮቺስቶርዮ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ካርዲናላት ንምስታፍ ንሮማ መጹ። ብኡ ንብኡ ሕማም ምስ ተሰመዖም ናብ ሆስፒታል ከዱ ኣባኡውን ተዓቊቡ። ኣብ ዘይተረኽቡሉ እውን ካርዲናል ተሾሙ።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕነቶም!

ብ1959 ኣብ ጋና ተወልዱ ብ1981 ከኣ ኣባል ናይቲ ብዋይት ፋዘርስ ዚፍለጥ ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ስብከተ ወንጌል ኣፍሪቃ ዝተዋፈሩ ማሕበር ኮኑ። ብዕለት 5 ታሕሳስ 1986 ዓም ኣብ ሎንዶን ቅዱስ ኤዋርድ ኮለጅ መጽናዕቶም ኣብ ምፍጻም ዓቢይ መብጽዓ ገበሩ። ንዓዶም ጋና ተመሊሶም ከኣ ብዕለት 18 ሓምለ 1987 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ።

ከም ቀዳማይ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ከኣ ኣብ ኪንሻሻ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ቊምስና ወፈሩ። ስዒቡ ካብ 1996 ክሳብ 1999 ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ካንሃንጋላ ዘርኣ ክህነት ኣብ ኲስኰሳ ወፈሩ። ብድህሪኡ ኣብ ቱሉስ ሃገር ፈረንሳ ዝርከብ ማእከል ናይቲ ማሕበር ብሻምብር ደ ሚስዮነር ዳኣፍሪክ ዝፍለጥ ሓለቃ ኲስኰሳ ኮይኖም እንከገልግሉ ብ2010 ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ጠቅላሊ ናይቲ ማሕበር ኮይኖም ተመርጹ።

ኣይጸንሑን ብ2016 ናይ ሰበኻ ዋ ሃገረ ጋና ጳጳስ ተሾሙ። ኣብ ዝሰዓበ እቲ ብሓጺሩ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ሲመት ካርዲናልን መረጻ ኣቦምንበርነት ሰካምን ኮነ። ብዙሕ ትጽቢትን ተስፋን ተነቢርሎም እንከሎ ከኣ ጐይታ ገብር ኄር ወገብር ምእመን ባእ ውስተ ፍሥሃሁ ለእግዚእከ ክብል ዝሓለፈ ሰንብት ዕለት 27 ሕዳር 2022 ዓም ወጋሕታ ሰዓት 6.45 ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ መበል 63 ዓመት ዕድሚኦምን 35 ዓመትን ፈረቃን ኣገልግሎት ክህነቶምን ንሰማይ ሓለፉ።

ብዕረፍቲ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ሪቻርድ ክውያ ባኣዎብር ቊጽሪ ጉባኤ ካርዲናላት 225 ይኸውን! ካብዚኦም 126 ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ እንክኾኑ እቶም ዝተረፉ 99 ግን ብናይ ዕደመ ገደብ ምኽንያት ክመርጹን ክምረጹን ከምዘይከኣል ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 November 2022, 13:55